http://tigrigna.voanews.com/content/ethiopia-eritrea-south-sudan/1880745.html
Thursday, March 27, 2014 ሰዓት'ቲ ከባቢ 21:51
ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ‘ዮም ነዚ ገሊፆም።ፅፁይ ሓበሬታ ግና ኣይሃቡን።እንተኾነ ኤርትራ ኣብ ሶማልያን የመን ከይተረፈ ዕንቅፋት ከምዝኾነት ይፍለጥ‘ዩ ኢሎም።
ነዚ ክሲ‘ዚ መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተረኸበን።ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ግና፣መስርሕ ሰላም ዘሳልጣ ሃገራት ረብሓ ዘለወን‘የን፣ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ንደቡብ ሱዳናውያን ይገደፍ፣እቲ ክሲ ሕሱር ፀወታ‘ዩ ክብል መልሲ ሂቡ‘ሉ ነይሩ።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ኣብ ኮንግረሽናል መድረኽ ሪኢቶ ዝሃቡ ልኡኽ ኣሜሪካ ንጉዳይ ደቡብ ሱዳን ሚስተር ዶናልድ ቡዝ፣ብዛዕባ ጣልቃ ምእታው ኤርትራ ተሓቲቶም፣እቲ ክሲ ሰሚዕናዮ‘ለና፣ሓቅነት እንተልይዎ ክነፃርዮ ኢና ኢሎም ኔሮም።
Received on Thu Mar 27 2014 - 18:04:01 EDT