ዝኽሪ ስዉእ ጅግና መጀር ጀነራል ዉጩ ኣብ ከተማ ስያትል
ኣብ ከተማ ስያትልን ከባቢኣን እንነብር ኤርትራውያን ዜጋታት፡ በቲ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ብጻይና፡ መጀር ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ዉጩ) ዝተሰመዓና ሓበራዊ ሓዘን ንምግላጽ፡ ብሰንበት ፱ መጋቢት ኣብ’ታ፡ መለለይን ሓበን ኤርትራውያንን ኮይና ዘላ፡ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን፡ ስያትል፡ ሽምዓ (ጥዋፍ) ብምብራህን ነቲ ጉዳይ ዘንጸባርቕ ተግባራት ብምክያድን ብኽብ ዝበለ ኣገባብ ንዕለተ-መስዋእቲ ክቡር ሓውና መጀር ጀነራል ዉጩ ብድምቀት ዘኪርናያ ኣምሲና።
ኣብ’ቲ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ዓበይቲ ዓድን፡ መናእሰይ ደቅናን፡ ከምኡ’ውን ልኡኻት ኤምባሲ ሃገርና ኣብ ዝተረኽቡሉ ሰናይ ኣጋጣሚ ዝተጋብአ ዝኽሪ፡ ንናይ ዝሓለፋ ኣርባዓ/ሓምሳ ዓመታት ተዝክሮታት ብምድህሳስ፡ ጅግንነትን፡ ልውህነትን፡ ሙቕልልነትን ኣብነታዊ ስዉእ ብጻይ ዉጩ፡ ብቐረባ ብዝፈልጥዎን፡ ምስኡ ዝያዳ ሌላ ብዝነበሮምን ብጾት፡ መሳጢ መብርሂታት ተዘሪቡን ተሰሚዑን። ሕመረት ናይ’ቲ ዝበሃል ዝነበረ ተዘክሮታትን መደረታትን ከኣ፡ “ጽዋእ ሞት ንቡርን ዘይተርፍን ኮይኑ፡ ብህይወቱ ከሎ፡ ስለ ሃገርን ስለ ህዝቡን ዘይሕለል ጻዕሪ ዘካየደ ብጻይ ዉጩ፡ ወዮ ደኣ “እልል!” ኢልካ ዘይፋኖ ኮይኑ’ምበር፡ ዝበከዮን ዝሕዘኖን ብጻይ ኣይኮነን። ዝብከዮምሲ እቶም ብህይወቶም ዝተቐብሩ፡ ‘ማይ ቀጠነት’ ዝዓይነቱ ሙግት እንዳቕረቡ፡ ዘሎን ዘየሎን ዓጀውጀዋት ብምኩምሳዕ ኣንጻር ህዝቦምን ሃገሮምን ብዘይሕንከት ደው ኢሎም ዘለዉ፡ እዮም!
እወ፡ ኣብ’ዚ ትማሊ ዘካየድናዮ ዝኽሪ፡ ካብ’ተን ዝሓለፋ ዝኽሪ ሰማእታትና ዝፈልየአን እንተደኣ ኔረን፡ መንእሰያት ስያትል፡ ክሳዕ ክንደይ ሕድሪ ሃገሮምን ህዝቦን ተሰኪሞም፡ ብናታቶም ተበግሶ፡ ነዛ ሃገር “ኣለናልኪ ኤርትራ”! - “ቅሰኑ ኣቦታትናን ኣዴታትናን”! ብማለት ላዕልን ታሕትን፡ የማንን ጸጋምን፡ እንዳተዋናጨፉ፡ ናይ ብሓቂ ንኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ጸባ ዘስቲ፡ ንጸላእትናን ወይጦታቶምን ከኣ ዕረ ዘልሕስ ውራይ ብምርኣይና፡ “ክላ ደጊምሲ ኤርትራ ኣብ ጽኑዕ ሓድግን ኣብ ነቕ ዘይብል ድርዕን ከምዘላ ዝእምት ተግባራት እንቋዕ ኣርአየና” ዘብል’ዩ ነይሩ።
ቀጺሉ ከኣ፡ በዞም ወረስቲ ሕድሪ-ሃገር ዝኾኑ መናእሰያት ደቅና፡ ናይ ብሓቂ ዘሕብን ግጥምታትን፡ ዜማታትን ስለ ዝኽሪ ክቡር ስዉእ ብጻይና፡ ብውሕሉል ኣገባብ ቀሪቡን ረዚን ተመስጦ ኣትሪፉን።
በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ነቶም ነዚ ውራይ’ዚ ብኣንጸባራቒ መልክዕ ንኽሓልፍ ዝደኸሙ ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት ዉሉድና፡ “ክብረት ይሃበልና”፡ ከም’ቲ ዘዂራዕኩምናን ዘሐበንኩምናን፡ ብውልዱም ኩርዑን ተሓበኑን! ሃገርኩምን ህዝብኹምን ከኣ በቲ ኣብነታዊ ጻዕርኹም ሕቡናት ምዃኖም ክንገልጸልኩም ንፈቱ።
ኣብ’ታ “ጅግና ኣይነብርን’ዩ (መን ከምዝነበሮ፧) ታሪኽ’ምበር”! እትብል ኣምር ተመስሪትና፡ ንነፍሴሄር ሓውናን፡ ኣያናን፡ ኣቦናን፡ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ገረዝግሄር፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን ንህዝብን መንግስቲ ኤርትራን ከኣ ጽንዓት ይሃብ እንዳበልና፡ መብጽዓ ሕሉፋት ተጋደልትና ካብ ምትግባር፡ ፈልከት ከም ዘይንብል ደጊምና ቃልና ነሕድስ።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ሞገስን ንስዉኣትና
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!
Received on Tue Mar 11 2014 - 10:47:44 EDT