(VOA-Audio)ኤርትራ ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ተሳቲፋ ኢሉ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 4 Apr 2014 22:34:57 -0700 (PDT)

Horn of Africa ኤርትራ ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ተሳቲፋ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ`ውን ቅድሚ ወርሒ ብወግዒ ተዓዲሙ ኔሩ`ዩ ኢሉ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኤርትራ ብምኽንያት ዘለዋ ሪኮርድ ሰብኣዊ መሰላት ናብቲ ዋዕላ ኣይተዓደመትን ዝብሉ ጸብጻባት ክጋውሑ ቀንዮም`ዮም። ኣምባሳደር ገራህቱ ግን እኳ`ድኣ ኣብ ሰለስቲኡ ኣኼባታት ተሳቲፋን ናታ ርእይቶ ኣፍሲሳ`ያ ይብል። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ`ቲ ዋዕላ ኣይተሳተፈን። ንዕኡ ወኪሉ ዝተሳተፈ ሚንስተር ወጻኢ ዕስማን ሳልሕ`ዩ ይብል። ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብዛዕባ፡ "ውሽጣዊ ሰነዳት ኢትዮጵያ", ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን ከምኡ`ውን ብዛዕባ ካልኦት ዛዕባታት ተሓቲቱ`ሎ። ንምስምዑ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡ http://tigrigna.voanews.com/content/tigrigna/1886741.html *
Received on Sat Apr 05 2014 - 01:34:58 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved