ዝኽርታት ኣጀማምራ ማሕበር ደቀንስትዮ ኣብ ኬንያ።
ሰላማዊት ትካቦ- ቨርጅንያ
ብምንኽንያት ዝኽሪ 8 መጋቢት፡ ዝተዳለወ ጽሑፍ።
ናይ ስደት ህይወተይ ዝጅምር ኣብ 1979 ዓ.ም. ን አስራኤል ኣብ ዝኸድክሉ አዋን አዩ፡፡ ብጋህዲ ኣባል ህዝባዊ ግንባር
ኮይነ፡ ዝተወደብኩሉ አዋን ‘ውን ሽዑ አዩ፡፡ ቅድሚ 1979 ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝነበርኩ ሰውራ ኤርትራ
ኣንጻር መግዛአቲ ግድል ክካየድ ከሎ ከም ማንም ኤርትራዊት ተሓቢእና ብጀካ በተን ካብ ዒራቕ ዝፍነዋ ራድዮ ናይ ዑስማን
ሳልሕ ሳበን፡ ቢቢሲን፡ ደቸ ቭለን" ንሰምዖን ፡ ሓሓሊፉ ኸኣ ካብ’ቲ ብሜዳ ዝመጸና ምስጢራዊ ጽሑፋትን ነንብቦ አምበር
ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረኒን፡፡
ቀጺለ ኣብ ካልኣይ ስደት ኣብ ናይሮቢ ምስከድኩ ብዕሊ ከም ኣባል ሓፋሽ ውድባት ኣብ ማሕበር ደቀንስትዮ ብምስታፍ ስፍሕ
ዝበለ ፖለቲካዊ "ንቅሓት" ንምርካብ ዕድል ገጢሙኒ፡፡ ኣብኡ ውፉያት ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ናይ ትምህርቲ ዕድሎምን፡
ናቶም ውልቃዊ ኤኮኖሚያዊ ጥቅሞምን ኣወንዚፎም ነተን ኣብታ ዓዲ እንነብር ደቀንስትዮ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ይህቡና ነበሩ፡፡
አቲ ጊዜ ደርጊ ኣብ ናቕፋ ንዝነበረ ደጀንና ከምቲ ንሱ ዝበሎ "ለኣንዴና ለመጨረሻ ጊዜ አንደመስሳለን!" ወይ ድማ
ብትግርኛ "ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንድምስሶ ኢና" ኢሉ ኣብ ዝሸባሸበሉ አዋን፡ አዩ ኔሩ፡፡ ነቲ መዓልታዊ ፈኸራ ደርጊ
--- ናይሮቢ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሕ ርሕቀት ስለ ዘይብሉ --- ብራድዮ ንሰምዖ ኔርና፡፡ ዜና ናይ ሜዳ ኸኣ ብራድዮ
ድምጺ ሓፋሽ መዓልታዊ ሓበሬታ ንረክብ ኔርና፡፡ መጸናኒዒትና ዝኾነት ራድዮ ሳተላይት ዝዓይነታ ዘመናዊት ራድዮ ምሸት
ምሸት ምስ ብዙሓት ኣባላትና ተኣኪብና ንሰምዓ ኔርና፡፡ ብላግጺ፡ አታ ራድዮ ኣብ’ታ ድምጺ ሓፋሽ ትርከበሉ ቁጽሪ ተቆሪና
ንመስመር ድምጺ ሓፋሽ ጥራሕ ትጽበ ስለ ዝነበረት ነታ ራድዮ "ውድብቲ" ኢልና ሰሚናያ፡፡ ካብ ናይሮቢ ተቐይርና ናብ
ካልአ ሃገር ምስኣምራሕና፡ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ጨንፈር ኬንያ ወፊናያ ኼድና፡፡
ኣብ ጊዜ ሻድሻይ ወራር ነቲ ወራር ንምብዳህ "ድራር ተጋደልቲ" በብገዛና አንዳኣዳለና ኣብ ሰሰሙን ገንዘባዊ ድለባ
ንውድበና ሓገዝ ንእክብ ኔርና፡፡
ንቕሓትና አንዳማዕበለ ምስከደ ገሊአን ብጾትና ንሜዳ ይኸዳ ኔረን፡፡ ሓንቲ ካብ ብጾትና’ውን ጽገ ትብሃል፡፡ ብጸይቲ ጽገ
ሜዳ በጺሓ ምስ ተመልሰት ኣብ ሓደ ሰሙናዊ "ድራር ተጋደልቲ" ድቀንስትዮ ንመጀመርታ ጊዜ መጋቢት 8 ክነብዕሎ ሓሳብ
ኣቅሪባ፡፡ ነቲ በዓል ተኣኪብና ብድሙቅ ሓጎስ ኣኽቢርናዮ ውዒልና፡፡ 1980/81 ዓመተ ምሕረት ኔሩ፡፡ አንሆ ድማ
ብድሕሪኡ በብዓመቱ ነብዕሎ ኣለና፡፡ ኣብቲ በዓላት ብነሃስ ዝተስርሐ ካርታ ኤርትራን ካልአ መጋየጽን ካብ ዛምብያ ከምኡ
ኸኣ ብደቀንስትዮ ዝተሰርሐ ዝተፈላለየ ናይ ኢድ ስርሓት ኣብ ኣኼባታት ብጨረታ አንዳሸጥና ንውድብ ድለባ ዝጠቅም ገንዘብ
ንእክብ ኔርና፡፡ ሞራላዊን ንዋታውን ሓገዝ ውን ንሓትት፡። ዝረኸብናዮ ንዋት ኸኣ ንዋህዮታትና ገንዘብ ድለባ ንጥቀመሉ
ኔርና፡፡ ካብዚ ስራሕና ሓደ ተዘክሮይ፡ ንሓደ ሃይማኖታዊ ግብረ ሰናይ ማሕበር ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ ዝነበሩ NGO
ኩነታት ሃገርና ንገልጽ፡ ክፈልጡልናን ክሕግዙናን ኣቤቱታና ኣቕሪብና፡፡ ብጽቡቕ ተቐቢሎምና ክብቅዑ "ንሕና ናይ ሃይማኖት
አምበር ፖለቲካ ስለዘይምልከተና መጽሓፍ ቕዱስ ጥራሕ ኢና ንህበኩም" ኢሎም ኣማኢቲ መጻሕፍቲ ሂቦምና፡፡ ንሕና’ውን ነቲ
መጻሕፍቲ ሼጥና ገንዘብ ንመራሕት ውድባት ጨንፈር ናይሮቢ ኣረኪብና፡፡
ብዛዕባ አቲ ሃይማኖታዊ NGO ዳሕራይ ተኸታቲልና ከም ዝረኸብናዮ ኣብቲ ትካል ሹመኛታት ኢትዮጵያውያን ተቆጺሮም ይሰርሕሉ
ስለዝነበሩ ነቲ ጉዳይ ሃገርና ዝገልጽ ኣቤቱታ ቀዲዶም ደርብዮም አዮም መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃቡና፡፡ ንሕና ግን
ኣይተዓሸናን፡፡ ነቲ ዝሃቡና ቅዱስ መጻሕፍቲ ሼጥና፡ ነቲ እተረኽበ አታዊ ንጨንፈር ውድብና ኣብ ናይሮቢ ኣረኪብናዮ፡፡
ካብ ተዘክሮታተይ ዘሐጉሰኒ አቲ ብዘይ ምቁራጽ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንምምሃርን ንቕሓትና ክብ ንምባልን ኣብ አስሊ
(Eastleigh)፡ ዝበሃል ቦታ በብሰሙን ተኣኪብና ብምዉቕ ብጻያዊ ፍቅርን ሓልዮትን፡ ውድባዊ ምንቅስቃስናን፡ ኣኼባታት
ዋህዮታትናን ነካይድ ዝነበርናሉ ጌዜ አዩ፡፡
አቲ ዘገርም ከምዚ ሕጂ ሰብ ካብ ኤርትራ ንናይሮቢ ተሰዲዱ ዝመጽአ ዘይኮነስ አቶም ዝነቕሑን እተወደቡን ኤርትራውያን ካብ
ተሰዲዶምሉ ዝነብሩሉ ናይሮቢ ንበረኻ ኤርትራ ክጋደሉ ዝኸዱሉ አዋን አዩ ኔሩ፡፡
ብጠቕላላ አቲ ብጻያዊነትን ሓልዮትን ፡ፍቕርን ምትሕልላይን ኣብ ኣእምሮይ ተቀሪጹ ክርስዖ ዘይኽአል ዘሐብን ተዘክሮ
ኢዩ፡፡ ኣብ’ቲ ጊዜ’ቲ ዝነበረና ፍቕርን ሓልዮትን ብጻይነትን ዳግማይ ይምለስ ዶ ይኸውን ??????
ማሕበር ደቅንስትዮ ናይሮቢ ዘይርስዖ ተዘክሮታት አዩ ገዲፉለይ !!!!!!!!
ዓወት ንሓፋሽ ! ውድቀት ንተምበርካኽነትን፡፡
ሰላማዊት ትካቦ- ቨርጅንያ
ብምንኽንያት ዝኽሪ 8 መጋቢት፡ ዝተዳለወ ጽሑፍ።
Received on Thu Mar 20 2014 - 07:28:43 EDT