Tesfanews.net: ጠንቂ ግጭት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዝሓለፈ መድረኻትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን (ሳልሳይ ክፋል)

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 7 Nov 2014 16:33:51 +0100


 <http://www.tesfanews.net/revisiting-cause-and-development-of-ethiopia-eritrea-war-3/> ጠንቂ ግጭት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዝሓለፈ መድረኻትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን (ሳልሳይ ክፋል)


1ይ ክፋል፡


http://www.tesfanews.net/revisiting-cause-and-development-of-ethiopia-eritrea-war/


2ይ ክፋል፡


http://www.tesfanews.net/revisiting-cause-and-development-of-ethiopia-eritrea-war-2/


07 November 2014.

ወያነ ዝተወረረኒ መሬት ከመልስ ብምባል ዳንጋ ዘራያት ኣሚኑ ኣብ ዘካየዶ ሰለስተ ሰፋሕቲ ወራራት ብፍሽለት ምስተዛዘመ፡ ንመራሕቲ ወያነ ብሓፈሻ : ንገብሩ ኣስራትን መሰልቱን ድማ ብፍላይ ብዘየወላውል መገዲ ዝተጋህደሎም ሓቂ እንተሎ፡ ፍሽለት ምድምሳስ ወተሃደርዊ ዓቕሚ ኤርትራ : ፍሽለት ምውዳቕ መንግስቲ ኤርትራ : ፍሽለት ምዝራግ ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ : ፍሽለት ምቁጽጻር ወደብ ዓሰብ : ፍሽለት ብዋጋ ኤርትራ ባሕሪ እትውንን ረፓብሊክ ዓባይ ትግራይ ምምስራትን ብኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ብ ደበሳይ ነባራይ:

ኣብ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ተራን እጃምን መራሕቲ ወያነ ብሓፈሻ: ተራ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ናይቲ እዋን ፕሬዝደንት ክልል ትግራይ: ብፍላይ ኣብ ምስዋር ዘይተደልየ ኲናት ዝተጻወቶ ኣሉታዊ ተራ ከይኣክል ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ደይቡ ኣህዛብ ነንሓድሕዱ ብጎዞሞ ክፋለስ ኣብ ከተማ መቀለ ኣብ መድረኽ ደዪቡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘስመዖ: ንበሃሊኡ ዘሕንኽ ዘይሓላፍነታዊ መደረ በቲ ሓደ ሸነኽ: ካብ ስሚዒታት ነጻ ዝኾኑ ሓላፍነታውን ወግዓዊን መደረታት መንግስቲ ኤርትራ በቲ ኻልእ ሸነኽ: መርትዖታት ኣስንየ ኣቅሪበዮ ኣለኹ።

ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ተበግሶ ሰላም: ኣብኡ ዝተበጽሑ ስምምዓትን: ነቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ምእታው ሰራዊት ዓቃብ ሰላም: ስራሕን ሓላፍነትን ኮምሽን ዶብ: ኣብ ኤርትራ ክጸንሕሉ ዝኽእሉ ናይ ጊዜ መቓን: ብሓፈሻ ዕድመ ናይዞም ክልተ ትካላት ብንጹር ተገሊጾም ሰለዘለዉ: ንድሒሮም ዝተጋህዱ ምዕባለታት ማለት ሕጋውነት: ምእታውን ምውጻእን ዓቃብ ሰላም: ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን: ፍሽለትን ሕቡእ ኣጀንዳ ወያነን ብዕምቆት ምእንቲ ክንርዳእ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ከምዘለዎ ኣቕሪበዮ ኣለኹ።………………………..

ኣብ‘ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጥዊቕካ/ኪ ኣምብቦ/ብዮ።

ብርሃነ ሃብተማርያም




Received on Fri Nov 07 2014 - 10:34:22 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved