ሕጂ’ውን ” ገመል ስሓባ፡ እንተ ኣበየትካ ስዓባ ! ” ኵይኑ። | 3ይ ክፋል
April 19, 2014 | Filed under: Angesom Issack <
http://www.raimoq.com/category/columns-%e1%8b%93%e1%88%9d%e1%8b%b2-%e1%8b%b0%e1%88%a8%e1%88%b5%e1%89%b2/angesom-issack/> ,COLUMNS <
http://www.raimoq.com/category/columns-%e1%8b%93%e1%88%9d%e1%8b%b2-%e1%8b%b0%e1%88%a8%e1%88%b5%e1%89%b2/> ,TIGRIGNA <
http://www.raimoq.com/category/tigrigna/> ,Top Posts <
http://www.raimoq.com/category/top-posts/> | Posted by: admin <
http://www.raimoq.com/author/admin/>
_____
ሕጂ’ውን ”ገመል ስሓባ፡
እንተ ኣበየትካ ስዓባ!” ኵይኑ።
Angosom-Issack-200
ከም’ቲ ፕረሲደንት ኢስኣያስ ኣፈወርቂ ዝበሎ፡ ” ንኤርትራ ካብ ቀዝሐ-ቍሪ ነውጽኣያ ” ኢልካ’ሲ፣ እንታይ ዘረብኡ’ዩ?
” ገመል ስሓባ፡ እንተ ኣበየትካ ስዓባ። ” ምባል ደኣ ምተገብአ ።
_____
|>> <
http://www.raimoq.com/pull-the-camel-if-it-dont-want-then-go-after-him/> ቀዳማይ ክፋል |>> <
http://www.raimoq.com/pull-the-camel-if-it-dont-want-then-go-after-him-part2/> ካልኣይ ክፋል
_____
Gemel-Sihaba-wey-SeAba-620
ሕጂ’ምበኣር፡ ኣርባዕተ ዓመት ድሕሪ ምክያድ ረፈረንዱም፣ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገራዊ ባጤራ (ናቕፋ) ብምውጽኣ፣ ንድርብ ቀይሕ መስመር፣ ዘይክኣል ቍጠባዊ ምፍትሕ ኢትዮጵያን ኤርትራን (no economical divorce) ከም ዝጠሓሰት ተቝጺሩ፣ ገመል ኤርትራ ንምስሓብ ወይ ንምስዓብ ናይ ዘተኻየደ ክርክር፣ ሳልሳይ ክፋልን መደምደምታን ኢና ክንርኢ።
እቲ ክርክር ክልተ ገጻት ነይርዎ። ሓደ ብሰለስተ ዙርያ ወራራት ዝተሰነየ፡ ኵናት’ዩ። ካልኣይ ድማ፡ ክሳብ ብመርትዖ ኣልቦ እገዳ ዝተሰነየ፡- ሃቐነ ዲፕሎማስያዊ ተንጽሎ፣ ንገመል ሃገረ-መንግስቲ ኤርትራ’ዩ። መደምደምታ ናይ’ዚ ካልኣይ ገጽ ክርክር፣ ሕጂ ዲፕሎማት ሀርማን ኵሀን፡- ”ኤርትራ ኣብ ቀዝሕን ቍርን ከም ዝጸንሓት’ሞ፡ ናብ መውቂ ትኣትወሉ ግዜ ብምእካሉ፣ ”Bringing Eritrea in from the cold” ኢልዎ ኣሎ።
ሀርማን ኵሀን ወዲ ኣንክል ሳም.. ብዓል ድርብ ቀይሕ መስመር፣ ዘይክኣል ቍጠባዊ ፍትሕ ኢትዮ/ ኤርትራ (no economical divorce) ናይ ቀደም። ”Bringing Eritrea in from the cold” ድማ ሕጂ።
በሉ በቲ ብሰለስተ ዙርያ ወራራት ዝተሰነየ፣ ቀዳማይ ገጽ ክርክራት ክጅምር።
ብዙሓት ሰባት፡ ገለ ካብኦም ”ተወሊደላ” ምባል ጥራይ ጣቋ ዝመስሎም፣ ውሑዳትን ስኑፋትን ኤርትራውያን ከይተረፉ፣ ኣብ ሳልሳይ ዙር ወረርኡ ሰራዊት ወያነ፣ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከም ዝሰዓሮ ክገልጹ ሰሚዐ ኣለኹ። ሰራዊት ወያነ ብግንባር መረብ ሰቲት ንውሽጢ መሬት ኤርትራ፣ ክሳብ ባረንቱ ከም ዝኣተወ፣ ካብ ክሳድ ዒቃ ክሳብ ገማግም ዓዲ ዃላ ክጽጋዕ ከም ዝኽኣለ ድማ’ዮም፡ ከም ጭብጢ ዘቕርብዎ።
ኣብ ሳልሳይ ወራር ወያነ፡ ዝተፈላለየ ምዝንባል ቦታታት ምንባሩ ሓቂ’ዩ። ኵናት ድማ ንዘይፈልጦስ ይትረፍ፣ ኣዓርዩ…. ንዝፈልጦ ሰብ’ኳ፡ ካብ ማዕዶ ክትሰምዖ መሻቐሊ’ዩ። ስለ’ዚ ሽዑ ንብዓል ማዕዶን ብዛዕባ መስርሕ ውግእ፡ ንእሽቶ ፍልጠት ንዘይብሉ ተራ ሰብን፣ እንተ ኣሻቐሎ ንቡር’ዩ። ብዓቢኡ ኣብ ህዝቢ ዝወረደ ምዝንባል፣ ዝምታ ጥሪትን ንብረትን ድማ፡ ዓቢ ሃገራዊ ጕድኣት’ዩ። ግድነታዊ ሳዕቤን ናይ ኵናት’ዩ ኢልና ጥራይ’ኳ ከይንሓልፎ፣ እቲ ጕድኣት መቓብር ስዉኣትና ኵዒትካ፣ ክሳብ ነዛ ድቃስ ሕቝፊ ሓላል መሬቶም ብምኽላእ’ውንዩ ተሰንዩ’ሞ፣ ”ቍስልኹም ኣይትሕከኹ..ኹ…!” ብዝበልትና፡ ሽሓጢት ልሳን ዝወረደና ሃገራዊ ጕድኣት፣ እንተላይ ጕድኣት ንንጹህ ልቢ ኤርትራውነት ኵይኑ።
ልቢ ብዙሓት ለባማት ኢትዮጵያውያን፡ ኣውራ’ኳ ልቢ ለባማት ቀራባ ጕረቤትና ትግራዎት፣ ዘሰምበረ ድማ’ዩ።
ምኽንያቱ.. ቀንዲ ስዕረት ወተሃደራዊ ሓይሊ ደርግ፣ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተፈጸመ፡ ኢትዮጵያውያን ኣውራ’ኳ ለባማት ተጋሩ ጽቡቕ ገይሮም እፈልጥዎ’ዮም። ወፈያ መስዋእቲ ኤርትራውያን፣ ኣብኡ ደው ከይበለ፣ ንስራሕ ቀሪም ሓይሊ ወትህድርና ደርግ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘሳለዮም ከኣ ኣይክሕዱን’ዮም ። ስለ’ዚ ነቲ ብዓውታ፡- ”እኛ ከዋነኛ ገንጣይ ሃይል ሽዕብያ እንጂ፡ ጕርፍ ካመጣው ወያነ ኣንደራርም….!” ዝብል ዝነበረ፡ ብድዐ ድርግ ሰባቢሩ፣ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብዓል ሀርማን ኵሀን፡ ከም ዝጽንበሩ ንዝገበረ ክቡር መስዋእቲ ኤርትራውያን፣ ካብ ድቃስ መቓብሩ ክትፈናቕል፣ ልቢ ለባማት ኢትዮጵያውያን፣ ኣውራ’ኳ ልቢ ለባማት ተጋሩ ዘሰምበረ’ዩ።
ስእሊ…. ወተሃደዊ ግጥም ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ፡ ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወያነ፣ ኣብ ሳልሳይ ወራር ግን፡ ካልእ ፍሉይ ኣናብባ’ዩ ዘለዎ። ርኢናዮ ከኣ ኢና።
ብመሰረቱ እቲ ኵናት፡ ኣብ መጋጥሞ ግዜ፣ ንጽሕፍቶ ወይ መጸዋዕታ ናይ ታሪኽ ግዝይኦም ብማዕረ ሓያል መስዋእቲ ዝኸፈሉ፣ ክልተ ውፉያት ወለዶታት ሃገርና -ወለዶ ግዜ ገድልን ዋርሳይን- ብምዃኑ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብልጫ ውህሉል ጥበብን ቅልጡፍ ምልከት ተክኒክን ነይርዎ። ወያነ ድማ፡ ብዝሒ ሰብ ብልጫ ነይርዎም፣ ከም ውሕጅ።
ውግኣት ሰለስተ ዙር ወያነ፣ ‘ሀ..ሀ.!’ ኢሉ ናብ ምሉእ ዶባዊ ግጭት ካብ ዝለሓመሉ፡ ውግእ ዛላምበሳ ጀሚሩ፣ ምስ መሳርሕተይ፡- ቢንያም ተኸስተ፡ መሓመድ ኣሰናይ፡ ኣይንኣለም (ፈጠሮ)፡ ሚኪኤል በርሀ፣ ኣብ እግሪ መኸል፡ ዓዲ ሃኪን፡ ዓዲ በጊዖ፡ በቢ እለቱ፣ ኣብ ጕልጅን ዓሰብን ከኣ፡ ድሕሪቲ ውግእ ገለ መዓልታት ድንጕይ ኢልና፣ ውዒልና ኔርና። ገለ ካብኣቶም ስኣልቲ ተንቀሳቓስን ደረቕን ስእሊ’ዮም። ንፍጻሜታት… ናይ’ቲ፡ ሰብ ምቕልን ቆልዑ ሓድግን፡ ኣሕቡሩ ዝመንጠላና፣ ታሪኽ ዳግማይ መጕዳእቲ ክንስንድ ኢና ወፊርና።
ስለ’ዚ ኣብ ሳልሳይ ወራሩ፡ ብብልጫ ብዝሒ ሰብ ዝተሃንደደ ውሕጅ መጥቃዕቲ ሰራዊት ወያነ፣ ካብ መስለዂ ቦታ እንዳባ ስምኦን ንላዕላይ ጋሽ፡ ምስ ፈሰሰ፣ ኣብ መጻወድያ ውህሉል ጥበብን ቅልጥፍና ምልከት ቴክኒክን፣ ብልጫታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከም ዝኣተወ ሪኢናዮ ኢና። መራሕቲ ውግእ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ካብ ላዕሊ -ክሳብ ደረጃ መራሕ ሓይሊ ዝበጽሕ፡ ዝተሓተ ጽፍሒ ማእከላይ ደረጅኡ- ተጋደልቲ ዝነበሩ’ዮም። ንዝተሃንደደ ሓይሊ፡- ብኸመይ ኣብ ሰፊሕ ቦታን ንውሓት ግዜን ዘርጊሕካ፣ ከም ትቝራርጾን ከም ተዳኽሞን፣ ብዓቢኡ ብስትራተጂካዊ ምዝላቕ 1978 ዝተደረዐ ውህል ጥበብ ዘለዎም ወለዶ ገድሊ ኤርትራ። እቲ ካብ መራሒ ጋንታ ላዕለዋይ፡ ንዝበዝሑ ቲሕቲኦም ዘጠቓልል ሓይሊ ወለዶ ዋርሳይ ድማ፡ ሳላ ዕድመ ንእስነት ምትዕጽጻፍ ጕልበት ኣካላቱ ውሁብ ኵይኑ፣ ኣሰር እግሪ ወለዱን ኣያ ኣብሻታቱን ተኸቲሉ፣ ብዘርኣዮ ቅልጥፍና ምልከት ተክኒክ ምንስሓብ፣ ነቲ መጻወድያ ስሙር ገይርዎ።
ዕስለ ወያነ…. እና ተጓየዩ ባረንቱ በጺሖም። ካብኡ መገዲ መገዲ፡ መጎሎ…፡ ሃይኵታ…፡ ኣለቡ…፡ እናበሉ ተሰነይ ክሳብ ዝበጽሑ፣ ብንውሓት መገድን ጸሓይ ግንቦት ናይ ባርካን ዝተዳኸምዎ ከይኣክል፣ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሸፈነ ጕልባብ ሚሳይላቶም ሰሰሊኹ ብምእታው፣ ሕሪሕራይ ገይሩ ኣቋሲልዎም’ዩ። ገለ ካብ’ቲ ቍራሪጽካ ናይ ምድኻም ውግኣት ድማ፣ ብተሰነይ ጀሚሩ፡ ጀበል አነዓም፡ ጕልጅ፡ ኡምኒ ሓጀር ተኸታቲሉ፡ ክሳብ ተከዘ ዝሳገሩ’ዩ ስዒብዎም።
መራሕቲ ወያነ ሆየ..የ! ምስ መበል ታሽዓይ ዓመት፡ ጽምብል ብዓል ናጽነት ኤርትራ’ዮም ዝቀዳደሙ ዝነበሩ። 24 ግንቦት 2000 ዓ.ም.ፈ ኣስመራ ኣትዮም ደዊኖማ ክውዕሉ። ስለ’ዚ ነቲ ብዓደ ኣንጻር ናይ እንዳባ ስምኦን ዘሎ ናይ ትግራይ መበገሲ ቦታታቱ ነቒሉ፣ ብላዕላይ ጋሽ ባረንቱ በጺሑ፡ ብተሰነይ ተዃሊሉ፡ ተከዘ ተሳጊሩ፣ እሞ ኸኣ፡- ብተወሳኺ ደብዳባት ነፈርቲ፡ ናይ ኵሊት መጥቃዕቲ፡ ናይ ጸሓይ መግረፍቲ፡ ሰለስተሚእትን ሱሳን ዲግሪ ብምኵላል ተዳኺሙ ዝመጸ ሓይሎም፣ ብተበተብ ኣብ ግንባር ክሳድ ዒቃ ኣእተውዎ።
ኣብ’ቲ ግንባር ዓሪዱ ዝነበረ ሓልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ብዘይካ’ቲ ድሕር’ሉ ካብ ግንባር ዓሰብ ዝተደረበ’ሞ፡ ኣብ ካልኣይ መስመር ዝገጠመ ሓይሊ፣ እቲ ካልእ ብዝግባእ ዘዕረፈን ዝተዳለወን ሓይለ ጕልበት፣ ሃዲኡ’ዩ ዝጽበ ዝነበረ። ኣብ’ዚ እውን እቲ ውህሉል ጥበብ ውግእ ኣኽራናት፡ ወለዶ ገድልን ንዕኡ ዝመልኽ ቅልጡፍን፡ ወለዶ ቴክኒክ ዋርሳይ ኤርትራ፣ ብልጫታት ሓይልታት ምክልኻልና ነይሩ። ወያነ ኸኣ ነታ ዝነበረቶም ብልጫ ብዝሒ ሰብ፣ ንዓቕሚ ተዅሲ(ኣጽዋር) ኵነ፡ ተዋጋኢ ሓይሊ ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ፡ ከጥቅዑላ ይኹን ከጓድሉላ ከይክኣሉ፣ ቦታታት ኣብ ምሓዝን ብሸንኵለልን ኣዳኺሞማ ገፈፍ..ፍ..ፍ.! ክብሉ፣ ብኵርባታት ጻዕዳ ቀላይ፡ ዓዲ በጊዖ፡ ዓዲ ቀሺ፡ ንገማግም ዓዲ ዅተዮ ተጸግዑ።
እዋእ…እ..! ኣብኡ ዝተራእየ ህልቂትን ምዝሕዛሕ ሬሳን ኢትዮጵያውያን’ሞ፣ እንታይ ከነድግመሉ..!?
ኣብ ብዙሕ ጽሑፋተይ ዝደጋግማ ሓንቲ ሕጡበ ጽሕፍ ግና ክደግም…..
ንዓና ንኤርትራውያን፡ -ኣንኳይ ኣብ’ዚ ዘበናዊ ሃገርዊ ታሪኽና- ቀደም’ውን ብኣቦ ኣብሓጎታትና፡ ኣብ ርእሲ ሬሳ ናይ ምድባል..! ያታ ኣይጸንሓናን። ሰብ ምድሪ ባሕሪ፡ ኵናት ኣብ ርእሲ መሬት ሸኺሎም ስብእነት ዘመስክሩ፣ ”ኣነ ቀታሊ.! ሓርማዝ፣ ኣነ ቀታል.! ኣንበሳ፣ ኣነ ሓኔታ..!” ብምባል ጥራይ’ዮም ዝነበሩ። ዎዮም… ኣቦታቶም ብመጠን ዘሕለፍዎ ትንፋስ ሰብ ‘ኣነ ነብሰ ገዳይ.!’ እናበልካ ያታ ምፍካር ዘውረስዎም፡ ደቂ ስግር መረብ ግን፣ ሬሳ ክንፈቅድ፡ ግዳይ ክንጽብጽብ ይፈታተኑና ኣለዉ።
ንዐኦም ተኸቲሎም ድማ መዳመቕቲ፡- ”ኣብ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብ ክልቲአን ሃገርት፣ ልዕሊ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ከም ዝሃለቐ ይፍለጥ….” ብምባል፣ ”ሳግላ ብላዕ፡ ከይትቕላዕ” ገይሮም ብኽልቲኡ ወገን ማዕረ ጕድኣት ዓቕሚ ሰብ ከም ዝወረደ ከምስሉ ይሓናኽሩ ኣለዉ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ በቲ ድሕሪ ምዝዛም ሓርነታዊ ቃልሲ ዝጀመሮ፣ ዝርዝር ሓበሬታ፡ ነብሲ ወከፍ ስዉእ ዝወደቐሉ ቦታ፣ ዕለት…! ጽሒፍካ፣ ብስእሊ ዝተሰነየ ምስክርነት ሓርበኛነት ንነብሲ ወከፍ ስድራ ቤት ናይ ምሃብ፣ ጭውነት ስነድኡን ባህሊ ተሓታትነቱን፣ ኣብ ድምር ሰለስቲኡ ዙር ወራራት ወያነ ናይ ዝተሰውኡ ዜጋታቱ ቍጽሪ፡ ገሊጹ’ዩ።
ንስቓይ ሞት ዜጋታቶም፣ ምስ ነብሲ ወከፍ ስድራ ቤት ክሳቐይዎን ክእመንሉን ትብዓት ዘይብሎም መራሕቲ ኢትዮጵያ ግን፣ ምቅጫጮም’ዩ ዝገደልካ፡፡
ሻለቃ ዳዊት ወልደ ጊዮርጊስ ዝተባህለ፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሞኵንናት ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን ደርግን ነበር፣ ኣብ ዝጽሓፋ ”ናይ ደም ንብዓት” ትብል መጽሓፍ ዘንበብክዎ እዩ መስለኒ። ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ደም ዘንብዕዎ ደርጋውያን፣ ኣብ ክቢ ሓለቓኦም….፡ ሓለቓ ኣጋንንቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ዓሲሎም፡ የዋግዑ ኣብ ዝነበርሉ ኣጋጣሚ፣ ሓደ ካብኦም፡- ”ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኵናት ናይ ዝሞተ ወተሃደርና ቍጽሪ፣ ክንደይ ከም ዝኾነ እንተ ዝሓተናስ….. እንታይ ምመለስና ?” በለ።
ኮለነል መንግስቱ ድማ ትቕብል ኣቢሉ፡- ”ንዓና’ኳ ሓደ ክልተ.. ኢሉ ቍጺሩ ዘረከበና ስድራ ቤት የለን ።” ብምባል ኣቃጨጨ።
መራሕቲ ወያነ ነዚ ምቅጫጭ እዚ፣ በቲ ሓለፋ ማለት ዝያዳ፡ ኢትዮጵያውያን ኣሓት ኣሕዋቱ፣ ዋጋ መስዋእት ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ’ዮም ጀሚረሞ። ንሳቶም ኣብ ጫካታት ሽዋን ብዓትታት ኣዲስ ኣበባን እትው..ው.! ምስ በሉ፣ ተቐዳዲሞም፡- ”ኣብ ግዜ ወያነ፡ ካብ ቤቱ ዝወጸ’ሞ፣ ክሳብ ግንቦተ ሰነ 1983 ግእዝ (1991 ዓ.ም.ፈ.) ንቤቱ ዘይተመልሰ ሰብ ኵሉ፣ ከም ስዉእ ቍጸርዎ” ብምባል፣ ካብ ምትንፋስ ስቓይ ሞትን ቃንዛ ዝኽትምናን፣ ነብሲ ወከፍ ስድራ ቤታታት ትግራይ’ዮም፡ ነዛ ነብሶም ኣግሊሎም።
ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ኵናት’ሞ ኸኣ፡ ”መንግስቲ” እንድዮም ኵይኖም። ኣብ ካልኣይ ወራር ኣብ ሓንቲ ግጥም እግሪ መኸል ጥራይ፣ ዝተዛሕዘሐ ንሰብዓ ሽሕ ዝፋረቖ ቍጽሪ ምውታት ኢትዮጵያውይን ርእዮም ንዘስካሕክሑ ገዜጠኛታት ወጻኢ፣ ብወግዓዊት ኣፈኛኦም ሶለመ ታደሰ፡” እቲ ሬሳ ናይ ኢትዮጵያውያን ምዃኑ ‘ስ… ብጨንኡ ዲኹም ፈሊጠክሞ…!?” ኢሎም ኣቃጪጮም።
እቲ መውቃዕቲ ግን ንብዙሓት እትዮጵያውያን ”ዝባን ዓሻ ክውቃዕሲ፡ ልቢ ለባማት ይስምብር…!” እዩ ነይሩ።
ብሰንኪ ዓሻ ምህንዳድን ስትራተጂ ሃሳሰ ለባምን ናይ መራሕቲ ወያነ፣ ኣብ ሰለስትኡ ወራራት፡ ዝባን ሰራዊቶም ከመይ ከም ዝተውቕዐ፣ ካብ ዝመስከሩን ልቦም ዝሰንበሩን ኢትዮጵያውያን ሓደ…፡ ኮሎነል ኣለበል ኣማረ እዩ። ኮሎነል ኣለበል ኣማረ ኣብ ካልኣይ መስምር እዚ፣ ናይ’ቲ ንመራሕቲ ወያነ ፍሉይ ክፍለ ሰራዊት ውሻጣ ዝነበረ፡ ኮማንዶ ኣግኣዚ፣ ካብ ዝነበሩ ኮሎነላት ሓደ እዩ።
ንምኒስትሪ ምክልኻል መንግስቲ ወያነ ብዝነበሮ ቅርበት መሰረት ከኣ፡- ኣብ ሳልሳይ ወራር፣ ሰራዊት ወያነ ብላዕላይ ጋሽ ክሳብ ባረንቱ ክበጽሕ’ንከሎ፣ ”ሻዕብያ ኣብ ሰራዊቱ ጕድኣት ከይወርድ፡ ብስልታዊ ምዝላቕ እና ረሓቐ፣ ንሰራዊትና ናብ መቕተሊ ቦታታት’ዩ ዘእትዎን ዘዳኽሞን ዘሎ…. ” ዝብል፣ ስግኣት ዝነበሮም፡ ገለ ከምኡ ለባማት… ካብ ወተሃደራዊ መኵንናት ኢትዮጵያ፣ ንጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ሕሹኽ…ኽ.! ከም ዝበልዎ፣ ኮሎነል ኣለበል ይገልጽ።
ጀነራል ጻድቃን ሽዑ፡ ናይ ሰራዊት ውግእ ወያነ ላዕለውይ ኣዛዚ ኵይኑ፣ ኣባል ናይ’ታ መለስ ዜናዊ መራሒ፣ ምስኡ… ስዬ ኣብርሃ፡ ተወልደ ወልደማርያም፡ ኣለምሰገድ ገብረኣምልኽ፡ ተፈራ ዋልዋ፡ ክንፈ ገብረመድህን ዝጀምዑላ፣ ‘ነገር ጕጅለ ጕሓሉ ኣብ ከክሳድ ይመሓሓሉ’ ብምንባራ ደሓር ፋሕ..! ዝበለት ማእከል እዚ ወራር ወያነ’ዩ ነይሩ። ጻድቃን ዋላ’ኳ ነቲ ስግኣት እንተ ኣመኖ፡ ክቕበሎ ኣይደለየን። ካብ መራሒ መስርዕ ክሳብ ጀነራል ዝበጽሓሉ፡ ያታ ኣመራርሓ ውግእ፡ ‘ዝተኸፍለ ይከፈል ብዕስለ ሃጂምካ፡ ቦታ ምሓዝዩ’።
”ብላዕላይ ጋሽ ክሳብ ባረንቱ፣ ኣዕሚቝና ብምእታውና ሓይሊ ሻዕብያ ተመጢጡን ሃሲሱን ኣሎ…” ብዝብል ወተሃደራዊ ቅመራ ድማ፡ ካብ ራማ መረብ ብሲዑ፡ ዓዲ ዃላ ደይቡ፣ ኣስመራ ንክኣቱ ከም ዝፈተነ፣ ኮሎነል ኣለበል ኣማረ ይገልጽ። እዚ እስትራተጂ’ዝን ወስትኡን፡ ኣብ ጻዕዳ ቀላይን ዓዲ በጊዖን ተረዅሚሹ፣ ሬሳታት ምስ ተዛሕዘሐ፣ ኵላ’ታ ኣብ ከክሳድ ትመሓሓል ዝነበረት ጕጅለ ጕሓሉ ተኣኪባ። ”እምበኣር ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ መምለሲ እግሪ ክትኮነና፣ ሕጂ ዝኸፈልና ከፊልና፡ ዓሰብ ንሓዝ።” ኣብ ዝብል ናይ መወዳእታ ፈተነ ድማ፡ ደምደመት።
ኣብ ግንባር ዓሰብ ዝነበረ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ መዓልታዊ ዝተሓተ ዕስራ ዝልዓለ ኸኣ፣ ክሳብ ሓሙሳ ኪሎሜተር መገዲ ኣጋር፣ ብምኻድን ምምላስን ኣብ ኣጻምእ…! ልምምድ ዝገበረ፣ ልክዕ ከም’ቲ ካብ እሳተ ጎመራ ዝተተፍአ ኣኻውሕ ደንካልያ፣ ዝተረረ’ዩ ነይሩ። እወ..! ልምሉም ገጻት፡ ከም ሰዊት ገደና፣ ናይ መንእሰያትና ረጊፉ፣ ኣዋልድና ሻሕኪረን፣ ሰብነቶም ጽምእ ዝበለን’ዩ ነይሩ። እዚ ኣቐዲሞም….፡ ንሓያል ባህሪ ኣጽምእ ደንካልያ፣ ክለማመዱ ዝኸፈልዎ ዋጋ ግን፣ ድሓር መድሕን ትንፋሶምን ትንፋስ ሃገርን ኵይኑ። ወያነ ዘይገመትዎ ሓያል ተወሳኺ ብልጫ ምድላዋትና ኸኣ።
ሰራዊት ወያነ፡ ኣብ ጋሽ.. ባርካ ሃሊሉ፣ ኣብ ጻዕዳ ቀላይ፡ ዓዲ በጊዖ፡ ገማግም ዓዲ ዅተዮ ዘፍ..ፍ.! ኢሉ፣ ንናይ መወዳእታ ፈተነ፡ ብጕቦ ልቢ’ዩ፣ ኣብ ግንባር ዓሰብ ዝተቐልቀለ። ልዕሊ ኵሉ ንሰራዊት ወያነ ዝደሃሎ ግን፣ ኣብ’ቲ ኣንኳይ ሰብ፡ ለመምታ ምድረ በዳ’ኳ ፍጹም ዘይንቀሳቐሰሉ፣ ሓያል ሰዓታት ጸሓይ..! ናይ ሰዓት 9 ክሳብ 11 ቅድሚ ቀትሪ፣ ንክሃጅም ካብ ድፍዓቱ ዝወጸ፣ ሰራዊት ናይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምስ ርኣዩ’ዮም። ወርሒ ሰነ’ዩ ነይሩ።
ኮሎነል ኣለበል ኣማረ፡ ነቲ ናይ መውዳእታ ገጽ ሳልሳይ ወራር ወያነ ፣ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ይገልጾ…። ”ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊታት 36፡ 39፡ 14፡….. ኮሎነላት መሓመድ ኢሻ፡ ወንደሰን ተካን ወዲ ኣባተን፡ ዘልዓልዎ ሕቶታት ነይሩ።’ . . ኵነታት ኣየር (ክላይመት) ግንባር ቡሬ ኣዝዩ ሓያል’ዩ። ምድላዋትና ከኣ ናይ ተበተብን ሰንኮፍን’ዩ ዘሎ። ወዝቢ ክንዕወት ክንብል፡ ድንገትኛ ውድቀት ከየጋጥመና። ብዛዕባ ወገን ጸላኢ፣ ክሳብ ሕጂ ዝበልኩምና ኵሉ፡ ልክዕ ኣይኮነን ። ሕጂ ኸአ፡- ሻዕብያ ብግንባር ቡሬ ናብ ዓሰብ ከነጥቅዕ ንኽእል ኢና ዝብል ግምት ስለ ዘይብሉ፣ ዝኣክል ምድላው ኣይገበረን ትብሉና ኣለኹም። እሞ ክሳብ ክንደይ ርግጸኛታት ኢኹም…?‘ ዝብል ነይሩ።…….
”…መራሕትና ግን፡ ዋላ ሓንቲ ዘእምን መልሲ ከይሃቡ፡ ‘ዓሰብ ምሓዝ መንግስታዊ ትእዛዝዩ’ ብምባል፡ ውግእ ኣዚዞም። ተኸታታሊ ሓሙሽተ መዓልቲ ውግእ ተኻይዱ። ካብ’ቲ ዝቐደመ ውግኣት ኵሉ ዝኸፍአ ውግእ እኳ ደኣ’ዩ ዝዅነ። ሰራዊትና እቲ ዝለዓለ ዋጋ ካብ ዓቕሚ ሰቡ ዝኸፈለሉ ውግእ፣ ውግእ ቡሬ ግንባር ዓሰብ’ዩ። ሻዕብያ… ኣብ ሓያሎይ ውግኣት ንዝተጠቕመሉ፣ ኣብ መቕተሊ ቦታታት ሰሲሕብካ፡ ናይ ምህራም ጥበብ፣ ኣብ ቡሬ’ውን ስለ ዝተጠቕመሉ፣ ዓሰብ ናይ ምሓዝ ውጥንና፡ ዓቢ ህልቂት ሰብ ኣሰኪሙና ፈሺሉ…። ” ይብል። (የደራሲው ማስታወሻ ፣ ተስፋዬ ገብርኣብ… ገጽ 248–255)
ኮሎነል ኣለበል ኣማረ፡ ኣብ ሚንስትሪ ምክልኻል ወያነ፣ ሰነዳት ምምሕዳር ዓቕሚ ሰብን መምርሒ ልምዓትን፣ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰርት፡ ወያነ ኣብ ምጅማር እቲ ውግእ፡ ካብ ዘዳለዎ ከበድቲ ኣጽዋር ክልተ ሲሶ ከም ዝዓነወ ይገልጽ። ዝበዝሕ ካብኡ፡ ኣብ ሳልሳይ ወራሩን ምዝዛም ናይ’ቲ ውግእን፣ ኣብ ግንባር ዓሰብ ኵይኑ ኸኣ፡ ኣብ ሰለስቲኡ ወራራት ወያነ ብድምር፣ 98.700 ዝሞቱ፣ 194.300 ድማ ዝቝሰሉ ወተሃደራት ከሲሩ፣ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወያነ፡ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከም ዝተሳዕረ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።
እዚ ብድምር፡- ክሳብ 300.000 (ልዕሊ ርብዒ ምልዮን) ዝበጽሕ ክሳራ ዓቕሚ ሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ወራር ወየነ ንኤርትራ ጥራይ፣ ልክዕ ማዕረ’ቲ፡ ንጕስ ሃይለስላሰ ምስ ደርጊ፣ ብድምር ኣብ ናይ ሰላሳ ዓመት ኵናት ኤርትራ ዝኸሰርዎ ቍጽሪ…….፣ ሓደ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ። ወያነ ግና፡- ሰለስተ ዓመት’ኳ ኣብ ዘይመልአ ግዜ፡ 300.000 ዓቕሚ ሰብ ኣጥፊኦም፣ ከም ዝተሳዕሩ ከኣ’ዩ ተኣሚኑ ዘሎ።” ዝባን ዓሻ ክውቃዕ’ሲ፡ ልቢ ለባማት ይስንብር….!” ኵይንዎ፣ ደም እናጠዓሞ…! ኮሎነል ኣለበል ኣማረ።
እምበር ኮሎነል ኣለበል ኣማረ፡ ‘ክምር ድንጋይ’ ዝተባህለ ዓዲ ተወሊዱ ዝዓበየ፣ ናይ ቤገምድር ኣምሓራይ’ዩ። ህልም..ም.! ዝበለ ኢትዮጵያዊ። ዓወት ወይ ስዕረት ኣብ ወተሃደራዊ ግጥም፣ ክንደይ ቦታ፡ ተደፊእካን ደፊእካን ዘይኮነ፣ ክንደይ ካብ ዓቕሚ ሰብ ወገን ጸላኢኻ ኣጕዲልካ? ክንደይ’ከ ካብ ዓቕሚ ቶኽሱ ኣዳኺምካ….? ምዃኑ ንምፍላጥ፣ ንእሽቶ ወተሃደራዊ ኣምር’ምበር፣ ወገን ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ምዃን ስለ ዘየድልዮ ግን፣ ስእሊ.. ግጥም ወተሃደር ንወተሃደር ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ፡ ምስ ሓይሊ ወያነ፣ ኣብ ሳልሳይ ወራር ጽቡቕ ገይሩ፡ ኣናቢቡልና ኣሎ።
ካብ’ዚ ንላዕሊ ጭብጢ የልቦን። ሽዑ ኣብ ሰራዊት ወያነ ዝነበረ፣ ፍጹም ምድምሳስ እዝን ምፍራስ ክሳብ ቅርጺ ብርጌዳትን ድማ፡ ተውሳኺ መርተዖ’ዩ ።
ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ግን፡ ናይ ውሑዳት መሳርዕ፡ ኣብ በበይኑ ብርጌዳት’ምበር፣ ቅርጺ ሓንቲ ጋንታ’ውን ትዅን፡ ኣብ ሓንቲ ብርጌድ ከይጠፍአን ከይተቐየረን፣ እቲ ውግኣት ከም ዝተዛዘመ፡ ኣብ ኵሉ ንስራሕ ስነዳ ዝተንቀሳቐስናሉ ግንባራት ርኢናዮ ኢና።
ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ፡ ኣርባዕተ ዓመት ድሕሪ ምክያድ ረፈረንዱም፣ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገራዊ ባጤራ(ናቕፋ) ብምውጽኣ፣ ንድርብ ቀይሕ መስመር፣ ዘይክኣል ቍጠባዊ ምፍታሕ ኢትዮጵያን ኤርትራን (no economical divorce) ከም ዝጠሓሰት ተቝጺሩ፣ ገመል ኤርትራ ንምስሓብ ወይ ንምስዓብ ናይ ዘተኻየደ ክርክር፣ ክርክር ኵናት ክንዛዝማ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ግጭት ”ሀ..ሀ….!” ኢሉ፣ ካብ ዝተወዓወዓሉ ኵናት ባድመ ጀሚሩ፣ ዘይቀየራ ሓንቲ ምሉእ ሓሳባት ነይራ። ”ዘይሩ ዘይሩ እዚ ምስሕሓብ’ዚ…፣ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ፣ ኣብ ጣውላ’ዩ ዝፍታሕ . . .” ትብል።
መሪሕነት ወያነ ግን፡ ንተጻብኦ ምሉእ ፖለቲካውን ቍጠባውን ናጽነት ኤርትራ፣ ደው..ው.! ብምባል፣ ንገመል ኤርትራ መስሓቢ ናይ ኵናት ገመድ ከዝርሉ መሪጾም። ነቲ ናይ ኵናት ገመድ ስሒቦም..! ካብ ባድመ ናብ ዛላንበሳ፡ ቡሬን ኵሉ ዶባትን ኣልሒመሞ። መሊሶም ስሒቦም…! ብደብዳብ ነፈርቲ፣ ኣብ ማእከል ኣስመራ፡ ኣብ ግጥም ኵሉ ሓይልታት ውግእ ኣልሒመሞ። ቅድሚ’ዚ ዋላ’ኳ እታ ዅላ፣ ወያነ ተተኻኢሉ ምልእቲ ኤርትራ ከምልሰላ፣ እንተ ዘይተኻኢሉ ድማ፡- ዓሰብ መምለስ እግሪ ሒዙላ ክመጽእ ትጽበ ዝነበረት፣ ተረፍ መረፍ ኣተሓሳስባ ዓባይ ኢትዮጵያ፡ ”ትግሬ እርሱ በርሱ ተጣላ…” ብምባል፣ ብዅርምታ ትስሕቀሉ እንተነበረት፣ መለስ ዜናዊ ግን ብወግዒ..፣ ”ከም መጠን ርእሰ ብሄር ኢትዮጵያ ብዅሉ ሓይልታት ውግእ፣ ኵናት ኣውጀ ኣለኹ።…..” ኢሉ ነይሩ’ዩ።
ክሳብ ሕጂ ዘይተላዕለ፡ እውጅ ኵናት፣ ኣብ ርእሲ ልኣላውነት ሃገርናን ሃገረ መንግስትናን።
ድሓር… ድሕሪ ናይ መወዳእታ ስዕረት ኣብ ግንባር ዓሰብ፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ቍስላቱ ኣሕውዩ፣ መሳርዓቱ.. ካብ ንምክልኻል፡ ብዳግመ ውደባ ንመጥቃዕቲ ኣመዓራርዩ፣ ክብግስ ከም ዝኽእል ንመራሕቲ ወያነ ተሰዊጥዎም። ኣብ ሳልሳይ ወራር፡ ”እንታይ ዝኸውን ምንባር.!” ዝበሉ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ፣ ተመሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ፡ ትምህርቶም ጠንጢኖም ከይተረፈ፣ ንመደበር ታዕሊም ሳዋ መሊኦምስ….፣ ጕላጕል ጋሕተላይ ከም ዘዕለቕለቕዎ፣ ወያነ ሓበሬታ በጺሕዎም።
እዚ ሓይሊ’ዚ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብመሰረቱ ዘይተጠቕዐ፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እንተ ተደሪቡ፣ ኣብ ርእሶም፡ ረመጽ ሓዊ ክክዓዎም ምዃኑ፣ ቅጽበት..ት.! ዝተገንዘቡ መሪሕነት ወያነ ሽዑ፡ ”ኤርትራ ከይተጥቅዓና ውሕስነት ይገበረልና…” ብምባል፣ ካብ ዳግመ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘውሕስ…. ገለ መከላኸሊ መስመርን ቀይድን ክግበር፣ ንኣያታቶም ተማሕጺኖም። ተገይሩ ኸኣ….።
በዚ ድማ.. መራሕቲ ወያነ፡ ኣብ ሰለስተ ዙር ወራራት፣ ዘይሮም… ዘይሮም… ከም’ታ ገመል ሃገረ መንግስቲ ኤርትራ ዝበላ፣ ኣብ ክቢ ጠረጴዛን ፍታሕ ጣውላ ኣልጀርስን መጺኦም። ተጻባእቲ ናይ ድሕሪ ዋልታ፡ ስርዓት ዋሽንግቶን ድማ፣ ብስም ኣውሓስቲ ሰላም፡ ”ገመል ስሓባ፡ እንተ ኣበየትካ ስዓባ።” ብምባል፣ ካብ ድሕሪ መጋረጃ ወጺኦም ተጸንቢረሞ። ነገርና እግባይ ናብ ዘይብሃሎ ቤት ፍርዲ፣ ናብ ዘ ሄግ ከይዱ።
ይቕጽል . . .
Received on Sat Apr 19 2014 - 15:46:20 EDT