ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም(ቫካሮ) መን’ዩ? 1-4 ክፋላት
04.02.2014
መእተዊ
“ዝብኢ ኣብ ዘይፈጥዎ ዓዲ ከይዱ ሓድሽ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ” እንተበለ ዘገርም ኣይከውንን። ዝብኢ ኣብ ዝፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ፣ ‘ሓድሽ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ’ እንተበለ’ዩ ዘስደምም። ገለ የዋሃት ናይ ፖለቲካ ሰባት ክመስሉ ዝፍትኑ ሰባት’ውን፣ ንዝፈልጦም ህዝቢ፣ ከንደላሕቕሉ ክፍትኑ ምርኣይ ሓድሽ ኣይኮነን። እቲ ሓድሽ ዝገብሮ፣ ኩሉ ኣብ ከብዱ ቀቢሩ ንታሪኽ ዝገደፎም ሰባት፣ ኣብ ልዕሊኡ ክምድሩ ምስማዕ ከም ባጫ ይቕበሎ። ተልሜዴን ናይ ፖለቲካዊ ጸወታ ስለዝኾኖ።
who-is-wedi-vacaro-620
ፖለቲካ ረቂቕ ዓውደ ውግእ’ዩ። ፖለቲካዊ መስመር ክልተ ኣንፈት ዘለዎ መገዲ’ዩ። ብኽልተ ጽፍሒ’ውን ክግለጽ ጸኒሑን ኣሎን። ዝሓለፈ ነዊሕ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ነዚ ሓቂ’ዩ ኣድሚቑ ዘንጸባርቕ። ንዝኾነ ፖለቲካዊ መስመር ወይ ፍልስፍና፣ ዝድግፍዎን ዝጻረርዎን ሓይልታት ክህልዉዎ ባህርያዊ’ዩ። እቲ ቅኑዕ መስመር ኩሉ ግዜ’ዩ ዝዕወት። ንዕዉት ፖለቲካዊ መስመር’ውን፣ ‘ኲሉ ብሓደ ይድግፎ ወይ ኩሉ ብሓደ ይቃወሞ’ዩ’ ዝብል ርድኢት የለን። ፖለቲካዊ መስመር በቶም ነቲ ምንቅስቓስ ዝቕልሱ ሰባት’ዩ ዝምራሕ። ናይ ፖለቲካ ሰብ፣ ካብ ካልእ ኣካል ሕብረተሰብ ፍልይ ዝበለ ንቕሓት፣ ብልሒ፣ ርቀትን ባህልን ክውንን እቲ ድስፕሊን የገድዶ። ቀጻሊ ኣብ ረጽሚ ስለ ዝርከብ’ውን ሓያልን ቅልጡፍን ኣርሒቑ ዝሓስብን ብዕላማ ዝምራሕን ክኸውን የድልዮ። ዝኾነ ሰብ፣ ካብ ባዶ ተበጊሱ ፖለቲከኛን ናይ ፖለቲካ ኣላዪ ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን።
ሰባት ብዝተፈላለየ ጠንቂ ኣብ መስመር ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክኣትዉ ይኽእሉ’ዮም። መንነቶምን እንታይነቶምን ምፍላጥ ኣብ ጥዕና ዘለዎ ኣካይዳ ወሳኒ ግደ ይህልዎ። ኤርትራዊ ናይ ፖለቲካ ታሪኽ፣ ኣብ ጉዕዞኡ ማእለያ ዘይብሎም ብስም ፖለቲካ ዝተጠመቑ ውልቀሰባት መዝጊቡ ሓሊፉ። ብዘይካቶም፣ ንሃገራዊ ዕላማ ማእከል ብምግባር ኣብ ምምጻእ ናጽነት ምቑልል ኣበርክቶ፣ ምጡን ደገፍ፣ ምድንጋጽን ምትሕብባርን ዝነበሮን ዜጋታት፣ መጋበርያ ጸላኢ ዝኾኑ፣ ዕላማ ዘይብሎምን ንከንቱ ዝደኽሙን፣ ዝምቡዕን ጸቢብን ኣተሓሳስባታት ኬንግሱ ዝጽዕቱ፣ ኣብ ጉዕዞኦም ዘይተዓወቱን ጥፉሻት’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ጸሊም ቀለም ታሪኽ ሰኒድዎም ኣሎ።
ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኩለንታዊ ምንቅስቓስ ካብ ናይ ካልኦት ሕብረተሰባት ዝፈልዮ፣ ብዙሕ ነጥቢታት ክጥቀስ ይክኣል’ዩ። ብሓባር ምንባር ካብቲ ንኤርትራዊ ንሓድሕዱ ዘስጠሞን ኣጸቢቑ ክፋለጥ ዝሓገዞን’ዩ። እቲ ደቂቕን ጥቡቕን፣ ዝምድናን ርክባትን፣ “መን፣ መን’ዩ?” ዝብል ሕቶ ክምልስ ይሕግዞ። ካብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ተሓቢኡ ዝነብር ወይ ዘይፍለጥ ጽቡቕን ሕማቕን ናይ ዓወትን ሽንፈትን ምስጢር ውልቀ ዜጋ ክህልው ኣይክእልን’ዩ። ግዜኡ ዘይኣኸለን ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ተመዚኑ ዘይቅላዕን ፍጻሜታት ገዲፍካ፣ ውልቀ ሰነድ ናይ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ልብን ቀልብን ዜጋታት ምዝጉብ’ዩ። ካብዚ መሰረት ሓሳብ እዚ ብምብጋስ፣ ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም (ቫካሮ) ‘መን’ዩ’ ዝብል መልሲ ምቕራብ ኣዝዩ ዝቐለለ ይኸውን።
ሰብ፣ ውጽኢት ናይ ከባቢ ወይ ናይ ተመክሮ እዩ። ናይ ሰብ ኣተሓሳስብኡ፣ ኣካይዳኡን ውሳነታቱን ውጽኢት ተመክሮኡን ውጽኢት ባህርያቱን’ዩ።
N.B እታ ዶክተር እትብል ቅጽል፣ ናይ ትምህርቲ ማዕረግ እትመስሎ ሰብ ብዙሕ’ዩ። እታ ማዕረግ ካብ ኢጣልያዉያን ነጋዶ ጸሊም ዕዳጋ ዝተዋህበቶ ሳጓ’ያ። ስለዚ፣ ምእንቲ ምድንጋር ከይፍጠር ኣብ ክንዲ ዶክተር ተወልደ፣ ኣቶ ተወልደ ብዝብል’ዩ ክቐርብ።
“ ኣቶ ተወልደ መን’ዩ? እንታይ ዓይነት ድሕረ ባይታ ዘለዎ ሰብ’ዩ? ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ኣበርክቶን ምንቅስቓሳትን ጸኒሕዎ? ናይ ጻዕዳን ጸሊምን ልክዕ መግለጺኡ እንታይ’ዩ? ብግዜን መድረኽን ባህርያቱን ኣመላቱን ከመይ ኔሩ? ከመይ ከ ኣሎ?” ዝብልን ካልእን ሕቶታት ከልዓል ንቡር’ዩ። እቲ ብማዕዶ ማዕዶ ወይ ብላዕሊ ላዕሊ ዝፈልጦ ሰብ፣ ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም፣ ከም ኣርእስቲ ክጥቀስን ከም ዛዕባ ክልዓልን ብዙሕ ክምስጦ ዝኽእል ኣይከውንን። ኣብዚ እዋን እዚ፣ ነዊሕ ዓመታት ተቐቢሩ ዝጸንሓ ሓቀኛ መንነቱን ጥሙሕን ተጋሂድሉ ኣብ ዘሎ መድርኽ ግን፣ መንነቱን እንታይነቱን ምዝርዛር ኣገዳሲ ይኸውን። ነቶም ብልክዕ ዘይፈልጥዎ ደጋፊ ሓበሬታ ይረኽቡ። ስለዚ፣ ኣብዚ ብተኸታታሊ ዝቐርብ ዓንቀጽ እዚ፣ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክምለሱ’ዮም።
1. ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም እንታይ ይመስል?
2. ናይ ስደት ህይወቱን ናይ ንግዲ ጉዕዞታቱን ካበይ ንናበይ’ዩ?
3. በብመድረኽ ዝነበሮ ተሳታፍነትን ዝምድናን ምስ ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ከመይ ኔሩ?
4. ቅድሚ 1975 ምምስራት ኤናኤ ዝነበሮ ተራን ምኽንያት ምኽዳዕ ካብ ሃገራዊ ቃልስን እንታይ ኔሩ?
4,1 ኣብ ልዕሊ ኣቶ ተወልደ ዝተላዕሉ ሕቶታት ኣባላት ሓፋሽ ውድባት እንታይ ኔሮም?
4,2 ንኣቶ ተወልደ ብኣደታት ሓፋሽ ውዱባት ዓዲ ጥልያን ዝቐረበሉ ክስታት እንታይ ኔሩ?
4,3 ሰውራ ኤርትራ ሓንሳብ ንሓዋሩን ክፍረድ ኣብ ዝተበየነሉ ምዝላቕን ሻድሻይ ወራርን ኣቶ ተወልደ፣ ዝወሰዶ ውሳኔ እንታይ ኔሩ?
4,5 ኣቶ ተወልደ፣ ነቲ ብስም ኤርትራውያን ምንቅስቓስ ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳ ዝኣከቦ ገንዘብ ብኸመይ መገዲ ናብ ካዝንኡ የእተዎ ኔሩን እቲ ገንዘብ ክንደይ ይበጽሕ?
4,6 ነቲ ዝገደፎ ባይታ ቃልሲ መስርዕ ሓፋሽ ውዱባት ብኸመይ ተመሊስዎ?
4,7 ድርብ መለክዒታት ኣቶ ተወልደ ኣብ ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት፣ ናይ ኲናት ውግኣት ተጋደልትን እንታይ ኔሩ?
4.8 እቲ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝልኣኽ ዝነበረ ክስታት ኣብ ልዕሊ ኣቶ ተወልደ እንታይ ይመስል?
5. ውልቃዊ ባህርያት ኣቶ ተወልደ እንታይ ይመስል?
5,1 ናይ ዝና ሕልምታቱ?
5,2 ብገንዘብ፣ ሰባት ናይ ምግዛእ ሜልኡ?
5,3 ስም ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ምጥቃስን ብሰባት ምሽቃጥን
5,4 ወልፊ ኮኾብን ጎይታን ናይ ምዃን ሕማም
6. በብግዜኡ ዝተላዕለ ሕቶ ናይ ኣቐምጠልና ገንዘብ ሓፋሽ ውድባትን መልስታት ኣቶ ተወልደን እንታይ’ዩ?
7. ተራ ኣቶ ተወልደ ኣብ ማሕበር ረድኤት ኤርትራን ቁጠባዊ ትካላት ውድብን እንታይ ኔሩ?
8. ዝምድናን ርክብን ኣቶ ተወልደ(ቫካሮ) ምስ ኣባ ማሪኖን እንታይ ኔሩ?
8,1 መርገጺ ኣባ ማሪኖ ኣብ ሕቶ ንናጽነት ኤርትራ?
8,3 ዝምድና ኣባ ማሪኖን ላዕለዎት ሓለፍትን ሰበስልጣናትን ኢትዮጵያ
8,4 ኣባ ማሪኖን ህዝባዊ ግንባርን
9. ናይ ድሕሪ ናጽነት ጉዕዞን ኣካይዳን ኣቶ ተወልደ?
9,1 ምምጻእ ህዝባዊ ኣውቶቡሳት ከተማ ኣስመራ?
9,2 ኣቶ ተወልደ ዘበርከቶ ህያብ መካይን ንሓለፍቲ
9,3 ብገንዘብ ጥዩሳት ተጋደልትን ስንኩላንን ዘእተወን መካይንን ጥዕንአንን
9,4 በብግዜኡ ብዘይ ቀረጽ ዝኣተዎ ኣቕሑ
9,5 ሕማም ወይ ወልፊ ስልጣንን
10. ኣብ ባህላውን ስፖርታዉን ንጥፈታት ምቑሉል ኣበርክቶ
10,1 ብስም ምምስራት ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ብሽግሌታን ኩዕሶ እግርን
10,2 ምሻጥ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት
10,3 ጸቢብነትን ረቂቕ ኣድልዎን ኣብ ስፖርተኛታትን
11. ምምጣጥ ኣቶ ተወልደን ናይ ባንክ ዕዳታትን
12. ህዝቢ ኤርትራ ዝእውዶ ገንዘብን ዘይተመልሰ ዕዳን
13. ክስታት ቤት ፍርዲ ኣቶ ተወልደ?
14. ሳራ፣ በዓልቲ ቤት ነበር ኣቶ ተወልደን ህይወታን
15. ህልዊ ኩነታት ኣቶ ተወልደን መጋብርያነትን ከመይ ኣሎ?
1 ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም(ቫካሮ)
ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም፣ ኣብ መጀመርያ ናይ 1950 እዩ ተወሊዱ። ዕባይ ኣስመራ’ዩ። ብግዜ ንእስነቱ ሓደ ካብቶም ደቂ ከተማ ተባሂሎም ዝጽውዑ መንእሰይ ስስሳታት’ዩ። ኣብ ከባቢ ፋብሪካ ነቢት እንዳፈኒሊ’ዩ ጎቢዙ። ገና ኣብ 13 ዓመት ከይመልአ’ውን ነቢት፣ ኣረቅን ኮኛኽን ናይታ ትካል ብምስታይ ኣብቲ ከባቢ ጽቡቕ ስም ከጥሪ ክእሉ’ዩ። ቃኘው ምስ ዝነበሩ ኣመሪካዉያን ወተሃደራት ዕርክነትን ዝምድናን ዝነበሮ መንእሰይ ተወልደ፣ ዘይ ከም ብዙሓት ናይቲ እዋን መተዓብይቱን ኣዕሩኽቱን፣ ኣብ ትምህርቲ ዝጥቀስ ንጥፈት ኣይነበሮን። ስለ ዝኾነ ከኣ፣ ናይ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ክዛዘም ኣብ ፍጹም ሽግር ኣትዩ። ዝበዝሑ ካብ ቀንዲ ኣዕሩኽቱን መተዓብይቱን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ክኸዱ ከለዉ፣ ተወልደ በቲ ምስ ሓናፍጽን ጠላይንን ኣጥርዩዎ ዝነበረ ዝምድና፣ ናብ ኢጣልያ ክስደድ’ዩ ተራእዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፣ ስምዒት ነብሰ ምትሓት ኔሩዎ። ናይ ጥልያን ሓንፈጽ ምዃኑ ክንገረሉ ይጽዕር ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ መጀመርያ ናይ 1970ታት ዓዲ ጥልያን ክኣትው ከሎ፣ ዝበዝሑ ኣዕሩኽቱ ናብ ሜዳ ቃልሲ ተሰሊፎም ብዝለዓለ ደረጃ ተወፋይነት ተቓሊሶም፣ ሰንኪሎም፣ ተሰዊኦምን ውሑዳት ብህይወት ናጽነት ክርእዩ በቒዖም’ዮም።
ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም፣ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝኣተወሉ ፈለማ ከም ተራ ሰራሕተኛ ኮይኑ’ዩ ህይወቱ ክመርሕ ፈቲኑ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፣ ብደቐቕትን ንኡሳንን ናይ ንግዲ ኣቚሑ ክዋሳእ ተራእዩ። ካብቲ ብነዊሕ ዓመታት ዝሰርሓሉ ምጡን ናይ ንግዲ ንጥፈት፣ ናይ ዕንቊ ንግዲ’ዩ። በዚ’ውን ኣብ ኢጣልያ ክንቀሳቐስን ሓያለ ኢጣልያዉያን ነጋዶ ክላለ ክኢሉ’ዩ። ማዕረ ማዕረኡ’ውን ሓዳር መስሪቱ’ዩ።
ምቕሉል ኣበርክቶ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበራን ውልቃዊ ባህርያታን ትሕትንአን እትምስገን ወ/ሮ ሳራ ንቡር ሓዳር ተኺሉ፣ ጽቡቕ ህይወት ከሕልፍ ጀሚሩ ኔሩ’ዩ። ብሕሉፍ ጸፋዕፋዕን ዝምዉናን ብዓቢኡ ብምዝራዉ ገንዘብ፣ ኣብ ኣስመራ ሓንቲ መንበሪ ገዛ ከጥሪ’ውን ስለ ዘይክኣለ፣ እቲ ሓዳር ክቕጽል ኣይክኣለን።
ኣቶ ተወልደ ብዝነበሮ ኣካይዳ ምስታ ነዊሕ ዓመታት ደም ዝነብዐት ምቕልልቲ በዓልቲ ቤቱ ክቕጽል ዕድል ኣይረኸበን። ሓዳሩ ብፍትሕ ተዛዚሙ። ወ/ሮ ሳራ፣ ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ መዕርፎ ነፈርቲ ከም ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ኮይና ህይወታ ኣብ ምምራሕ ትርከብ። ደቅ ኣቶ ተወልደ፣ ድሕሪ እቲ ካብ ኣስመራ ተለቂሕዎ ዝኸደ ናይ ምልዮናት ገንዘብ ኣበይ ከም ዝሰተዀ ዘይፈለጠሉ እዋን፣ ንኣቦአን ብሕማምን ጽምዋን ክሳቐ ንሓንቲ መዓልቲ ቊሊሕ ክብልኦ ኣይተራእያን።
ኣብ 2001 ብዘጋጠሞ ሕዱር ሕማም መሓዉር ብኸቢድ ክሳቐን ብዓረብያ ስንኩላን ክንቀሳቐስን ተራእዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብሕማም ካንሰር ደም ዝሳቐ ዘሎ ብዘይሓዳር ወይ ኣብ ህይወት እስካቡሉ ዝነብር ዜጋ’ዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ተሓቢኡ ምንባሩ፣ ብገንዘብ ተዓዲጉ መጋበርያ ጸላእቲ ይኸውን ኣሎ። ብመንን ብኸመይን ተኸቲቡ?
