Eritrean community members in Germany conducted successful seminar
Photos: <
https://plus.google.com/photos/110791082726278507113/albums/6007448811201457457?banner=pwa>
https://plus.google.com/photos/110791082726278507113/albums/6007448811201457457?banner=pwa
_____
Asmara, 29 April 2014 – The Eritrean community members residing in the German Northrhine-Westfalia conducted a successful seminar in Cologne last Saturday.
Speaking at the meeting in which higher youth participation was witnessed, Mr. Medhanie Tesfalem, chairman of the Eritrean community in Germany’s committee for popular resolve against external conspiracies, indicated that the seminar is aimed at raising communal organizational capacity and keeping intact national as well as cultural values.
He further expressed the community’s readiness members to step up participation in the implementation of national development programs on the basis of effective organization.
Likewise, Mr. Kahsai Tewolde, in charge of public and communal affairs in the Eritrean Embassy in Germany, said that the attachment Eritreans have with their country is exemplary, and asserted that nationals inside the country and abroad would put up enhanced endeavors to put an end to the injustices UN sanctions.
Semhar Tekeste and Tedros Goitom, from the YPFDJ’s executive committee in Europe, gave briefings focusing on the ongoing youth activities, and indicated that the 11th Youth Conference is due to be conducted in Germany next year. They further called for the empowerment of Warsai Youth Organization.
Seminars were conducted focusing on the essence of Human right vis-à-vis the UN and culture as well as identity.
The participants of the meeting expressed appreciation for the sustainable development accomplishments being registered in the Homeland, and reiterated readiness to mount participation for the realization of the cherished development and diplomatic goals.
ሪፖርታጅ : ሓፈሻዊ ጸብጻብ : ሰሚናር ህዝባዊ መኸተ ኤርትራውያን ነበርቲ ኖርድቬስትፋለን :
ብዕለት 26.04.2014 : ኤርትራውያን ነባሮ ኖርድቬስትፋለን ብፈ/ሽ/መኸተ ዝተወደብ : ”መኸተና ንምዂላዕ መንነትና” ዝብል እዋናዊ ቴማ : መንእሰያት ብብዝሒ ዝተሳተፈሉን ዕዉት ሰሚናር ህዝባዊ መኸተ ኣብ ከተማ ከለን ኣካይዶም ::
ብዝክረ ሰማኣታት ዝጀመረ ሰሚናር : ስዒቡ ብኣ/ወንበር ማ/ኮም ከተማ ከለን ኣቶ ኣሽመላሽ ተስፋይ ንተሳተፍቲ መኸተ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ማሕበር ድሕሪ ምስማዕ : ቀጽሉ’ውን ኣ/ወንበር ሽማግለ መኸተ ኖርድራይንቬስትፋለን ኣቶ ልኡል ይሕደጎ ንውዳቤኡን ቀደም ተኸተል መደባት ናይ ሰሚናር ኣመልኪቱ ዝርዝራዊ መብርሂ ድሕሪምሃብ ንኣሳልጦኡ ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ :ንወደብትን ኣዳለውትን ክኣ ልዑል ምስጋናኡ ኣቕሪቡ ::
ኣ/ወንበር ፈ/ሽ/መኸተ ጀርመን : ኣቶ መድሃኔ ተስፋኣለም : ንመንፈስን ትሕዝቶን ናይ 2014 መደባት መኸተ ጀርመን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓብሬታ : ኣብ ዓመተ 2014 ዓ.ም ብኖርድቬስትፋለን ዝጀመረ ሰሚናር መኸተ : ኣብኩሉ ዞባታት ጀርመን ተመሳሳሊ ክካየድ ምዃኑን : ዕላማ’ዚ: መኽተ : ሓድንትና ኣሓይልና መንነትና ክንዂልዕን : ኣብ ለዕሌና ዝካየድ ዘሎ ዝተፈላልዩ ስነ/ኣእምሮኣዊ ኲናትን ሽርሕን : ገጢምና ክንስዕሮምን : ዓቅምታትና ኣብ ወፍሪ ለመዓት ሃገር ከነዛይድን : ስለዝኾነ ሎሚ’ውን ከምትማሊ ተውለ ኢለና ውዳቤና ኣሓይልና ኩሉ ዜጋ ኣጃሙ ምስዘበርክት ነቲ ሞቱ ቀሪቡ : ዝስሓግ ዘሎ ዓማጺ እገዳ : ጨሪሹ ከምዝቕበር እምነቱ ገሊጹ ::
ወኪል ህ/ኮ/ጒዳያት ኤምባሲ ኤርትራ : ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ : ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪን : ንፍትሕን ሰላምን ዘለዎ ቅሩብነት ብኣብነት ዝጥቀስ ምዃኑን : እዚ ናይሎሚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ መኸተ መቐጸልታኡ ኮይኑ : ኣብ ኩሉ ጒዕዞታትና ትኲራት ክንከውንን : ነቲ ብቃልስናን ጽንዓትናን ዘማህመንናዮ ዘይሕጋዊ እገዳ ንሓዋሩ ንኽቕበር መሳርዕና ኣሕይልና ሓድነትና ኣስጢምና ዳግማይ ቅያ ከምንሰርሕ ዘለዎ ሓያል እምነቱ ድሕሪ መግላጽ ዕዉት መኸተ ክካየድ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ ::
ኣባል ፈ/ሽ/መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣውሮጳ መንእሰይ ሰምሃር ተኸስተ ከምኡ’ውን ሓላፊ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ኣውሮጳ : መንኣሰይ ቴድሮስ ጐይትኦም : ንንጥፈታት መንእሰያት ኣብ ኣውሮጳ ኣመልኪቶም : ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ በጺሑ ከምዘሎን : ስለዝኾነ 10ይ ዋዕላ መንእሰያት ኣብ ስዊዝ ዝተኻየደ ብድሙቕ ዓወት ምዝዛሙ : ውጽኢት ሓባራዊ ቃልሲ ዘካየድናዮም ምዃኑ ክብል ገሊጹ : ኣብቲ ዋዕላ ተሳትፎ መንእሰያትና ጀርመን ሓያል ምንባሩን : ሐጂውን ንመብል 11 ዋዕላ ኣብ ጀርመን ክካየድ ምኻኑን ንምዕዋቱ ጻዕርታትና ከነዛይድን ::
እዚ ኣብ ስዊዝ ብዋርሳይ ዝፍለጥ እናሓየለ ዝመጽእዘሎ ውዳቤ መንእሰያት ክንደፋሉ ሓላፍነትና ማዃኑ ተላብዮም::
እቲ ኩሉ ተሳታፋይ መኸተ ብሃረርታ ዝጽበዮ ዝንበረ መደብ ኣሰተምህሮ : ብሓበሬታን ስነ/ጋዜጣን ምርቕቲ መንእሰይ ማርታ ክፍለማርያም ካብ ከተማ ከለን’ዩ ጀሚሩ : ዘቕረበቶ መሳጢ ዝኾነ ኣርእስቲ : ዘዕባ ንረብሓ ውሱናት ሃገራት ዝዓለመ ስነ/ኣኣምሮኣውን ቊጠባውን ፖለቲካውን ዕብለላን ጐበጣን : ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓሊፉዎምስ : እዚ ዕብለላን ጐበጣን’ዚ ኣብ ኣህጐር ኣውሮጳ’ውን ኣብ ላዕላይ ጥርዙ በጺሑ ምህላው ዘብርህ መሃሪ ጽሑፍ ኣቕሪባን ካብ ተሳተፍቲ ናእዳን ሞራልን ረኺባ ::
ቀጺሉ ዝሰዓበ መደብ ሰሚናር: ብክኢላ ሕጊ ዝኾነ ኣቶ ኣድም ዖስማን ካብ ስዊዝ : ትርጉም ናይ ሰብኣዊ መሰል እንታይ ምዃኑን ብደረጃ UN ምኣስ ከምዝተጀመረን ነቲ ዝተመስረተሉ ዕላማ ከምዘይሰርሐን ሓፍሻዊ ሓበሬታን መብርህን ድሕሪ ምሃቡ ብሰብኣዊ መሰላት ኣመሳሚስካ ዝቐርበልና ክስን ካልእን : ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣምበርኪኽካ ረብሓታትካ ምቅዳም’ዩ እቲ ዕላማ : እቲ ዘገርም እቶም ወከልቲ ናይዞም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ሃገራት ሒዞሞ ዝመጹ ልኡኽ ከተግብሩ ኣንተዘይኮይኑ : ኣብ ጭብጢ ምስመጻእካ ክምልሱ ዘይክእሉን ምዃኖም’ዩ : ኣዚ ከኣ ዝረብረብናሉን መቐጸልታ ናይ ዝሓለፉ ሽርሕታት ምዃኑን : ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንመደባቶም ብግቡእ ነቒሕሉ ይምክቶም ምህላዉን : ንቀጻሊ’ውን እንተኾነ ፍትሒ እንኮ ካብ ጽንዓትናን መኸተናን ከምዝርከብ ምዃኑ ሰፊሕ መብርህን : ንዝቐረበ ሕቶታት ብህዝቢ ዘዕግብ መልስታት’ውን ሂቡ ::
ዘቕጸለ ኣስተምህሮ : ብስነ/ጥበባውን ተመራማሪ ባህልን መንነትን ዝኾነ መምህር ሰለሞን ጸሃየ ካብ ኤርትራ ዝመጸ ኰይኑ : ተሕዝቶ ኣስተምህሮኡ : ”እቲ ካበይ ከምዝመጸ ዘይፈልጥ ናበይ ከምዝኸይድ’ውን ኣይፈልጥን ” ብዝብል ጥቕሲ ዝጀመሮ ኣርእስቲ : ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ባህልን ወግዕን ቀዳሞት ወለድና ከመይ ከምዝነበረን : ንማዕዳን ምኽርን : ንመጐስን ነቕፌታን : ንሓበሬታን ፍቐርን : ንፍርድን ፍትሕን : በቲ ውሁብ ክኢላዊ ዓቕሞም ከምይ ይናበሩ ከምዝነብሩ በቲ መሳጢ ኣቀራርባኡ ንተሳታፋይ ኣኣንጊዱ : ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከም ጥሙር ህዝብን : ብቃልሱ ዝትጐናጸፎ ናጽነትን ህያው ኮይኑ ንኽነብር ባህሉን ያታኡን ወግዑን ታሪኹን ፈሊጡ ኤርትራዊ መንነቱ ንዝቅጽል ወለዶ ከመሓላልፍ ሃገራዊ ግዴታኡ ምዃኑን : እዚ ምስዘይትግበር ግን ካብ ትሓታትነት ከምዘየምልጥ ብምዝኽኻር : ንትግባረኡ ድማ ግዜን ቦታን ዘይፈሊ : ኣኳ ድኣ ኣብ ዓዲ ጓና ዘሎ ኣበርቲዑ ክቃለሶ ዘለዎ ድርብ ሓላፍነት ምዃኑ ተላብዩ : ግዜ ስለዝሓጸረ ተሳታፍቲ ንዝቐረበ ኣስተምህሮ እናሃረፍዎ ፡ መደብ ኣስተምህሮ ብድሕሪ ምዝዛም፡ ተሳተፍቲ ህዝባዊ መኸተ ኖርድቬስትፋለን ንመኸተኦም ዝድርዕ ናይ ሓባር ውሳኔታት ኣሕለፉ፦
ናይ ሓባር ህዝባዊ ውሳኔታት :
1. ብመሰረት ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ : ስርዓት ወያነ ካብ’ቲ ጐቢጡ ሒዝዎ ዘሎ ለዑላዊ መሬት ኤርትራ ብዘይ ውዓል ሕደር ሰራዊቱ ክስሕብ እንዳኣዘኻኸርና : ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባራቱ ኣጥቢቐና ንዂንን ::
2. ምምሕዳር ኣሜሪካን ስዓብቱን : ንምስልና ኣደዊኖም : ሕብረ-ተንኰላት እናቐየርካ ሓድነትና ኣላሕሊሕካ ኤርትራዊ መንነትና ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ኣብ ልዕሌና ዘካይድዎ ዘለዉ ዘመተ ስነ/ኣእምሮኣዊ ኲናት : ብኤርትራዊ ኒሕ ገጢምና ከምነፍሽሎ እንዳኣረጋገጽና : እዞም ሓያልታት ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ብምትኳር ንሰላምን ምርግጋእን ነዚ ብኲናት ትሓሚሱ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰርሑ ንጽውዕ ::
