*raimoq.com <
http://raimoq.com> *
*
http://www.raimoq.com/photo-reportage-10th-euro-ypfdj-conference-preperation-and-opening-ceremony-2/
<
http://www.raimoq.com/photo-reportage-10th-euro-ypfdj-conference-preperation-and-opening-ceremony-2/>
* *10ይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ስሙር ሱግሚ ንሓያል ውዳበ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ ኣብ ስዊዘርላንድ ሎሚ 18
ሚያዝያ ብወግዒ ጀሚሩ።*
------------------------------
10ይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ስሙር ሱግሚ ንሓያል ውዳበ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ፣
ኣምባሳደራት፣ መሓዙት ህዝቢ ኤርትራን ካብ ኤርትራን ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምን ዝመጹ መንእሰያትን ኣብ ዝተረኽብሉ ሎሚ
18 ሚያዝያ ኣብ ስዊዘርላንድ ብወግዒ ጀሚሩ።
[image: YPFDJ-in-Swiss-1st-day]
ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፣ ነቲ ዋዕላ መሪቑ ድሕሪ ምኽፋት ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ንጥፈታት
መንእሰያት ህግደፍ ኣብ 2005 ኣብ ዝጀመረሉ ዝቖመሉ ዕላማታት ንብዙሓት ወገናት ንጹር እካ` እንተዘይነበረ፣ እቲ ውዳበ
ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ጽኑዕን ንቑሕን መንእሰይ ኣብ ምህናጽን ኣንጻር ኤርትራ ኪካየድ ንዝጸንሐ ሽርሕታት ኣብ
ምምካትን ዘካዮዶ ስርሓት ንኣገዳስነቱ ዘጉልሐ ርኡይ ስራሕ ምኻኑ ብምግላጽ፣ ኣብ ኩለን ሃገራት ወጻኢ ዝርከብ ውዳበ
መንእሰያት ዝቖሙሉ ዕላማ – ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ልምዓታዊ ንጥፈታት ይኹን መኸተ ኣንጻር
ተጻባእቲ እጃሞም ምብርካት ብምኻኑ ብጥሙርን ብውሁድን ውዳበ ኪካየድ መድረኽ ዝጠልቦ ብምኻኑ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን
ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝርከብ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን መንእሰያት – ኣብ ትሕቲ ጽላል ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሓደ ተጠሚሩ
ኪካየድ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ይካየድ ምህላዉ ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊጹ።
ኣቶ የማነ ኣስዒቡ፣ ህዝባዊ ግንባር ኣንጻር ሓያልን ዓለም ገጢሙ ዝተዓወተ ውድብ ምኻኑ ብምግላጽ መንእሰያት ህግደፍ
ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ኣብ ምዕቃብን ውጽኢታዊ ናይ ስራሕ ዝምድናታትን ውህደትን ኣብ ምፍጣርን ዕዉት ስርሓት
ከምዘካየደ ብምሕባር፣ ንዝያዳ ዓወት ዝጸንሖ ናይ ውዳበ ሓይሊ ብዝያዳ ከሐይል ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።
ኣብ መወዳእታ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፣ ድሕሪቲ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ዘይፍትሓዊ እገዳ ዝተኻየደ ውሁድ
መኸተን ሓያል ውዳበን ከምዝበርዓነ ተጻባእቲውን ክርድእዎን ክእመንሉን ጀሚሮም እካ እንተለዉ ሽርሕታቶም ከቃርጽ
ከምዘይኮነ ብምፍላጥ፣ ነፍስወከፍ መንእሰይ ከምወትሩ ኣብ ምፍሻል’ዚ ውዲታትዚ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣተሓሳሲቡ።
ብድሕርዚ ኣቦመንበር ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያን ተመሃሮን ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣብ ዘስምዖ ቃል ንምዕባለን
ሓድነትን ኤርትራ ብሓባርን ብሓደ ርድኢትን ምስራሕ ከምዘድሊ ብምግላጽ – ኩሉ ጉዕዞ ኤርትራ ብመንእሰያት ዝቕለስ ብምኻኑ
ዓወታ ርጉጽ ምኻኑ ገሊጹ። ምዕባለ ሃገራት ብቐንዱ ኣብ መጠን ምዕባለን ተወፋይነትን መንእሰያት ዝምርኮስ ብምኻኑ ድማ
ሃማመተኤ ንኹሉ ዝካየድ ንጥፈታት መንእሰያት ህግደፍ ንምዕዋት ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊጹ።
ኣቦመንበር መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ መንእሰይ ቴድሮስ ጎይቶኦም ብወገኑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ምንቅስቓስ መንእሰያት
ህግደፍ – ወለዲ፣ ሓርበኛታት ተቓለስቲ፣ ኤርትራዊ ማሕበረኮማት ብዓቢኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕበነሉ ከምኡውን ስነሓሳብን
ክብርታትን ህዝባዊ ግንባር ዝድርዓሉን ኣብ ባይታ ዝትግበረሉን ንጥፈታት ከምእተኻየደ ብምግላጽ፣ ነቲ ዝተሰከምናዮ
ተልእኾን ሕድሪን ብምልኣት ንምትግባር ናይ ውዳቤ ሓይልን ዓቕምን ምሕያል ከምዘድሊ ብምሕባር ድማ፣ ፖለቲካዊ መርሓ
ህዝባዊ ግንባር ውሕስነት ህላወናን ቀጻልነትናን ብምኻኑ፣ ብሓያልነት ምእንቲ ኪቕጽል ምብርባር ፖለቲካዊ ዕዮታትን መንፈስ
ተዓዋትነትን ምርግጋጽ ነቲ ውዳበ ዝጽበዮ ዕዮ ምኻኑ ገሊጹ።
ካብ ኣወሃሃዲት ኮሚቴ መንእሰይ ሜላ ገብረመድህን ብወገና፣ ኤርትራዊ መንነትና ኣብ ነዊሕ ቃልስና ዝተሃንጸ ሓበንናዩ
ድሕሪ ምባል ድማ ነዚ መንነቲዚ ኣብትሕቲ ጽላል ህዝባዊ ግንባር ናብ መንእሰያትን ንምስራጽ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት
ምኻኑ ገሊጻ፣፣ እዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ምድላዋት ዝተገብረሉ ምኻኑ ብምግላጽ ድማ ኣብ
ስዊዘርላንድ ዝርከባ ኩለን ሃገራውያን ኣብያተጽሕፈት ብሓፈሻ መንእሰያት ህግደፍ ስዊዘርላንድ ድማ ነዚ ዓቢ ሃገራዊ መደብ
ንምዕዋት ዘካየድዎ ሓያል ስራሕ ኣመስጊና፣፣
ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ንጥፈታት ናይቲ ዋዕላ ካብ መንእሰያት ህግደፍ ሰሜን ኣመሪካ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣
ከምኡውን ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ናይ ተሳታፍነትን ምድግጋፍን ቃል ቀሪቡ፣፣ ብዘይካዚ ብማእከላይ
ኮሚተ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ ስራሕ ኪቐርብ እንከሎ በቲ ናይ ኣስታት ምስ ህዝቢ ኤርትራ
37 ዓመታት ምሕዝነት ዘለዎ ኮሚቴ ምትሕግጋዝ ስዊዘርላንድ ኤርትራ ዝኾነ ማሕበር ኣብ ርእሰ ምርኮሳ ዝተሰረተ ምስርሕ
ህንጸት ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብዶ/ር ቶኒ ኮከር ቀሪቡ።
10ይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ክሳብ 21 ሚያዝያ ኪቕጽል ኢዩ።
more info
http://www.raimoq.com/photo-reportage-10th-euro-ypfdj-conference-preperation-and-opening-ceremony/
http://www.raimoq.com/photos-the-10th-ypfdj-conference-in-europe-opened-today/
Received on Sat Apr 19 2014 - 07:05:53 EDT