ይቕጽል ….
ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም(ቫካሮ) መን’ዩ ?
ካልኣይ ክፋል | ብወዲ ምስግና
ከድዓት ከም ኣቶ ተወልደ ቫካሮ ጉልባቦም ምስ ቀልዑ!
ብቑጠባን ማሕበራውን ህይወት ዝጠፈሹ ሰባት፣ ኣብ ጻዕሪ ሞት ምስ ኣተዉ ናብ ጸላኢ ክዕሰቡ ባህርያዊ’ዩ። ሕሱር ስራሕ ክዓሙን ክኽድሙን’ውን ዝተፈልጠ ባህርይ ነዳያት’ዩ። ህዝብን መንግስትን ንምጽላም ካባ ክድዓት ተኸዲኖም ከውደኽድኹ ምርኣይ’ውን ዘገርም ኣይከውንን። ካብ ግራት ሑስር ሕስረት ጥራይ’ዩ ዝዕጸድ። ንንዑቕ ምንዓቕን ሚዛን ከይሃብካ ብስቕታ ምሕላፍን ተመራጺ’ዩ። ሳሕቲ ግን ንከም በዓል ተወልደ ተስፋማርያን(ቫካሮ) ጉልባቦም ኣብ ዝቐንዕሉ፣ ብልክዕ እንታይነቶምን መንነቶምን ምቅላዕ ኣገዳሲ ይኸውን። መቐጸልታ ቀዳማይ ክፋል፣
ተወልደን (ቫካሮ) ናይ ስደት ህይወቱን ናይ ንግዲ ምዕባለታቱን በብመድረኽ ዝነበሮ ተሳታፍነትን ዝምድናን ከም ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ከመይ ኔሩ? ዝብል ክንርእይ ኢና።
ተወልደ (ቫካሮ)፣ ናይ ስደት ህይወቱን ናይ ንግዲ ጉዕዞታቱን ካበይ ንናበይ’ዩ?
ቡስቶን፣ ኣብ ከባቢ ሚላኖ እትርከብ ንእሽተይ ከተማ’ያ። ካብ መወዳእታ ናይ 1950ታት ኣትሒዞም ከኣ ውሑዳት ኤርትራዉያን ክሰፍሩላ ተራእዮም’ዮም። ቀዳሞት ኣብታ ከተማ ዝኣተዋ፣ ምስ ኢጣልያዉያን ዝሰርሓ ዝነበራን ደቀን ሒዘን ዝተሰደዳ ኤርትራዉያን ኣደታት’የን። ኣብ 1960ታትን መጀመርያን ናይ 1970ታት ግን፣ ሓያለ ኤርትራዉያን ክቕመጡላ ጀሚሮም። ተወልደ(ወዲ ቫካሮ) ናብ ኢጣልያ ካብ ዝሰደድ ኣትሒዙ፣ ካብታ ከተማ ኣይርሓቐን።
ዝበዝሐ ስርሑ፣ ኣብ ንግዲ ንኡሳን ኣቑሑ’ዩ ተሓጺሩ። ከተማ ቡስቶን ሓያለ ጋራጃትን ብብዝሒ ናይ ሓራጅ ንብረትን ብጨረታ ዝሽየጠላ ቦታ’ያ። ተወልደ፣ ነተን ሓደጋ ዘጋጠመንን ዝኣረጋን ናይ ሓራጅ መካይን፣ ቨርንቺ ብምልካይን ብምስናዕን ናብ ሱዳን ምልኣኽ ከም ቀዳማይ ስርሑ ሰርዖ።
ኤርትራዉያን መራሕቲ መካይን ኣብ ሱዳንን ከሰላን ነዘን ዝተሰንዓ መካይን ከም ሓደስቲ ክዕድጉን ተራእዩ።
ዝበዝሑ ኣቐዲሞም ገንዘብ ከሕልፉ ይሓትት ነበረ። በዚ’ውን ተወልደ፣ ሓደ ካብቶም ናይ ኣየር ብኣየር ዝብሃል ንግዲ ዘተኣታተወ’ዩ። ንብረት ዝሸጡ ጽጉማት ክዕድገሎም ዘምጽሉ፣ ናብ ካልኦት ሸይጡ በቲ ገንዘቦም ካልእ ብምዕዳጋን ምሻጥን ተወርዩ። ንውሑዳት ላሕ ኣቢሉ ገንዘቦም ክህቦም ከሎ፣ እቶም ቁማር ዝበልዖም ብዙሓት’ዮም።
ክሳብ ኣጸቢቑ ዝፍለጥ እቲ ናይ ምድንጋርን ምውቓዕን ሽጥራ ሰሪሕሉ’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን፣ ንዝተፈላለያ ደቀንስትዮ(ብኣበሃህልኡ ደቂ ብዳማ) ምስ ሃብታማት ብምርኻብ(መማጽኢ) ናብ ዘይፈልጥኦ ዓለም ዙሙት ዘምርሐን፣ ኮምሽን ክረክብን ሓረጣ ክበልዕን ብምኽኣሉ ብገንዘብ ንጹሃት ዜጋታት ገንዘብ ከውህልል ዕድል ረኸበ።
ተወልደ (ቫካሮ) ሕያዋይን ለጋስን ክመስል’ዩ ዝደልይ። ንርኣዩለይን ስምዑለይን ፈቖዶ መዘናግዒ ቦታ ገንዘቡ ክዘርዉ ዝሓድርን ተሰዲዱ፣ ህይወቱን ህይወት ስድራኡን ከመሓይሽ ኣይተራእየን። ኣብ ስደት ዝመጸ ገንዘብ ኣብ ስደት’ዩ ዝጠፍእ ብዝብል ስኑፍ እምነት፣ ከጠራቕም ዘይክኣለ ሰብ’ዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ባህርያቱ፣ ኣብቲ ካብ ሚላኖ ንሮማ ስለ ዝነበሮ ምንቅስቓሳት ዕሉል ሰብ ኮይኑ’ዩ።
ቫካሮ፣ ኣብ ሓፋሽ ውዱባት ኤርትራዉያን ኣብ ዓዲ ጥልያን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ንናጽነት ብሓፈሻ ኣብቲ 30 ዓመታት ዝቐጸለ ዕጥቃዊ ቃልሲ፣ ብዓቕሙን ክእለቱን ደረጃታቱ ዝፈላለ ኣበርክቶ ኔሩዎ’ዩ። እዚ ተሳታፍነትን ኣበርክቶን ድማ ኣብ ምምጻእ ናጽነት ኣገዳሲ ተራ ከም ዝነበሮ ኣይክሓድን። ተወልደ (ቫካሮ) ኣብ ከተማ ሚላኖ ከም ኣካያዲት ኣካል ብምዃን ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ጥራይ ካብ 1973 ክሳብ 1975’ዩ ሰሪሑ።