3. ብ § 1907 § 2023 ዝፍለጥ: ኣብ ልዕሌና ዝተበየነ ዘሕንኽ ዓማጺ እገዳ : ብጽንዓትናን መኸተናን ከምዘይንክስ ኣስናኑ ረጊፉ’ኳ እንተሎ : ንኽልዓል ኣጥቢቕና እናጸዋዕና : እገዳ ትንፋስ ንኽረክብ ብጭፍራ ወያነን ጐይቶቱን : ንኰንቱ ጻዕርታቶም ብምግንዛብ : ትኲረትና ኣዛይድና ውጥናቶም ንምፍሻል ተቢዕና ክንገጥሞ ሃገራዊ መብጽዓና ነሐድስ ::
4. ኣውሓስቲ ውዕል ኣልጀርስ : ውድብ ሕ/ሃገራት : ምምሕዳር ኣሜሪካ : ሕብረት ኣውሮጳ : ሕብረት ኣፍሪቃን : መንግስቲ ኣልጀርያን : እዛ እንነብረላ ሃገር ጀርመን : ስርዓት ወያነ ውሳን ኮሚሽን ዶብ ብግብሪ ንኽቕበል ከገድዱን : ንዝኣተውዎ መብጽዓ ከኽብሩን ብትሪ ንዘኻኽር ::
5. ነቲ ንኣፍረይቲ ዜጋታትና ብሓፈሻ : ብፍላይ ክኣ ኣብ መንእሰያትና ዝቐንዐ ጐስጓስ ጥፍኣትን ግዳይ መቕዘፍትን ህልቂትን : ንዘይሕጋዊ ስግረ-ዶብ ( Humantrafficking ) ኣዋዲድካ : ንሃገርና ኣብ ቊጠባዊ መዋጥር ኣእቲኻ ንምምብራክኽ ዝካይድ ዘሎ ሽርሒ ኣጥቢቕና ንዂንን ::
6. ግዳያት ላምፐዱዛ ዝኾኑ ዜጋታትና : ሬሳታቶም ኣብ ሃገሮም ተመሊሱ ክቡር ሓመድኣዳም ክለብስ : ብመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ዝቕረበ ሕቶ! መንግስቲ ጣልያን ክሳብ ሕጂ መልሲ ዘይምሃቡ እናዀነንና : ሓላፍነቱ ከተግብር ደጊምና ንጽውዕ ::
7. ነቲ መንግስትና ንማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ብነፍሰ-ሙርኰሳ ተውለ ኢሉ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ልምዓትን ካልእ እዋናውን መጻእን መደባት ሃገር እናሞጐስና : ኣብ ሃገራዊ ልምዓት እጃምና ከነበርክትን ኣብጐድኑ ምህላውና ነረጋግጽ ::
8, መንግስትና ካብ’ቲ ብዞባን ኣህጒርን ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል ኣምር : ናይ ህዝብታት ምዕባለን ሰላምን ከምዘረጋግጽ ብመትከል ኣሚኑ : ዘካይዶ ዝነበረን ዘሎን ንጡፍ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ነሞጒስ ::
9, ደኺምና ረብሪብና ከይበሉ : ሃገር ንምምዕባል ኣብ ውፍሪ ልምዓት : ሃገር ከይትድፈር ኣብ ሓለዋ ወፊሮም ዘለዉ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እናኣሞጐስና ወትሩ ኣብ ጐድኖም ምህላውና ነረጋግጽ ::
10, ሓድነት እቲ ዘይንቅነቕ ሓይሊ እዩ : ስልዝኾነ ኣብ ዝሓልፉ ተሞኲሮ ቃልስና : ነዚ ፍልስፍና : ኣብ ነገራዊ ሓይሊ ቀይርና : ብርቂ ዓወታት ጨቢጥና : ሎሚ’ውን ካብቲ ውህሉል ተሞኲሮና ብምሙርኳስ ንሃገራዊ ቅያ : ሓድነትና ኣስጢምና ኣብ መዓልቦኡ ከምነብጽሖን :: ሕቶ ሃገራዊ መንነት : ሐቶ ህላወ ከም ምዃኑ መጠን : ብሓሳብ ብግብሪ ንመንነትና ንምኹላዕ ከምወትሩ ድሉዋት ኣለና ::
ኣብ መደምደምታ ኣቶ መንግስተኣብ ኣርኣያ ካብ ሽማግለ መኸተ ኖርድ ራይን ቬስትፋለን፡ መኸተ ንዓና ኤርትራውያን ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ ኣካል ናይ ቃልስና ኮይኑ ኽኸይድ ጸኒሑን ዝተዓወትናሉን ፡ ገና ክሳዕ ሙሉእ ዓወትና ቀጻሊ ፡ ምዃኑ ከይዘንጋዕና ፡ ዘሕለፍናዮ ውሳኔታት’ውን ናብ ዝምልከቶ ኣቕኒዕና ከነተግበሮን ፤ መኸተና መዓልታዊ ኾይኑ ካብ ገዛናን ኣብ ውሽጢ ስድራቤትናን ከባቢናን ምስ እንሰርሓሉ ብርግጽ ከዕውተና’ዩ ክብል ተሪር ለበዋ ብድሕሪ ምቕራብ ፡ መደብ ሰሚናር ህዝባዊ መኸተ ኖርድቬስትፋለን ብዝክረ ሰማእታተ ተዛዘመ::
መኸተና ንምዂላዕ መንነትና !
ብግብርን ብሕልናን ሰማእታትና ይዘከሩ !
ተሳተፍቲ ህዝባዊ መኸተ ኖርድቬስትፋለን
ዕለት 26.04.2014 ከተማ ከለን
ዓወት ንሓፋሽ !
Seminar-Hizbawi-Mekete-26042014-Koeln-620
Received on Wed Apr 30 2014 - 16:22:38 EDT