ማሕበረ ኮም ስያትል - መበል ፳ ዓመታ ጸምቢላ!

From: Berhane Alazar <berhane_at_isaacweb.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 18 Nov 2014 03:44:24 +0000

ማሕበረ ኮም ስያትል - መበል ፳ ዓመታ ጸምቢላ!
አታ ብጉጅለ ህጻናት ደቅና ዝተኸፍተት መሳጢት ትልሂት ንዝኽሪ መበል ፳ ዓመት ምምስራት ማሕበረ ኮምና፡ ብኤርትራዊ መንነትና ዘሕብንን፡ ቅኒት ህዝብና ዘጠንክርን፡ ብውዕዉዕ መንፈስ፡ ብቀዳም ፲፭ ሕዳር (November 15) 2014 ብኽብ ዝበለ ተሳትፎ ህዝቢ ተጸምቢላ፡፡
ቀጺሉ፡ ኣቦ መንበር ማሕበረኮም፡ ኣቶ ይስሓቕ ኣርኣያ፡ ኣገደስቲ ዕማማት ማሕበረ ኮም ብምዝርዛር፡ ንዝተሰግሩ ብድሆታትን፡ ንዝተተግበሩ ዓወታትን፡ ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ መብርሂ ምስ ሃበ፡ ተሳተፍቲ ጽምብል፡ ብድሙቕ ጨብጨባን፡ ዕልልታን፡በቲ ዝቐረበሎም ጸብጻብ ዕግበቶም ገለጹ፡፡
ድሕር’ቲ ህዝባዊ ትልሂት፡ ብሳዕስዒት ኣዴታት ዝተተለመ፡ ብዝተፈላለዩ ቃናታትን ልሙእ ቃናን ዘለዎም ሃገራውያን ደርፍታትን፡ ብካብ ከተማታት ፖርትላንድን ስያትልን ዝተላፈኑ ድምጻውያን አንዳተሰነየ፡ ሰናይ ምሸት ኣምሲናን ተዘናጊዕናን፡፡ ብምቕጻል ከኣ፡ ነቲ በዓል ዝዳረግ ቶርታን ሻምፓኝ ንምቁዳስ ምስ ቀረበ፡ ብኣንጎድጋዳዊ ጣቒዕትን ዕልልታን፡ ተባረኸን ተኸፍተን! ነቲ ዝነበረ መንፋስ ፍስሃ ጓይላን ሳዕስዒትን ከኣ ክሳዕ ዝኣኽለና ሸኾርተት ክንብል ኣምሰናን ኣርፈድናን፡፡ ነቲ ውራይና፡ ተወሳኺ መቐረት ሂብዎ ዘምሰየ ከኣ፡ ምናልባት ከም ልሙድ ተወሲዱ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ሸለል ዝበሃል፡ ግንከ ኣገዳሲ ናይቲ ጽምብል መደብ፡ ንሃገራዊ ባህልናን ልምድናን ዘንጸባርቕ መኣዛዊ መግብታት፡ ምሉእ ዘይጉዱል ተቐሪቡ፡ ህዝቢ ብታሕጓስ ክቋደስ ዘምሰየ፡ ነተን ነዚ ውራይ ተዓጢቐን ብውሕሉል ኣገባብ፡ ዝቐረባልና ኣዴታትናን ኣሓትናን ብጾትናን፡ በዚ ኣገጣሚ ከየምስገናየን ክንሓልፍ ኣይንደልን፡፡

ሓድነት ህዝብና ኣብ ዘሎና ኣሊና
ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን አያ ዕላማና!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
ወትሩ ዓውት ንሓፋሽ ህዝብና


ማሕበረ ኮም ስያትልን ከባቢኣን (Eritrean Association of Greater Seattle)

Please click the attached sample pictorial review…



DSC_0149.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0149.jpg)

DSC_0152.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0152.jpg)

DSC_0200.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0200.jpg)

DSC_0028.jpg
(image/jpeg attachment: DSC_0028.jpg)

Received on Mon Nov 17 2014 - 22:44:55 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved