"The Moon" Tigrigna Poem

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 5 Nov 2014 10:47:52 -0500

 
ወርሒ
ርኣየለይ ወርሒ
ብማዕዶ ማዕዶ
ሓዲግ ሓዲግ
ብዘይ ኒዶ።
ወይ’ዛ ወርሒ
ሓካሊት ሓካሊት
ጸጸኒሓ ተቀልቃሊት።
እዛ ወርሒ
ክትሓፍር ገረመ
ትሕባእ ትሕባእ
ብግመ ግመ።
እዛ ወርሒ
እንተሰዓብኩዋ
ርሕቅ ርሕቅ
ትብለኒ ኮይኑዋ።
እዛ ወርሒ
ክለወጥ መልክዓ
ሓንሳእ ፍርቃ
ሓንሳእ ርብዓ።
እዛ ወርሒ
ጻዕዳ ከም ብራሕ
መላጥ ከም በራሕ።
እዛ ወርሒ
ንግስቲ ለይቲ
ኣመና ጽብቅቲ
ሕንቅቅቲ ፍትውቲ።
እዛ ወርሒ
ብቅድመኣ ብርሃን
ብድሕሪኣ ጸልማት
ይገርመኒ ደሎ
ዝሓብኣቶ መዓት።
እዛ ወርሒ
ምሸት ሽምዓ
ከባብ ዕንጒለ
ጽብቕቲ መልክዓ።
ወርሒ ወርሒ
ሳላ ጸልማት ለይቲ
ኣንቃዕሪረን ይርእያ
መናቱ ኣዕንቲ
ብጥንቲ…….
ሃይለ ቦኹረ
Received on Wed Nov 05 2014 - 10:47:59 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved