[DEHAI] IN MEMORY OF YOHANNES TECLE DRAR


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view

From: Yacob Kidane (y.kidane@sbcglobal.net)
Date: Thu Apr 28 2011 - 16:05:51 EDT


ጐብለል ተሳዒሩ ሕጂስ ተሰኒፉ

ድሓን’የ እናበለ ክሳብ መጨረሻ ከይከፈተ ኣፉ፡

 

እንታይ ረኸበለይ ነዚ ሓወይ ዓቢ

መኽበር ሰቡ ሓላዪ ሓብሓቢ፡

 

እንተሰሚዕኩም ዮውሃንስ በልዎ

ይድለ ከምዘሎ እስኪ ሓብርዎ፡

 

እዚ ሓድሽ ገዝኡ ብዙሕ ዝረሓቐ

ንዓና ምስጢር’ዩ ኣዝዩ ዝረቐቐ፡

 

ሳባ ኣይትኽእሎንያ ክጅምር መንገዲ

ኣርሒቑ ክገይሽ ናብዛ ሓዳስ ዓዲ፡

 

ኣታ ሰብ ኣጥፊእና ኣትዩና ዘመተ

ኣባሓጎ ኮይኑ ከየበለ ታተ እግሪ ሰንበተ፡

 

ተቓላሳይ ኣቦ ኣውሪሱ ውርሻ

ብደቁ ቀሲኑ ክሳብ መጨረሻ፡

 

በዓል ምሉእ ፍናን ጐምበል ኣቦ ዓቕሊ

ወትሩ ሕጉስ ሃገረይ ብሃሊ፡

 

ብጸጥታ ኢትዮጵያ ኬንያ ከይተሓለለ

ክሳብ ፍጹም ዓወተ ቃልሱ ዝቐጸለ

 

ናጽነት ርኣየ ትምኒቱ ሰሚሩ

ናይ ደቃ ክትከውን ኤርትራ ሃገሩ

 

ሕጂ ግን ደኺሙ ኢድ ሂቡ ዮውሃንስ

ተፈልዩ ካባና ዳገም ንኸይምለስ፡

 

ምስ ዛራ ንብዓትና ንዓና ገዲፍካ

በል ጐምበል ድሓን ኩን ክንሰናበትካ

ኣብ ሃገርካ ኣዕርፍ ምስ ብጾት ቀሲንካ፡

 

ኣዘንቱ ናይ ኤርትራ ነቶም ዘይረኣዩ

ኣንጊሆም ወጺኦም ንዓኣ ዝደመዩ።

 

 

 

                                                  ትእማር ተስፋሚካኤል

 



image001.gif




New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view


webmaster
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2011
All rights reserved