The Summer Trees (Poem)

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 14 Nov 2014 19:36:23 -0500

"ኣግራብ ሓጋይ"
ሓጋይ ክሓልፍ ኣግራብ ነቂጾም
ኣቁጽልቶም ኣመና ቀይሖም
ቀይ ቀይ ኢሎም ደኺሞም
ንፋስ ሃሪሙ ናብ ምድሪ ኣውደቆም
ተመሊሶም ኣይድይቡ ናብ ገረቦም።
 
እስኪ ሓንቲኦም ርኣያ....!
እታ ገረብ ኣዲኦም፡ ጠማሪቶም
ዓንጋሊቶም እንድያ!
ንሳ'ውን ጻዕድያ ነቂጻ
ቐጢና፡ ሸይባ፡ ጎቢጣ
ምስናይ ጨናፍር በላሕቲ
ሕዝ እንተኣበልካዮም... ተዋጋእቲ።
 
ከምኣ ምሽ ባህ የብሉኻ ነይሮም
ክትድህስስ ሉስሉስ ጠሎም
ምሽ ባህ ይብሉኻ ነይሮም ሽዑ
ንፋስ ክሃርሞም ክቁጸዩ ክስዕስዑ
ምስ ደርፊ ኣዕዋይ ሰማይ
ተኾዲመን ከጽልላ ስኣን ማይ።
 
ሕጂ ግን ይመስሉ ብደዎም ኣስከሬን
መን'ሞ ክርእዮም ደፊሩ መን?መን?
ግን ንግዚኡ'ዩ ድሓን! ድሓን!
ምጥጠዖም ኣይተርፍን ንዝመጽእ እዋን።
 
ሃይለ ቦዂረ
Received on Fri Nov 14 2014 - 19:36:26 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved