[DEHAI] ስምረá‰


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view

From: Neghuse Haile (neghusedemtsu@yahoo.com)
Date: Fri Feb 25 2011 - 20:31:15 EST


ስምረትክቡራትን ክቡራንን፡ኣሓትን ኣሕዋትን፡....ስምረት፡ሓድነት፡ውሕደት፡ጥርናፈ፡ኢደይ ኢድካ፡ ጎነይ ጎንኻ፡ ዝብላ ቃላት ካብ ንሰምዐን ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ። ብመዝሙር፤ ብደርፊ፤ብጽሑፍ፡ብተደጋጋሚ ሰሚዕናየን። ብሳላ ስምረትና እንታይ ተጠቐምና? ስኣን ስምረት'ከ ከመይ ተጎዳእና? ካብ ስሩ መሰረቱ፡ ስምረት ማለት እንታይ ማለት ኢዩ? ካብቲ ሕሉፍ ታሪኽ ቃልሲታትና ቀሲምናን ተሞኪርናን፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ብኸመይ ንገጥሞ? እስከ ሓሳባትና ተለጋጊስና ነወሃህዶ። ደጊም እንሀ እንበኣር፡ ስምረት ኣብ ክልተ ክንከፍሎ ንኽእል፡ ከመይ ማለት፡ 1ይ/ ሓሳባዊ ስምረት ክኸውን ከሎ 2ይ/ ድማ ግብራዊ ስምረት ማለት ኢዩ። ሓሳባዊ ይኹን ግብራዊ ፡ ኣብ ጠቕሚ ዝተሞርኮሰ ኮይኑ፡ ኢቲ ጠቕሚ ድማ፡ ውልቃዊ ጠቕሚ፡ ወይ ሓባራዊ ጠቕሚ ይኸውን፡፡ ከምዚ ስለዝኾነ ድማ ኢዩ ኩሉ ሳብ ስምረት እንክበሃል ከሎ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ደረጃ ዘለውዎ ጽፍሒ ይኹን ሓላፍነት ብዘየገድስ፡ ዘልሓጥሓጥ፡ ሰንከልከል፡ ክብሉን ከንሳሕቡን ዝረኣዩ። ጠቕሞም ተተንኪፎም ኢዮም እሞ። እስከ በብሓደ ንተዓዘበን።1ይ/ ሓሳባዊ ስምረት 2ይ/ ግብራዊ ስምረት ናብ ታሪኽ ጉዳይ ስምረት ተመክሮታት ኣቦታትና ንመለስ። ኣብ ግዜ ፈደራሊያ፡ ኣቦታትና፡ ነታ ሃገራዊት ነጻነት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ቀዳምነት ሂብካ ምስማርን ሓድነት ምግባርን፡ ናብ ምቋም ፖለቲካውያን ሰልፍታት ስለዘድሃቡ፡ ነታ ጸረ ነጻነት ዝኾነት ሰልፊ ማሕበር ኣንድነት ዓቢ ዕድል ከፈቱላሞ፡ በዚ ጠንቂ'ዚ ስኣን ስምምዕ፡ ስኣን ፍቕሪ፡ ስኣን ስምረት፡ ነጻነት ኤርትራ ካብ ኢዶም ሞሊቓ። ውጽኢት በለጽን ውልቃዊ ረብሓን ህርፋን ስልጣንን ሳዕቤኑ ኢዚ ኢዩ'ሞ ንጠንቀቐሉ። ካብ ተመክሮታት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ (ሰውራ ኤርትራ) ። ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጠንቂ ዘይምቅዳውን ኣነዶ ንስኻዶ፡ ንሕናባ ንስኹምባ፡ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን ኢዩ፡ ብምባል ገና ኣብ ዕሸልነቱን ምጅማሩን ውግእ ሓድሕድ ኣብ መንጎ ተ.ሓ.ኤ.ን ም.ሓ.ኤ.