ዕዉት ህዝባዊ ሰሚናራት ኣብ ከተማታት ሽቱትጋርትን ፍራንክፈርትን ተኻይዱ
_____
successful-public-seminar-conducted-in-stuttgart-and-frankfurt-620
09.03.2014
Photo Report | Successful Public Seminar conducted in Stuttgart
<
http://www.raimoq.com/successful-public-seminar-conducted-in-stuttgart-and-frankfurt/>
http://www.raimoq.com/successful-public-seminar-conducted-in-stuttgart-and-frankfurt/
ብዕለት ሓደን ክልተን መጋቢት 2014 ኣብ ከተማታት ሽቱትጋርትን ፍራንክፈርትን ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ጰጥሮስ ጸጋይ፡ ንህልው ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።
ኣምባሳደር ጰጥሮስ፡ ኣብ መግለጺኡ መንግስቲ ኤርትራ ንመትከል ርእሰ ምርኮሳን ነጻ መስመርን ከም ዘተኣማምን መርሓ ንህንጸት ሃገር ተቐኒቱ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ልሞዓት፡ ዲፕሎማሲያዊ መዳይን ካልኦት ጽላታትን ኣብ ባይታ ንዝረኤ ዘሎ ኣወንታዊ ለውጥታት ብዝርዝር ገሊጹ።
ንእገዳ ይኹን ንጉዳይ ዶብ ኣመልኪቶም እንሰምዖም ዘለና ሓደሽቲ ቃናታት፡ ውጽኢት ናይ ሓያል መኸተ ህዝብን ንጡፍ ዲፕሎማስያዊ ስራሕን ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ መጻእና ኣዝዩ ብሩህ ምዃኑ ብርእሰ ተኣማንነት ብምግላጽ፡ ውሁድ ውዳቤና ኣሓይልና ኣብ ቅርዓት ሓድነት ኣጽሊልና ንቕድሚት ክንንምርሽ ኣጥቢቑ ለበዉኡ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓለፍቲ ቆንስላዊ ጉዳያት ኣብ ጀርመን፡ ኣቶ የውሃንስ ወልዱን የውሃንስ ደባስን ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝማዕበለን ሓድሽን ወረቐት መንነት ንኹሉ ኤርትራዊ ንምትካእ ኣብ ምድላው ሰለዘሎ ኩሉ ዜጋ ሓድሽ ወረቐት መንነት ንምውሳድ እንታይ ክማላእ ከምዘሎዎ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መዛዘሚ ንዝቐረበ ሕቶታት ብምምላስ፡ ርኢይቶን ለበዋን ህዝቢ ብምስማዕ ብውዕውዕ ሃገራዊ መንፈስ ብዝኽረ ሰማእታት ስትዛዚሙ።
Received on Sat Mar 08 2014 - 18:29:39 EST