From: Yacob Kidane (y.kidane@sbcglobal.net)
Date: Thu Apr 28 2011 - 16:05:51 EDT
ጐብለል ተሳዒሩ ሕጂስ ተሰኒፉ
ድሓን’የ እናበለ ክሳብ መጨረሻ ከይከፈተ ኣፉ፡
እንታይ ረኸበለይ ነዚ ሓወይ ዓቢ
መኽበር ሰቡ ሓላዪ ሓብሓቢ፡
እንተሰሚዕኩም ዮውሃንስ በልዎ
ይድለ ከምዘሎ እስኪ ሓብርዎ፡
እዚ ሓድሽ ገዝኡ ብዙሕ ዝረሓቐ
ንዓና ምስጢር’ዩ ኣዝዩ ዝረቐቐ፡
ሳባ ኣይትኽእሎንያ ክጅምር መንገዲ
ኣርሒቑ ክገይሽ ናብዛ ሓዳስ ዓዲ፡
ኣታ ሰብ ኣጥፊእና ኣትዩና ዘመተ
ኣባሓጎ ኮይኑ ከየበለ ታተ እግሪ ሰንበተ፡
ተቓላሳይ ኣቦ ኣውሪሱ ውርሻ
ብደቁ ቀሲኑ ክሳብ መጨረሻ፡
በዓል ምሉእ ፍናን ጐምበል ኣቦ ዓቕሊ
ወትሩ ሕጉስ ሃገረይ ብሃሊ፡
ብጸጥታ ኢትዮጵያ ኬንያ ከይተሓለለ
ክሳብ ፍጹም ዓወተ ቃልሱ ዝቐጸለ
ናጽነት ርኣየ ትምኒቱ ሰሚሩ
ናይ ደቃ ክትከውን ኤርትራ ሃገሩ
ሕጂ ግን ደኺሙ ኢድ ሂቡ ዮውሃንስ
ተፈልዩ ካባና ዳገም ንኸይምለስ፡
ምስ ዛራ ንብዓትና ንዓና ገዲፍካ
በል ጐምበል ድሓን ኩን ክንሰናበትካ
ኣብ ሃገርካ ኣዕርፍ ምስ ብጾት ቀሲንካ፡
ኣዘንቱ ናይ ኤርትራ ነቶም ዘይረኣዩ
ኣንጊሆም ወጺኦም ንዓኣ ዝደመዩ።
ትእማር ተስፋሚካኤል