እቲ ንናይ ኤውሮጳ ንጥፈታቱ ጀርመን ስርሑ ዝፈለመ ውዳበ ህዝባዊ ሓይልታት፣ ኣብ 1973 ናብ ምሉእ ኤርውሮጳ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሃገር ዝተሰደዱ ኤርትራዉያን ተቐማጦ ዓዲ ጥልያን፣ ነቲ ውዳበ ቀልጢፎም ክጽምበሩዎን ብዝነበሮም ንቕሓትን ትግሃትን ነቲ ውደባ ከሓይልዎን ተራእዩ። ካብቶም ውሑዳት ነቲ ምንቅስቓስ ክመርሕዎ ዝተሓርዩ፣ በዓል ዮውሃንስ፣ ወዲ ማርያኖ፣ ወልዱን ይርከብዎም። ተወልደ’ውን ድሕር ኢሉ ስዒብዎም። እቲ ማሕበር ንብዙሕ ምኽንያት፣ 1973 ዝተኻየደ ምርጫ ኣካያዲት ኣካል፣ ቫካሮ ተመሪጹ። እንተኾነ ቀልጢፉ በቲ ዝነበሮ ባህርያት ፋንፈሮኒ፣ ዝኾነን ዘይኮነን ክዛረብ፣ ዝተሰርሐን ዘይወዓለን ጉዳያት ከውርይ፣ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ዝእተውን ዘይእተውን ጠብሎቕሎቕ ክብል ምስ ተራእየ፣ ብዓቢኡ ነቲ ካብተን ስሚንቶ ጠለይትን ፋሕፊሐን ንሰውራ ዘወፍያ ዝነበራ ኣደታት፣ ወረቐት ቅብሊት ክኸልእ ምስ ጀመረ፣ ቫካሮ ግዳይ ነቐፌታ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደን። ልምዲ ቀጠፍጠፍን ትሩፋን ቀልጢፉ ስለ ዘይበሊ፣ እቶም ኣባላት ብሓያል ዓቕሊን ምጽዋርን ከሳልይዎ ተራእዩ።
ኣብ ኢጣልያ ዝተፈላለየ መኣከቢ ሓፋሽ ውዱባት’ዩ ግዳይ ነቐፌታን ምጽብጻብ ካብ ምዃን ኣየምለጠን። መአከቢ ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ኢጣልያ ከም ሳምባ ቪላ፣ ቪያለ ሞንዛ እተን ንቫካሮ ብሓያል ድስፕሊናዊ ነቐፌታ ኣብ መስመሩ ከእትዋ ዝተራእያ’የን።
እቲ ቀንዲ ዝቐርበሉ ዝነበረ ነቐፌታትን ክስታትን፣-
1 ወረቐት ቅብሊት ቀልጢፉ ዘይምስላጥ ወይ’ውን ዘይምሃብ
2 ብስም ውድብ ካብ ዝተፈላለየ ማሕበራት ዝተረኽበ ንብረት ኣጉዲሉ ብምሻጥ
3 ስራሕ ክረኽበለን ንዝሓትኦ ደቀንስትዮ ኤርትራዉያን፣ ናብ ሃብታማትን ኣባላት ማፊያን ምርኻብ ብዘይምቁራጹ
4 ምዝራዉ ምስጢርን ሃለውለው ምባልን
5 ጉዳያት ክትኣልይ ዘይምኽኣል ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ኔሩ።
ኣካያዲት ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ነቲ ንእሽተይ ኣበርክትኡ ብምርኣይን፣ ምስ ግዜ ድማ ባህሪ ዕዋላነት ክገድፎ’ዩ ብምባል፣ ብረዚን ተጻዋርነት ክሕዝዎ ተገዲዶም። ምስ ደመ ነብሱ ዝተጸምበረ ባህርያቱ ቀልጢፉ ክሕጸብ ኣይክኣለን። ኣብቲ ማሕበር ንክልተ ዓመት ምሉእ ክቕጽል ኣይክኣለን። ካብ 1973 ክሳብ 1975 ጥራይ እዩ ሰሪሑ። 1975፡ ምስ ምምጻእ ማሕበር ኤርትራዉያን ምንቅስቓስ ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ክዕወት ኣይክኣለን። ኣብቲ ማሕበር ከም ሃይለ ኣስፍሃን ንጉሰን(ክሻ) ካልኦትን ክመርሕዎ ምስ ጀመሩ፣ ወዲ ቫካሮ ኮርዩ፣ ነብሱ ኣደስኪሉ። ጠቕሊሉ ነቲ ማሕበር ገዲፉ ክሃድም ተገዲዱ። ጸኒሑ’ውን ብገንዘብ ሰባት ዓዲጉ ኣንጻር ሓፋሽ ውዱባት፣ ኣንጻር ቀንዲ ካድራት ክጉስጉስ ተበጊሱ። እዚ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ነባሪ ኢጣልያ፣ ልዕሊ ኩሉ፣ እቲ ሕጂ ከም ተሓዚ ጁባ ኮይኑ ምስኡ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ደሳለኝ(ሻንቆ) ዝዝክሮ ፍጻሜ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ደሳለኝ(ሻንቆ) ከዲዑ ኣንጻር ህዝቢ ዝተዓጠቐን ክሳብ ናብ ኢትዮጵያ ኣኼባ ኣዋሳ ዝኣተወን’ዩ።
ምንቅስቓስ ተወልደ (ቫካሮ) ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ እንታይ ኔሩ?
ምስ ዝተፈላለያ ውድባትን ኣካላትን ካብዝን ናብትን ዝብል ዝነበረ ተወልደ (ቫካሮ) ኣብቲ ፈታኒ መድርኽ ሓደ ካብቶም መነዓዓብን ገማማዕን ኣተሓሳስባታት ንምንጋስ ዝሰርሑን ዘይተዓወቱን ሰባት’ዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንሓፋሽ
ውዱባት “ኣካል ዲኹም ደገፍቲ” ዝብሉ ዝነበሩን ሰባት ከጋግዩ ዝጸዓሩ’ዩ። እዚ’ውን ብዘይፍረ ተረፈ። ጽንዓትን መትከልን ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ። ተወልደ ቫካሮ ነብሱ ኣግሊሉ ኢዱን እግሩን ስሒቡ ደው ኣይበለን። ምልኻዕ ዘረባ ቀጺልዎ። በንጻሩ’ውን ቤት ጽሕፈት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፣ ንንእሽተይ ኣበርክቶኡን ተሳታፍነቱን ኣብ ግምት ብምእታዉ ካብ ምንጻል ክሓቚፎ’ዩ ፈቲኑ። ብዙሕ እዋን ዓዲምዎ፣ ተወልደ ግን ክምለስ ኣይተራእየን። ብዘይ ሓንቲ ኣበርክቶ ፈታኒ መድርኽ ሰውራ ኤርትራ ምዝላቕን ሻድሻይ ወራርን ሓሊፉ።
ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ዓዲ ጥልያን ክምስረተሉ ኣብ ዝተበገሰሉ ተወልደ ቫካሮ ከም ኩሉ ነባሪ፣ ኣብቲ መደብ ክሳተፍ፣ ክመርጽን ክምረጽን ተጸዊዑ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተረፈ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን ምስ ኣካየድቲ ናይቲ ማሕበረ ኮም ብሓደ ሰብ ተረቚሑ ነበረ።
“ንሰብ ሓጥያቱ ብገንዘብ ዝድምሰሰሉ እንተድኣኾይኑ ቫካሮ ክምረጽ ይክኣል’ዩ። እምበር ቫካሮ ብተግባሩ ክምረጽ ኣይክእልን’ዩ” ብዝብል፣ ቃል ካብቲ ምርጫ ተኣልዩ። ህዝባዊ ግንባር ካብ ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ ምስ ሰገረን ናጽነት ኤርትራ ግሁድ ምስ ኮነን ሓያለ ሰባት ካብቲ ቃልሲ ነብሶም ኣግሊሎም ዝጸንሑ፣ ዓወት ዘይተርፍ ምዃኑ ምስ ተጋደሎም ሰባት “ኣለና” ብምባል፣ ክቐላቐሉ ዝተራእይሉ ወቕቲ እዩ። ቫካሮ’ውን ብኸምዚ መገዲ’ዩ ዳግም ኣብቲ ኣባል ሓፋሽ ውዱባት ተመሊሱ። ናይ መዋእል ባህርያቱን ዘይኣርግ ልምድታት ምውቓዕ ከ ከመይ ቀጸሎ?
ይቕጽል…
ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም(ቫካሮ) መን ’ዩ ?
3ይ ክፋል
ብወዲ ምስግና
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ኩሉ እቲ ‘ዓቕምን ማልን’ ኣሎኒ ዝብል ዜጋ፣ ብክእለቱ ኣብ ሃገራዊ ህንጸት ክሳተፍ፣ባይታ ተነጺፍሉን ዕድል ተዋሂብዎን’ዩ። ይኽእል’የ ዝበለ ብዝመልኮ ሞያ ክነጥፍ’ውን እጅግአ ሰብሲቡ ክሰርሕ ላዕልን ታሕትን ክብልን ተራእዩ። ነጋዳይ ክነግድ፣ ናይ ህንጸት በዓል ሞያ ክሃንጽ፣ ናይ ሕርሻ ዝንባለ ዝነበሮ ንዓቕሚ ዝደለበን ሃገራዉን ውልቃውን ንጥፈታት ካካይድ ምቹእ ሃዋሁ ተፈጢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ኣብቲ ከምኡ ዝኣመሰለ እዋን እቲ፣ ተወልደ (ቫካሮ) ከም ኩሉ ኣብ ስደት ዝነበረ እሞ ድሓን ዓቕሚ ዝነበሮ ሰብ፣ ዝተፈላላየ ናይ ስራሕ ፕሮጀክት ከበግስ ዕድል ተዋሂብዎ። ሓያለ ሰባት፣ በቲ ንፈልጦ ውልቀ ባህሪኡ፣ ንዘግበሮን ዘይገብሮን ኣቐዲሙ ዱድ ስለ ዝብል፣ ነቲ ዘረብኡን ጃህርኡን ሰሚዕናዮ ኢና። ኣብቲ እዋን፣ ጽቡቕ ወረ ምስማዕ ባህታ ዝፈጥር ነገር’ዩ። ከም ሰናይ ተግባር ብቅዱስ ቅንኢ ክርኣይ ባህርያዊ’ዩ። ንናይ ተወልደ ቫካሮ’ውን፣ ንናይ ኩሉ ግዜ ዓዶኽዶኽ ባህርያቱ ገዲፍና፣ ተሓጒስና። ወላ’ኳ ናብ ጸቢብ ዓዳዊ ስምዒት እንተኸደ፣ ማለት ዓዲ ገብራይ ከም ወዲ ጓል ክቕበልዎ ኣውቶቡስ፣ ጀነሬተርን ካልእን ክህብ ምፍታኑ ዝነቐፎ ውሑድ ኣይነበረን።
ኤርትራዉያን ነበርቲ ዓዲ ጥልያን ብፍላይ ከኣ ነበርቲ ከባቢ ሚላኖ፣ ኣውራ ከኣ እተን ኣብ መሳርዕ ሓፋሽ ውዱባት ዝነበራ ግን፣ እቲ ተግባራቱ ጋን ኮይኑወን። ሰብ ቀቲሎም ናብ ደብሪ ከም ዝብሃል፣ ብኸምኡ ክገልጽኦ ተሰሚዐን። ምኽንያቱ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኤርትራዉያን ኣዴታት ዓዲ ጥልያን፣ እተን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ገንዘበን ዝሃብኦ’ሞ ገንዘበይ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወ ሽኮር ዝሓቐቐ፣ “ከመይ ኢሉ ናብ ኤርትራ ክኣትው?” ዘይበላ ኣይኮናን።
ብዙሓት ኣብ ማሕበር ረድኤት ኤርትራ ጨንፈር ዓዲ ጥልያን፣ እቶም ኣብ ምጽዓን ንብረት ውዱብ ብሓያል ምንቅስቓስ ዝነጥፉ ዝነበሩ ዜጋታት፣ ኣውራ ኸኣ፣ እቶም ኣጸቢቕና ከም ጻዕዳ ኢድና ንፈልጦን ጸብጻባቱ ናብ ውዱብ ዝልኣኽና ዜጋታት’ውን ካብ ናተን ዝተፈልየ ርእይቶ ኣይነበረናን። ነቲ ካብ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ፋብሪካ ገንዘበን ዘጠፋፍኦን ዝቐረበ ሕቶ ስለ ዘይተመለሰ፣ “በየናይ ትብዓት ናብ ኤርትራ ክኣትው?” ዝብል ግምት ኔሩና።
ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣካይዳ ፍሉይ እዩ። ፍጥር ካብ ዝብል ንፈልጦ ሓቅታት ብዙሕ’ዩ። ሓደ ካብኡ ዝተጋገየ ሰብ ብነቐፌታን ነብሰ ነቐፌታን ኣሪምካ ብኣድማዒ ሰብ ምቕያርን ምጽዋርን ሓደ ካብቲ ብዙሕ ብልጫታቱ’ዩ። ብታሪኽ’ውን፣ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ መድርኽ ደም ዘንብዕዎን ኣንጻር ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ድግዲጊት ተዓጢቖም ዝሰርሑ ሰባት፣ ጌግኦም ኣሪሙ ኣብ መስርዕ ቅኑዕ ቃልሲ ከሳትፎም ተዓዚብና። እዚ ዘሐብን ሓዳግ ጠባያት እዚ ብወተሃደራዉያን ምሩኻት ነበር (ኢትዮጵያዉያን ይኹኑ ኤርትራዉያን) ዝተመስከረ’ዩ። ካብቲ ዘይርሳዕ ፍጻሜ’ውን ነቶም ኣብ 24 ግንቦት ኣንጻሩ ብረት ዓጢቖም ህዝቢ ዘበሳበሱ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ምሩኻት ተቐቢሉ፣ ሰብኣዊ ሓልዮት ብዝመልኦ ኣገባብ ናብ ሃገሮም ኣፋንዩዎም’ዩ። ወዲ ሰብ ካብ ብድኻሙ በቲ ንእሽተይ ብልጭኡ ርኢኻ ከተስርሖ ምፍታን ይሓይሽ ብዝብል መረዳእታ፣ ንበዓል ተወልደ ቫካሮን መሰልቱን ነቲ ብዙሕ ግዕዘዮም ገዲፉ በታ ንእሽቶይ ዓቕሞምን ክእለቶምን ክሰርሑ ባይታ ክኸፍተሎም ምኽኣሉ እምብዛ ዘገርም ኣይነበረን።