ን (ሓረካ) ተገቢሩ ህልቂት ተጋደልቲ ኾነ። ኢዚ ድማ ኣብ መጀመርታ 60ታት ነበረ። ድሕሬኡ'ውን እንተኾነ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ብዝነበረ ዘይምቅዳው፡ ሜዳ ኤርትራ ብውድባት ተመሊኣ። ከመይን ኣበይን ስለምንታይን ንዝብል ሕቶታት፡ ብመድረኹ ሓደ ብሓደ ክትንትነልኩም ኢየ። እፈልጦ እኳ እንተኾንኩ፡ ንሕጂ ግን ኣርእስተይ ስለዘይኮነ ይጽንሓለይ ንመዓልቱ። ናብ ጉዳይ ስምረትና ክንምለስ፡... ኢዚ ኹሉ ውግእ ሓድሕድ፡ ዕንቅፋት ሰውራናን መስዋእቲ ንጹሃን ተጋደልቲ፡ ምኽንያቱ እንታይ ኢዩ? ምስ እንብል ሓንቲ እንኮ ሓቀይና መልሲ "ስኣን ስምረት" ጥራሕ ኢያ። ጠንቂ እብያ ስምረት መንዩ? ስለምታይ? ንጠቕሚ ሓፋሽ"ዶስ ወይ ውልቃዊ ረብሓ? ሕጂውን ኢቲ መልሲ ክጓስዮ ኢየ መድረኹ ኣይኮነንእሞ። ኢታ ቐንዲ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ዘላ ስምረት ስለ ዝኾነት፡ ኣብኣ ነተኩር። ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሓንቲ ካባኻትኩምን ካባኻትክንን፡ ዝምነያ ጠለብ ኣላትኒ፡ ንሳ ድማ፡...ሕጂ'ውን ዝጽበየና ብዙሕ ጉዳያትን ዕማማታትን ሓርበይናነትን ስለ ዘሎ፡ ንጠቕሚ ሓፋሽ ኣቐዲምና ምእንቲ ህዝብና፡ ሃደራ ስውኣት ተቐቢልና፡ ስምረት ስምረት ስምረት ንግበር፡ ብዘይ ስምረትን ሓድነትን ቅሳነት የለን። ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣታና፡ ዓወት ንሓፋሽ። ሓውኹም ንጉሰ ሃይለ። ክንብል ከለና፡ መግለጺ ዘድልዮ ኮይኑ ኣይስመዓንን፡ ከመይ ማለት፡ ኢዚ ኩልኻ ሓቢርካ እትሰርሖ ዕዮ ስለዝኾነ፡ ጉዳይ ኢደይ ኢድካ፡ ጎነይ ጎንኻ ኮይና ሓቢርካ ምዕያይ ጥራሕ ኢዩ።.... ይኹን ደኣ እንበር ኢዚ ስምረታዊ ግብራዊ ዕዮ ኢዚ፡ ኣሚንካን ተረዲኡካን ብንያትካ ኣምሒንካ ትሰርሖ ጠቕሚ ሓፋሽ ድዩስ? ወይስ ተገዲድካ ብዘይ ንያትካን እምነትካን ፈሪሕካ እትዓዮ ንረብሓ ውሑዳትን ሓያላትን ኢዩ?.... ሕጂ'ውን ኢንተኾነ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፡ ንመን? ስለምንታይ? ከመይ? እናበልና ክንውከስን ክንፈልትን ክርድኣናን ኣለና።ክንብል ከለና፡ ኩሉሳብ ሓደገይና ስምረት ኢዩ። ሓደገይናነቱ ንጽቡቕ ወይ ንሕማቕ ድማ ክከውን ይኽእል። ከመይ ማለት፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ፡ ማሕበረሰብ፡ ማሕበር፡ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ስርዓተ መንግስቲ፡ ክህሉ እንከሎ፡ ውሽጣዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ ዕንቅፋታትን ማሕለኻታትን እናኾነ ነቲ ዘለዎ ማሕበራዊ ቅርጻ ቀንዲ መዕነውን መፍረስን ይኸውን። ኣቐዲመ ከምዝገለጽክዎ፡ ኣመት ናይቲ ስምረት ንጠቕሚ ሓፋሽ ምስ ዝኸውን፡ ዕንወት መግዛእቲ ኮይኑ ነጻነት ወይ ሓርነት የምጽእ። ውልቃዊ ስምረት ምስ ዝኸውን ግን ውጺኢቱ ወጽዓን ጭኮናን ምዝመዛን ይከውን ማለት ኢዩ። ስለዚ ንስምረት ክንዒደም ከለና፡ ምስ መን? ከመይ? ናበይ? ስለምንታይ? ኢልና ክንውከስን ክንፈልጥን ክንርዳእን ይግባእ ማለት ኢዩ።


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view


webmaster
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2011
All rights reserved