[DEHAI] Martyrs day Poem


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view

From: Gabe Gebru (sgebru@sbcglobal.net)
Date: Sun Jul 04 2010 - 23:12:14 EDT


 

 

ግጥሚ ንሰማእታት

 

መዓለቱ ኣኺሉ ዓመታዊ ዝኽርኻ፤

ጸሎትን ምህለላን ከነብጽሕ ናባኻ፤

መብጻዓና ከነሕድስ ንዘኽታማት ደቅኻ፤

ክብራ ከነሕሉ ክትምዕብል ሃገርካ፤

ፈሺሎም ክተርፉ ምሑላት ጸላዕትኻ፤

እነሆ ተኣኪብና ንመሪር ዝኽርኻ።

 

 

ስለዝሞትካሉ ብጹኑዕ ዕላማ፤

ጸላእቲ ኣሕፊራ ፈተውቲ ኣገሪማ፤

እንሆ ሃገርካ ንቕድሚት ሰጉማ።

 

 

ዝሃብካና ሕድሪ ዘምሓልካና ማሕላ፤

ብዓሌት ብሃይማኖት ከምኡውን በቐቢላ፤

ሓድነታ ክንሕሉ ሃገርና ከይንመቕላ።

 

 

ቃልሲ ናጽነትካ መስዋእቲ ፍሬኻ፤

ቁጠባዊ ውሕሰነት ክጉነጸፍ ህዝብኻ፤

ዶባ ተኸቢሩ ክትነብር ሃገርካ፤

ብትምህርቲ ሰሲኖም ክረኣዩ ደቅኻ፤

ናብ ጋህዲ ይቕየር ኣሎ ቅዱስ ዕላማኻ።

በል ስምዓኒ ስዉእ ብሰራት ይኹንካ፤

ንሉእላዊነት ሃገር ንኽብሪ ሃገርካ፤

ውሉድ ሕደሪ ኤርትራ ዋርሳይ ተኪኡካ።

 

 

ንሃገርኩም ኩርዓት ንህዝብኹም ሓበን፤

ዝኽፈልኩሞ ዋጋ ብኹላህና ዝምስገን፤

ነዓኹም ዝበቅዕ ሓወልቲውን የለን፤

ኣለኹም ምሳና ኣይተፈልኹምናን።

 

 

ሕጉስ ኢልና ንግበሮ መኸተ ሃገርና፤

ነዓና እዩ ዝምልከት የለን ዝገብረልና፤

ዶብና ከይድፈር ክትምዕብል ሃገርና፤

ንሱ ኻእዩ ኔሩ ሕደሪ ስዉኣትና።

 

 

ዘምሓልካና ማሕላ ዝሃብካና ሕደሪ፤

ቃል ነኣትወልካ ከነውዕሎ ኣብ ግብሪ።

 

 

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ

 

ዓወት ንሓፋሽ!!

ወልደኣብ ስዩም.

 

Indianapolis, Indiana

 



image001.jpg


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view


webmaster
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2010
All rights reserved