Gwal Hewan (Hewan's Daughter.) Tigrigna Poem

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 9 Dec 2014 12:56:46 -0500

"ጓል ሄዋን"
 
ኣነ ጓል ሄዋን
እመሰል'ዶ ዓዋን።
 
ይብሉኒ እንታይ እዋና ዓምቢባ
ገና ብቆልዓይ ከጥቡ ጸባ።
 
ገንሸል ድየ መንቅጺ ደም
ንሓድሕዶም ክፋሰሱ ደም።
 
ንግስቲ እመስል ጻዕዳ ተኸዲነ
እንታይ'ሞ ብሕፍረት ደኒነ።
 
ንምርኣይ'ኳ ዘሕንኸኒ ንሰብኣይ
ጉዝጉዝ ደኣ በለኒ ንዓይ።
 
መርዓት ብእልልታ ተዓጂባ ክትወጽእ
ኣዲኣ ኣእዳዋ ጨቢጣ ብማዕዶ ትነብዕ።
 
በዓል ኣደይ ይብላ "ንመን'የ ዝነግሮ
በሉ መባልዕታ ይግበሮ።"
 
ብመርዓት ውጽኣት መዓልቲ
ሓቁፎም ኣወጥሑኒ ከም ድንስቲ።
 
ድሕሪ'ዚ ኹሉ ሆሆታ፡ ሽሻይ ግብጃ
ምስ ውቡእ ኢደይ ብድሕሪ መጋረጃ።
 
እንታይ ኣድለየ ዓርኪ ርእሲ ንሰብኣይ
ምንም ኣየምሕርን ክብል ሔማይ።
 
ንበይነይ ንጻወት ይብሉ ኣደሳሳቅ
እንተተጋገኹ ኩላቶም ስሓቅ።
 
እልልታ ጓል-ኣርባዕተ ርሑስ ጋማ እልፊ
ኣሰየ ኣሰና ተኻሕስኪ ብሕልፊ።
 
መዛረቢት እመስል ብገዝመይ
ግን ካበይ የመጽእኦ ስኡናት መሰልተይ።
 
ውሒዱና ገዝሚ ብዕራይ ክብሉ ክትዝክሪ
ንስኺን'ዶ ካብ እንስሳ ትኸብሪ።
 
መርዓ ንወለደይ ዕዳ ንዓይ ክብሪ ድሓን
ሰብኣየይ "ጊስ" ክብለኒ ተሰመዓኒ ሕስራን።
 
ወርቂ ጎባጉብ ተምሳል ዋልታ
ንዓይ መጋየጺ መደበሊ ንጐይታ።
 
ገጸይ ተሸፊነ ከም ጓል ግብጺ
ውቁጥ ስኒ ኣየድልየንን መጋየጺ።
 
ድማ ይብሉ "ሰይተ'ቦ ሰማየ ትርከቦ
ወሽሙ ዘምጽኣለይ ኣቦ።
 
ንሕንጢት "ህድኣት" ንዕንዱ "መኰንን"
ኣፍ ኣውጺኡ ክኹንን ክኹንን።
 
"እንታይ'ድኣ ይብለኒ ክወጽእ ክኣቱ
ከም'ዛ ዘይኮንኩ ኣደ ቖልዕቱ።
 
ድሓን ልኻይ እልከ ምስ በረቀ
ሰብኣየይ ፈንፊኑ እንተረሓቀ።
 
ድልየተይ ከይነግሮ ፈሪሔ ኩሉሳዕ
ካብኡ ሓሊፉ ይሕሸኒ ምጉራዕ።
 
-ሃይለ
Received on Tue Dec 09 2014 - 12:56:47 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved