ናቕፋ፡ ጨንፈር ባንክ ኣባይትን ንግድን ተኸፊቱ
ሓዳስ ኤርትራ 14 ጥሪ 2013 - ኣብ 1ይ ገጽ
ማዕረ ማዕረ’ቲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ንምውዳድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፣ ኣብ ከተማ ናቕፋ ሓድሽ
ጨንፈር ባንክ ኣባይትን ንግድን ተኸፊቱ ብ9 ጥሪ ኣገልግሎት ጀሚሩ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ሽከር ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ነበርቲ ናቕፋ
ኣብ ማእከል ከተማኦም ኣገልግሎት ባንክ ክረኽቡ ምብቅዖም ካብ ሃልክን ዘይተደለየ ወጻኢታትን ከምዝደሓኑ ብምሕባር፣ እቲ
ገንዘባዊ ትካል ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝሰላሰል ወፍሪ ልምዓት ድርኺት ከምዝፈጥር ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።
ህዝቢ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ተዋዲዱሉ ንዘሎ ኣገልግሎት ተገንዚቡ ልዑል ናይ ምጥርቓም ሜላ ከዘውትርን ንዝኽፈተሉ ናይ ልቓሕ
ዕድላት ብዝግባእ ክጥቀመሉን ዘዘኻኸረ ኣቶ እድሪስ፣ ጨንፈር ባንክ ኣባይትን ንግድን ኣብ ናቕፋ ክኽፈት እጃሞም
ንዘበርከቱ ኣመስጊኑ።
<iframe src="
http://blip.tv/play/22KDjOdpAg.html?p=1" width="620"
height="500" frameborder="0" allowfullscreen></iframe><embed
type="application/x-shockwave-flash" src="
http://a.blip.tv/api.swf#22KDjOdpAg" style="display:none"></embed>
ወኪል ሓላፊ ባንክ ኣባይትን ንግድን ኤርትራ ኣቶ ኢብራሂም ኣብራር ብወገኑ፣ ጨንፈር ባንክ ኣባይትን ንግድን ኣብ ቦታ
ጽንዓት ክድኰን ዝኸኣለ ሳላ ተገዳስነትን ተሳትፎን ህዝብን ምምሕዳር ንኡስ ዞባን ናቕፋ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እቲ ባንክ
ዘድሊ መሳለጥያታት ተዋዲዱሉ ንስራሕ ድልው ኮይኑ ስለዘሎ፣ ህዝቢ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ክጥቀመሉ ኣዘኻኺሩ።
“ምኽፋት ጨንፈር ባንክ ኣባይትን ንግድን ኣብ ከተማ ናቕፋ፣ ወጽኢት ናይቲ ኣብ ወፍሪ ልምዓት ዝምዝገብ ዘሎ ገስጋስ’ዩ”
ዝበለ ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ባንክ ኣቶ ዓብዱላሂ ዓሊ፣ እቲ ገንዘባዊ ትካል - ጠለባት ህዝቢ ንምምላእ ናይ ልቓሕ፣
ሓዋላን ተንቀሳቓሲ ሕሳባትን ዘጠቓልል ኣገልግሎታት ክህብ ምዃኑ ኣነጺሩ።
<embed type="application/x-shockwave-flash" src="
http://a.blip.tv/api.swf#22KDjOdpAg" style="display:none"></embed>
Housing and Commerce Bank opens branch in Nacfa town Shabait.com
Nacfa, 12 January 2013 – The Housing and Commerce Bank has opened a branch
in Nacfa town and launched the service provided as of last Wednesday.
Speaking at the commencement ceremony, Mr. Idris Ali Shiker, Administrator
of Nacfa sub-zone, pointed out that the start of bank services would enable
the inhabitants of the locality to save time and energy, besides the fact
that it would facilitate business activities in the area. He further called
on the inhabitants to popularize the norm of saving, and lauded those who
collaborated in the process of opening the branch.
Mr. Ibrahim Abrar, in charge of the Housing and Commerce Bank’s head,
indicated that the Bank has adequately been equipped, and that the role of
the inhabitants and the sub-zonal Administration was significant in the
process of launching the service.
Mr. Abdullahi Ali, the Bank’s manager, disclosed that it would render
services pertaining to credit, money transfer and saving accounts.
Received on Mon Jan 14 2013 - 14:16:38 EST