ወላ’ኳ ብዙሓት፣ “ካብ ዓመት ዝጐልጐለ ምሔ ዘቐበለ” ዝብል ሒቕታ እንተነበሮም፣ ተወልደ ቫካሮ ምስ ናጽነትሓጥያቱ ዝተሓጽበሉ ዜጋ ኮይኑ’ዩ። ኣመል ምስ መግነዝ ከም ዝብሃል ግን፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ካብ ናይ ምትላልን ምውቓዕን ልምድታቱ ክርሕቕ ኣይከኣለን። ናይ ድሕሪ ናጽነት ነውራም ተግባራቱ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ዓበይትን ንኣሽቱን ናይ ንግድን መዛወርን መካይን ክጥቀስ ይክኣል።
ካብቲ ብዙሕ ውሑድ፣-
1. ኣስመራ ናብ መጉሓፊ ራታመታት መካይን ዝቐየረ
2. ከምጽአሎም ናይ ዝበሎም ሰባት ገንዘብ ዝበልዐ
3. ኣብ ውሽጥን ጽዕነት መካይን ኮትሮባንዲ ንብረት ዘእተወ
4. ሓንቲ መኪና ንሰለስተ ኣርባዕተ ሰባት ዘምጽአ
5. ብሓረጣ ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ገንዘብ ሕራም ዝበልዐ’ዩ።
እቲ ዓመጽ ብእኩብን ውልቀ ሰባትን፣ ንሃብታማትን ንድኻታትን ብዓቢኡ ነቶም ምሉእ ዕድመኦም ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተወፈዩ ገዳይም ተጋደልቲ ዝልክም’ዩ። ደም ኣንቢዑ እንተበልኩ ዘጋንነኩ ኣይመስለንን። ብርግጽ’ውን ክዝርዝሮ ይኽእል’የ። ቅድሚኡ ግን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸሞ ዓመጽ ከቐድም።
ድሕሪ 1991፣ ኤርትራ ብኹሉ ተዳኺማ’ያ ኔራ። ከተማታት ምስ ኩሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ንጡፍ ምንቅስቓስ ከካዳ ዓቕሚ ከም ዘይነበረን ኣይርሳዕን። ብሕልፊ ኣስመራ፣ ከም ርእሰ ከተማ ሃገር ብዙሕ ናይ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ከተማን ካልእ መሰረታዊ ሕቶታት ምሉስ ኣይነበረን። ነዚ ጠለብ እዚ ብዝግባእ ዝመዝመዘ ተወልደ ቫካሮ ሓደ ንድፊ ፕሮጀክት ምምጻእ ኣውቶቡሳት ከተማ ካብ ዓዲ ጥልያን ኣቕረበ። ነቲ ጽቡቕ ዝመስል ወፍሪ ሓንጐፋይ ተባሂሉ ተቐቢሎሞ።
ተወልደ ቫካሮ፣ ንዝተዋህቦ ቀጠልያ መብራህቲ ተጠቒሙ ኣውቶቡስ ከተማ ካብታ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠላ ሃገር ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ከእትው ከሎ፣ ሽጣራታትን ቀጠፍጠፍን ኣይገደፈን። ቀረጽ ዘይከፍለሉ ምትላል ተጠቒሙ። እተን ኣውቶቡሳት ዘይተኣደነ ቅያር ኣቑሑ ናይ ካልኦት ከም ዝጽዕናን ተወሰኽቲ ንኣሽቱ መካይን ከም ዝድረባን ጌሩ። እዚ እናተፈጸመ፣ ነቲ ጽቡቕ ዝመስል ተበግሶ ጥራይ ተራእዩ፣ ኣብ ከባቢ ፋብሪካ ሳሙና ዝርከብ ትካል ከም ጋራጅ ክጥቀመሉ ተዋሂብዎ። ከምቶም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዓቢ ሓገዝ ዝገበሩ ሰብ ርእሰ ማል ተጸብጺቡ ንምትላሉ ዕሽሽ ተባሂሉ። እተን ኣውቶቡሳት ግዳመን ቬርኒቺ ዝተለኽየ ልቕሉቓት መቓብር ስለ ዝነበራ ግን፣ ነዊሕ ኣገልግሎት ክህባ ኣይክኣላን። እተን ኣውቶቡስ ክዕረያን ክሰርሓን ስለ ዘይክኣላ ግን፣ ካብ ኣስመራ ንመገዲ ባጽዕ፣ ጥቓ መኽዘን ጋዝ ዲፖ ቤት ገርግሽ ተጓሒፈን ይርከባ ኣለዋ።
ምስ እዘን ኣውቶቡሳት እዚአን ናብ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ካልእ ንድፈ ወይ ፕሮጀክት ምምጻእ፣ መካይን ፕሮቶኮል ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ኔሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፣ እንታይ ዓይነት መካይን? ናይ መኣስ ስርሓት? ሞዴለን፣ቅድሚ ሕጂ ኣበይ ተፈቲነን? መቀያየሪ ኣቑሑተን ወዘተን ሞያዊ ሕቶታት ቐረበሉ፣። ነተን ዝሓሰበን መካይ ከምጽአን ኣይክኣለን። ነቲ ከምኡ ኢሉ ብሕቶ ዘዋጠሮ ታሕተዋይ ሓላፊ፣ በንጻር መልሲ ምቕራብ ግን፣ “ ብድኽነትካ ዝፈልጠካ ሰብ ሃብቲምካ ክርእየካ ዝደልይ መተዓብይቲ የለን። ቀኒኦሙለይ’፣ ክብሎን ስም ሓለፍቲ ብምጥቃስ ክህድዶ ተሰሚዑ።
ኣብቲ እዋን እቲ፣ ንተወልደ ቫካሮ ሓንቲ ጽብቕቲ ምስላ ለጊባቶ ኔራ። እታ ምስላ ”ምስ ኣናብስ ዝወዓለት ወኻርያ፡ወኻርያ እምበር ኣምበሳ ኣይትቕየርን’ያ” ትብል ኔራ። ንደቂ ሚላኖ ተወልደ ቫካሮ ካብ ምባል ተወልደ ፋንፎሮኒ’ዩ ምባል ይቕድሞም። ስም ዓበይቲ ሓላፍቲ ምጥቃስ ዓቢ ሰብ ዝቕይሮ’ዩ ዝመስሎ ኔሩ። ንኣሽቱ መካይን ከም ኡኖ፣ረጋታ፣ ሬናውልት፣ ፔጆ ዝዓይነት መካይን ንዓበይቲ ሓለፍቲ ከፍትዉን ንስምን ዝናን ክውንን፣ ከም ህያብ ከበርክት ተራእዩ። ዕላማኡ ብገንዘብ ሽም ምጥራይ’ያ። ዝና፣ ካብ ዝፈትዎን ዘንድቖን ድሌታቱ’ዩ። እቲ ዝገርም ግን፣ኣብቲ መካይን ከም ህያብ ክህብ ዝፈተነሉ እዋን ንሓያለ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ብገንዘብ ስድራቤቶም ማለት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን መካይን ዓዲጉ ከምጽኣሎም ዶላራት ግሒጡ ከብቅዕ ነዴኹም ማይ ውረዱላ ክብሎም’ዩ ተሰሚዑ። ናይ ገለ ኣብነት ምጥቃስ ከድልይ’ዩ።
ወዲ ሰራን ሓደ ካብ ገዳይም ተጋደልትን መራሕቲ መካይን ህዝባዊ ግንባር’ዩ። ወዲ ቫካሮ፣ ንወድ ሰራን ኣብቲመጀመርያ ናጽነት’ዩ ዝፈልጦ። ነዚ ግዜኡን ህይወቱን ንሃገር ወፍዩ ንፋስ ናጽነት ከስተማቕር ዕድል ዝረኸበ ዜጋ፣ ገንዘብ ሓብቱ በሊዕዎ። ወዲ ሰራን ናብቲ መንግስቲ ዝሃቦ ገዛ ወዲ ቫካሮን ይርከቦን’ዩ ዝብሃል ከባቢተመላሊሱ ብገዛእ ገንዘቡ ክልምን ተራእዩ። ድሕሪ ክንደይ ከሎልን ሸንኮለንን ዝጠጠሰት መኪና ኣምጺእሉ። ወዲሰራን ድሕሪ እታ መኪና ዝኣተዎ ሰለሎ ክሳብ ሕጂ ብዕዳ ዝሳቐ ዘሎ ዜጋ’ዩ።
ሸያቦ፣ ቸንቶ ዴሺ ዝዓይነታ መኪና ካብ ዓዲ ጥልያን ከእትወሉ፣ ኣመሪካ ትቕመጥ ሓፍቱ ናብ ዓዲ ጥልያን ንተወልደ ቫካሮ ምስ ወለዱ፣ ቀረጹ ገንዘብ ኣሰጋጊራትሉ። ንሸያቦ፣ ድሕሪ ክንደይ ደም ምንባዕ ሓንቲ ኣረጊት መኪና ኣምጺእሉ። እንተኾነ ሸያቦ ከም ወዲ ሰራን ስቕ ኢሉ ክቕበሎ ኣይመረጸን። ሽጉጡ ጌሩ ብምፍርራህ ከም ሚክኤል ስዩም (ወዲ ስዩም) ካልእ መኪና ኣምጺእሉ። ኣብቲ እዋን እቲ፣ ንደሃብ፣ ንእሙና፣ ንተስፋይ ንኣስመሮም፣ሕርይቲ፣ ኣልማዝ፣ ሉችያ፣ ኣስካሉን ካልኦት ሕጂ ስመን ክዝክሮ ዘይክእል ልዕሊ 25 ኣደታት ካብ ሚላኖ፣ በዓል ንግስቲ በርሀ፣ ኣሰፋው ኣርባዕተ ኣስመራን ካልኦትን ሰብ ሮማ’ውን እቶም ንወዲ ቫካሮ ብመካይን ዝኸስዎ ዝነበሩ ሰባት’ዮም። እቲ ኣብ ሲንጋፖር ዘጥፍኦ ዝነበረ ናይ ምትላል ገንዘብ ከ?
ይቕጽል …
ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም(ወዲ ቫካሮ) መን ’ዩ ?
4ይ ክፋል
ብወዲ ምስግና
ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ምስ ተዘርግሐ፣ ቅልጡፍን ሓያለን ግብረ መልሲ’የ ተቐቢለ። ብዙሓት፣ “እዝን እትን ተረሲዑ፣ ከምዝን ብኸምትን ተሰጊሩ፣ ናይ በዓል እገለ ኸ ንምታይ ዘይተጻሕፈ” ዝብልን ካልእን ኣዝዩ ብዙሕ ሕቶታት ቀሪብለይ። ልሙድ ናይ መቕርበይ ርእይቶ’ውን ኣይተረፈን። ናታቶም ቃላት ጥቕልል ዝበለ’ዩ።
“ንዑቕ እኮ ክነዓቕ ጥራይ’ዩ ዝግብኦ። ንሓደ ዘይረብሕ ሕቖኻ ጥራይ ኢኻ ትህቦ። ኔዉ በሎ። ንበላዒ ገንዘብ ሓራም፣ ዋና ጸይቂ ልምድታትን ጽዩፍ ወልፍታትን ዝኾነ ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ዘይፈልጥ መን ኣሎ? ሰብኣዊ ክብረት ዘይውንን ክህልዎ ዘይክእልን ፍንፉን ሰብ፣ ሕቖ ምሃብ ጽቡቕ’ዩ” ዝብል ዓብሊሉኒ።
“ንዘይፈጦ መላለዪ ንዝፈልጦስ መዘኻኸሪ’ዩ። እምበር ኣበሩ ጀሚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። በዚ ኮይኑ በቲ ግን፣ እቲ ንሕና ንፈልጦ ኩሉ ይፈልጦ ዶ? መንእሰያት ደቅና ብሓቂ ክፈልጥዎ እምንቲ እየ ዝጽሕፎ ወይ ዝትንክፎ ዘለኹ። ብሓጺሩ “ሰራቒ ምባል’ውን እኽልቲ ምኾነት” ዝብል’ዩ መልሰይ። ብድብድቡ ምሕላፍ ኣኻሊ ኣይከውንን። ዝርዝራት ምቕራብ ኣድላዩ’ዩ። ወዲ ቫካሮን መሰልቱን፣ ኣብ ቅድሚኦም ብዘይካ ናይ ምትላልን ስርቅን ናይ ምሽሓጥን ምውቓዕን ካልእ ክእለትን ዓቕምን ዘይብሎም ሰባት፣ ከም ኣሜባ ተዳቒሎም ክበዝሑ ስለ ዝኽእሉ ከሎ ገና፣ ምቅልዖም መሓረ ዘየብል ኣይኮነን። ተመን ዕዳጋ ርእሲ ርእሲ ክጭፍጭፍ ግቡእ’ዩ።
ነቲ ዝጀመርክዎ ዘሕንኽ ተግባራት ተወልደ (ቫካሮ) ክቕጽል’ዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልሳይ ዓንቀጽ ብዙሓት ኣንበብቲ ናይ ውልቀ ሰባት ዝርዝር ኣስማት ብምርቋሕ፣ እዚኦም ብተወልደ (ቫካሮ) “ንብዓት ጸንቂቖም ደም ዝነብዑ ዜጋታት’ዮም” ዝብል መልእኽቲ ጽሑፍ’ውን ልኢኾሙለይ። ካብቶም ዝተጠቕሱ ሰባት፣ ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ውልቃዊ ናብራኦምን ህይወቶምን ብፍላይ ንሓዳሮም ሕማም ድሓር ከይከውን ብምባልን ብፍላጥን ዝገደፍኩዎ’ዩ። እኹል ኣብነት ናይቲ ብዙሕ ይኸውን’ዩ ዝብል ነጥቢታት ብምስፋረይ ሕማቕ ዝተሰምዖም ውሑዳት ክኾኑ ከም ዘይክእሉ ግን ፍሉጥ’ዩ። ስለዚ፣ ካብቲ ዝበጽሓኒ መዘኻኸሪ ዘሕዝን ፍጻሜ ናይ ውሑዳት ምጥቃስን ምውሳኽን ኣገዳሲ ኮይኑ’ዩ ረኺበዮ።
ሽዋይነሽ ሃብተገርግሽ፣ ሓንቲ ካብ ኣብነታዉያን ኣደታት ዓዲ ጥልያን’ያ። ሽዋይነሽ፣ ምስ ኣብ መገዲ ኣየር ዝሰርሕ ዝነበረ በዓል ቤታ ምስ ተፈላለየት፣ ክልተ ደቃ ምስ ሓትኖአ ገዲፋ ናብ ዓዲ ጥልያን ተሰዲዳ። ነዊሕ ዓመታት ሰሪሐ፣ ኣብ ኣስመራ ሓንቲ መንበሪ ገዝአ ገዚአ፣ ደቃ ኣዕብያ። ድሕሪ ናጽነት ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ከም ብዙሓት ኤርትራዉያን መእተዊ ዓዲ ዝኸውን ንብረት ከተጥርን ዝክኣሎ ክተሓጋገዛን ቃል መብጽዓ ኣትዩላ። ብናይ ድንገት ካሕሳ ኢንሹራንስን ተረፍ ሕክምናን ዝረኸበቶ ገንዘብ፣ ብእምነት ጠቕሊላ ንተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ኣረኪባቶ።
ኩሉ እቲ ዝተባህለ መብጽዓ፣ ብሎሚ ጽባሕ፣ ብጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ኣመላሊስዋ። ብተሌፎናት ገንዘባ ኣወዲእዋ። ኣብ መወዳእታ’ውን “ኣሉ!” ከይብላ ኣብ ስግኣት ኣተወት። መጠበሪ ናይቲ ኩሉ ገንዘባ፣ ሓንቲ ቸንቶ ዴቺ ዝዓይነታ ገልባጢት መኪና ጥራይ ናብ ኣስመራ ኣእትዩላ።
ሽዋይነሽ፣ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ሰለስተ ኣውቶቡሳትን ክልተ ሚኒባሳትን ከእትዎ’የ ብምባል ስለ ዝሸሓጣ፣ ተመሊሳ እምነታ ኣየጉደለትን። ግዜ ከይዱ። ባህርያት ተወልደ ዝፈልጡ እንተላይ ኣዝማዱ፣ ውዕል ወረቐት ክትገብር ምዒዶማ፣ ኣይሰለጣን። ኣብ መወዳእታ’ውን ካብ ዝፈርሓቶ ኣይወጸትን። “ኣሉ” ኢልዋ። ኤህ ኢላቶ። ካልእ ክትገብሮ ትኽእል ዓቕሚ ስለ ዘይነበራ ግን፣ ምስቲ ኣብ ኣስመራ ደቃ ኣብ ከንቱ ዘባኸንዎ ገንዘብ ተደማሚርዋ፣ ህይወታ ብገዛእ ኢዳ ከተሕልፍ ተገዲዳ። እዚ ፍጻሜ እዚ ካብ ማንም ዓዲ ጥልያን ዝነብር ዝነበረ ዜጋ ዝተኸወለ ኣይኮነን። ተመሳሳሊ ፍጻሜ ናይ ወዲ የማነ’ዩ።
ወዲ የማነ፣ ሓደ ካብ ቀዳሞት ነበርቲ ከተማ ሚላኖ’ዩ ኔሩ። ኣብ መፋርቕ ናይ 1980፣ ናብ ኣመሪካ-ሎስ ኣንጆለስ ብምኻድ፣ ቁልጥጡፍ ዝኾነ ንግዳዊ ንጥፈታት ከካይድን ኣብ ሓጺር ግዜ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ትራክን ናይ ኮስመቲክስ ዱኳን ክኸፈትን ክኢሉ፣፣ ካብቶም ካብ ዓድ ጥልያን ናብ ኣመሪካ ብምኻድ፣ ድሓን ዝኾነ ገንዘብ ዘዋህለሉ ናይ ስራሕ ሰባት’ዩ።
ብዘይካ ህርኩት ሰብ ምዃኑ ወዲ የማነ፣ ሩህሩህን ለጋስን ጠባይ ዝነበሮ ሰብ’ዩ። ልዕሊ ኹሉ ተቐባላይ ሓድሽ ስደተኛን ወድ ሃገርን ብምንባሩ ፍሉጥ ሰብ’ዩ። ዘይከም ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ስራሕ ረኺቡ ኮምሽን ይሓትት ኣይነበረን። ወዲ የማነ፣ ንኹሎም ካብ ኤርትራ ዝመጹ ዜጋታት ዝቕበልን ክሳብ ስራሕ ረኺቦምን (ረኺበንን) ህይወት ዝመርሑ፣ እኹል ሓገዝ ብምግባር ዝተፈልጠ ዜጋ’ዩ።
ወዲ የማነ፣ ሓደ ካብቶም ካብ ኣመሪካ ናብ ቦሎኛ ንፌስቲቫል ዘድምቑን ዘማሙቑን ዝነበሩ ኤርትራዉያን’ዩ። ምስ ብዙሓት ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ጽቡቕ ሌላ ስለ ዝነበሮ ከኣ፣ ኣበርክቶኡ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብ መጀመርያ ዓመታት ናጽነት፣ ቅድሚ ናብ ኣስመራ ናብ ሚላኖ’ዩ መጺኡ። ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ክኣትው ምዃኑ’ውን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተኻየደት ናይ መጀመርያ ፌስቲቫል ብዕሊ ኣካፊሉና’ዩ።
ኣብ ሚላኖ ዝነበሮ ገንዘብን ካልእን ክእክብ ካልኣይ እግሩ ኣብ ዝተመልሰሉ ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ካብቶም ዝተቐበልዎ ሰባት ኮይኑ። ንወዲ የማነ፣ ረኺቡ በተን ልሙዳት ናይ ምትላል ቃላቱ፣ “ከምዚ ክንገብር ንኽእል እዚ እንተድኣ ጌርና ኣብ ሓጺር መዓልታት ክንድዚ ክንረክብ ኢና” ብምባል ናይ ሽርክነት ንግዲ ከካይዱ ኣእሚንዎ። ነዚ ጉዳይ ዘሳለጠ ኣብዚ ክጥቀስ ዘይደልዮ ዘመድ ወዲ የማነ’ዩ ምኽንያቱ ቀረባ ዓጽመ ስግኡ ስለዝኾነ ሕጂ’ውን ካልእ ሳዕቤን ስለ ዘኸትል።
ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ኣነ ኣዳዕዲዐ ዝፈልጦ ወዲ የማነ ካብ 450 ሽሕ ዶላር ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዶላር ነቲ ብሽርክነት ክተኽልዎ ዝተሓስበ ትካል ተቐቢሉ ከብቅዕ ኣስመራ ኣትዩ ተሸሪብዎ። ብዙሕ ሰብ፣ “እኽሊ እምበር ገንዘብ ዶ ነጊፍካ ይወሃብ’ዩ ድሓር ከኣ ወዲ ቫካሮ ቀደም ዶ ኣይኮንካን ትፈልጦ” ዝብል ተስፋ ዘቑርጽ ቃል እምበር ካልእ ዘተባብዕ ሰብ ኣየጋጠሞን።
ወዲ የማነ፣ ብዘይልቡ ኣስመራ መጺኡ’ዩ ረኺብዎ። እዚ ትካል እዚ፣ ናይ ሓባር እኮ’ዩ ኢሉ ሓደ ኣብ ከባቢ ኒያላ ሆተል ጥቓ እዚ ሕጂ ሳቫና ሆተል ተሰሪሕዎ ዘሎ ህንጻ፣ ወሲዱን ሽሒጡን መሊስዎ። ብድሕር’ዚ፣ ገንዘብ ወዲ የማነ ከም ኣብ ማይ ዝኣተወ ጨው ሓቒቐን ተሪፈን። “እሂ ተበለ ኣብ መወዳእታ’ውን ከምዚ ንብረት ምስ መርከብ ጥሒሉኒ” ብምባል ኣቕቢጹዎ። ምትርራኽ ምስ መጸ፣ ኣይሃብካንን ብምባል ከዲዕዎ። እዚ ክኸውን ወዲ የማነ፣ ምስቶም ኣዝዩ ዘፍቅሮም ስድራቤቱ ብፍላይ ከኣ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዘይድሊ ቋይቚን ምትርራኽን በጺሑ ኔሩ።
ወዲ የማነ፣ ድሕሪ እቲ ኣሉን ጥልመትን ናይ ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ኣብ ሓዳሩ’ውን ስኒትን ሰላምን ስለ ዘጠፍአ፣ ከቢድ ናይ ኣእምሮ ነውጽን ስእነት ጥዕናን ብእኡ ንብኡ ዓሪፉ። ኣብ 1997 ካብ ከተማ ሎስ ኣንጆለስ፣ ኣስመራ ኣብ መካነ መቓብር ጸጸራት ተቐቢሉ። እቲ ዝገርም ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ኣብቲ ቀብሪ ዕምበባ ምንባሩ’ዩ። ንብዓት ሓርገጽ ክነብዕ’ውን ተራእዩ። ዘይሓንኽ ኣይሓንኽን’ዩ።
ካልእ ካብዚ ዘይሰንፍ ናይ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ትንክፍ ዘበልኩዎ ናይ ዝተጣየሳ ተጋደልትን ካብ ዓዲ ጥልያን ጠቕሊለን ዝኣተዋ ኣደታት ዝዘመቶ ገንዘብን ማእለያ የብሉን። ቁስሊ ምጉዳእ ክኸውን ስለ ዝኽእል ብድፉኑ ክገድፎ’የ። ናይ ገዲም ተጋዳላይ ገብረኣብ(ወድ ሰራን) ግን ብምልኡ ከቕርቦ’የ።
ይቕጽል
Received on Tue Mar 04 2014 - 10:50:36 EST