(Community) ማይህመት: መበል ሰላሳ ዓመት ምድምሳስ ውቃው-መጋቢት 1984

From: Dehai <dehaihager_at_dehai.org_at_dehai.org>
Date: Fri, 21 Mar 2014 09:40:54 -0400

From: abeba ghebremedhin <gsembel_at_msn.com>


ማይህመት ( መበል ሰላሳ ዓመት ምድምሳስ ውቃው-መጋቢት 1984)

 ኣስመላሽ ገብረመድህን

ወርሒ መጋቢት ኣብ ታሪኽ ሰውራና ዓበይቲ ፍጻመታት ዝተኻየደላ ወርሒ ኢያ። ገለ ካብተን ዓበይቲ ስርሒታት ከኣ ሓርነት
ናቕፋ ብዓቢዩ ምድምሳስ ውቃውን ናደውን ኪጥቀስ ይከኣል።መጥቃዕቲ ውቃው መቐጸልታ ናይቲ ደድሕሪ ሻድሻይን ሰላሕታን
ወራራት ኮይኑ መቐጸልታ ናይቲ ተበግሶታት ኣብ ተሰነይን ባረንቱን ዝተኻየደ ንጸላኢ ዘርዓደ ሓያል ተበግሶ ህዝባዊ ግንባር
ኢዩ ነይሩ።

ኣብዚ ወርሒዚ ኣብ ማይህመት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ጽምብል መበል 30 ዓመት ናይ ውቃው እዝ ምድምሳስ፡ እስኪ ማይህመትን
ከባቢኣን እንታይ ይመስል በቲ ዝፈልጦ ኪገልጾ። ኣውገት ወይ ኣልገና ወይ ማይህመት ኪባሃል ከሎ ንዘይፈልጦ ከም ዓበይቲ
ከተማታት ወይ ከኣ ዓድታት ብፍላይ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ከለዎ ኮይነን ዝርእይወን ኣይሰኣኑን ይኾኑ። እዘን ቦታት ወይ
መዓስከራት ነበር መደበር ወይ መዋፈሪታት ናይ ጸላኢ ኮይነን ብዘይካ ብሳዕሪ ወይ ብጭቃ ዝተሰርሐ መጽለሊ ገዛውቲ ወይ
ህንጻታት ነይርወን ኢልካ ኪትዛረብ ኣይትኽእልን። እቶም ኩሎም ኣኽራናት ሳሕል ወይግንባር ሰመናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪድናሉ
ዝነበርና ናብዘን ማዓስከራት ኢዮም ዝጥምቱ ነይሮም።ዓላ-ከፍ( ነዊሕ ታባ ንውሽጢ ውርውር ዝበለ)፡ ተከል( ኣዚዩ ነዊሕ
ታባ ኮይነ ኣዚዩ ገዛኢ ጸላኢ ኪሕዞ ዝትምነዮ ዝነበረ)፡ ደብረ-እመን(ኣዚዩ ገዚፍ ከምእውን ገዚፍ ገዛኢ ታባ)፡ ቀጠር፡
ሃጸይነት፡ ማሕበርነት፡ ደሲነት፡ማይ-ካላሽን፡ ታባ ፍረወይኒ ፡ መፈየጽ፡ ታባ-ሰላም፡ ታባ-መግዛእቲ ወዘተ ዝተኣሳሰሩ
ኮይኖም ኩሎም ናይዚኦም ማይ ኮዖ ተኣኣኻኺቡ ብማይህመት ገይሩ ናብ መርሳ-ተኽላይ ገጹ ኣብ ባሕሪ ከይበጽሐ ኣብ ሑጻ
ተሰትዩ ይተርፍ። ኩሎም እዞም ታባታት ነናቶም ትርጉምን ምኽንያትን ኣለዎም።

ካብዞም ኣኽራናት ኮንካ ብፍላይ ናይ ለይቲ ዋርድያ ኣብ ትወጸሉ፡ ኩሉ ምንቅስቓስ ጸላኢ ካብ መርሳ-ተኽላይ ናብ ማይህመት
ካብ ማይህመት ናብ ግንባራት ኪንቀሳቐስ ከሎ ትርእዮ፡ ዋላውን ክንደይ መኻይን ካብን ናብን ተንቀስቒሰን፡ ዓይነት ኣጽዋር
ከይተረፈ ትርኽቦ ሓበረታ ካብዚ ቦታ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ማይህመትውን ኣብ ሰብዓታት ካብተን ደብደብቲ ነፋሪት ካንበራ
ዝተባህለት ምስ ምትሕብባር ካብ ፓይሎት ሓይሊ ኣይር ኣብኡ ኪትወርድ መንገዲ ተጸሪጉላ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ
ማይህመት ግን ኣብ ሃርገሳ ሶማሊያ ወሪዳ። እዛ ደብዳቢት እዚኣ ኣዚያ ቲሒታ ትበርር ድምጻ ከኣ ዘይስማዕ ከምኡውን ኣብ
ኣየር ንብዙሕ ሰዓታት ትጸንሕ ነፈሪት ኢያ ነይር ብዙሕ ጊዘ ኣሸጊራ ኢዩ።

መጥቃዕቲ ውቃው ቀትሪ ከባቢ ፋዱስ ኢዩ ተጀሚሩ፡ ሓይልታት ተጽጊዐን ሓዲረን ክሳዕ ፋዱስ ዋላ ሓንቲ ምንቅስቓስ ከይገበራ
ጥምየትን ጽምእን ተጻዊረን መጥቃዕተን ጀሚረንኦ፡ ቀልጢፈን ነቲ ቀዳማይን ካልኣይን መስመር ኣፍሪሳን ነቲ ኣብተን
ከባቢ ታባታት
ዓሪዱ ዝነበረ እንዳኮብኮባ ናብ ማይህመት ኣብጸሐኦ። እዝከረኒ ጽልምት ምስ በለ ኣብ ማይህመት በጺሕና፡ ገለ ካብቲ
ዝረኸብናዮ ኣስቃጥላ መግቢ በሊዕና ናብ ኣውገት ገጽና ኣምራሕና።

እቲ ጉዕዞ ብጸልማት ኮይኑ ዘይብጻሕ የለን ኣብ ከባቢ ኣውገት ምስ በጻሕና ጽዑቕ ተኹሲ ኮይኑ ኣዚና ምስ ቀረብን ዳርጋ
ምስቲ ናይ ጸላኢ ሰራዊት ምትሕውዋስ ኮይኑ በቲ ክዳውንቲ ጥራይ ኢኻ ትፈላለ፡ ንሳተን ከም ኣባጊዕ ኣብ ሓደ ተኣኪበን
ኣንፈተ ዘጥፍኣ ይመስላ ነበራ። ሽዑናይ ሓይልና ናይ ስለያ ዝነበረ ማሪኸንኦ ዝነበራ ሽዑ ንሽዑ ከኣ ካብ ኣፈን ወጺኡ።
ሙሉእ ለይቲ ድሕሪ ምትዃስ ኣብ ወጋሕታ እተን ዝተረፋ ናይ ጸላኢ ሰራዊት እግረይ ኣውጽእኒ ኢለን ኪሃድማ ጀሚረን ህዝባዊ
ሰራዊት ከኣ ሰዓበን። ኣብ ኣውገት ናይ ለይቲ ብርቱዕ ተኹሲ ወይ ውግእ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዝሃድም ዝነበረ ሰራዊት ኣዚዩ
ምስ ረሓቐ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ብዙሕ ጽላል ዘይብሉ ኣግራብ ኣጽሊልና ዊዕልና፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ ኩነታት ኣየር ደመናዊ
ዝሕል ዝበለ ንነፈርቲ ዕድል ዘይህ ብምንባሩ ኣዚዩ ደጋፊ ነይሩ።

ቀጺልና ጸሓይ ምስ ዓረበት ጉዕዞ ብለይቲ ተጀመራ ናብ መርስ-ተኽላይ ገጽና፡ እቲ መንገዲ ሑጻ ዓይነት ዝመልኦ ስለ
ዝነበረ ከምእውን ጎልጎል ብምንባሩ ዋላውን ድቃስ እንተመጸካ ብጠጠውካ ናይ ደቂስካ ምኻድ ነይሩ። ኣብ ወጋሕታ ኣብ ክራይ
ዝተባህለ ታባ ኣብ ማእከል ጎልጎል ኮይነን ዝርከባ ኣብአን በጻሕና። ንመከላኸሊ ዝኸውን ኣእማን ከነልዕል ምስ ጀመርና
ቀጠልያ ወተሃደራዊ ኪዳን ዝተኸድና ብብዝሒ ናባና ገጸ መጻ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ከኣ ሰብ ቀጠልያ መጺኤን ኢሉ፡ ሓፍ ኢሉ
ተበገሰ፡ ጸላኢ ዘይሓሰቦ ስለ ዘጋጠሞ ግምጥል ኢሉ ኪሃድም ጀመረ። እዝከረኒ ቀስ በሉ ጠጠው በሉ ኪባሃል ዋላ ሓደ ግን
ኣይሰምዐን ንጸላኢ እንዳኮብኮበ ገምገም ባሕሪ መርሳ-ተኽላይ ኣብጸሖ። ኣብቲ ገምገም ምስ በጻሕና ዓባይ መርከብ ናይ
ጸላኢ እንዳረሓቐት ትከይድ ነይሩ ብኣርቢጂ ክንሃርማ ፈቲና ግን ከርክበላ ኣይከኣለን በቲ ወገን ናትና ዝነበርናዮ ናይ
ነዊሕ ርሕቀት ብረት ኣይነበረናን ታንክታትና ኣብቲ ከባቢና ኣይነበራን ብዝኾነ እታ መርከብ ኣምሊጣ፡ ገለ ወተሃደራት
ናብኣ ኪኸዱ ከይበጽሑ ኣብኡ ጢሒሎም ተሪፎም። ባሕሪ ብረሳ መሊኣ ገማግም ባሕሪ ረሳታት መሊኡ። ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ዋናታቱ
ስለ ዝመጽዎ ዝያዳ ኪሰራሰር ጀሚሩ። ተጋዳላይ ከኣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ንክልተ ሰሙን ዝኣክል ዕረፍቲ ወሲዱን ንዝመጽእ
ዕማም ከኣ ተዳሊዩ።

እዚ ኩሉ ጉዕዞ ናይ መጥቃዕቲ ካብ ኣኽራናት ሳሕል እዚ ኩሉ ጎላጉል እንዳተዋጋእካ ሰንጢቕካ ገምገም ባሕሪ ክትበጽህ
ክንደይ መስዋእትን መውጋእትን ተኸፊልዎ ኢዩ። ነቲ ብድሕሪኡ ዝመጸ ወተሃደራዊ ስሪሒታትና ከምመበገስን መደልደን ዓቢይ
ለውጢ ኣብ ኣጽዋርናን ሓይልናን መቐይሮ ፈጢሩልና ኢዩ።እዚ ብሓቂ ኣዚዩ ኣዚዩ ዓቢይ ፍጻመ ኣብ ቃልስና ኢዩ ነይሩ፡
ኪትዛረቦ ቀሊል ኢዩ፡ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ኩነታት ግን ቀሊል ኣይነበረን። ማይሂመት ከኣ ሎም መንበሪ ኣባይቲ ተሰሪሕዋ
ከም ከተማ ኪትርእያ ከለኻ ኣዚዩ ደስ ይብለካ፡ ተስፋ እገብር ካብቲ ብኡ ዝሓልፍ ናይ ክረምታዊ ውሕጅ ተጠቒማ ካብቲ
ዘላቶ ማዕቢል ኪትረአ።

ንኹሉና እንቛዕ ኣብዚ መበል 30 ዓመት ናይ ዓወት መጥቃዕቲ ውቃው ኣብጻሓና።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

ዓወት ንሓፋሽ

ኣስመላሽ ገብረመድህን


Received on Fri Mar 21 2014 - 09:41:35 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved