ክቡር ኣምባስዳር እስቲፋኖስ ንምሕያል ኤርትራዊ ኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓባይ ብርጣንያ ብዝሓየለ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ.."ኣዳል ድምጺ ኤርትራወያን"

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 19 Nov 2014 14:47:35 +0000

ኣምባሳዳር ሃገር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ኣየርላንድን ክቡር ኣምባስዳር እስቲፎናስ ሃብተማርያም ፣ምስ ሃገራዊ
ሽማግለ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣኼባ ኣካይዱ። ሕዳር 18 , 2014.

ድሕሪ ምምስራት ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ 2013 ፣ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራ፣ማሕበረ ኮም ኤርትራ
ንምድራዕን ፣ንምድልዳልን፣ ኣብ ህዝባዊ ዉዳቤታት ክነጥፍ ከም ዝጸንሐ ዝፈልጥ ኮይኑ ፣ ከም መቐጸልታ ናይ'ዚ ክሰርሖ
ዘጸንሐ መደባት፣ ዳግም ንምግምጋምን ፣ ሓድሽ መደባት ንምዉጻእን ፣ኣብ ዝገበሮ ርክብ ፣ ኣብ ንጥፈታታ ትምህርት፣
ስፖርትን፣ ከምኡዉን ሓፈሻዊ ንጥፈትታ ማሕበር ኮም ንምድልዳል ፣ ኣበርቲዕ ከሰርሓሉ ምኾኑ ኣስሚርሉ ፣ ከም መቀጸልታ
ናይዚ ድማ ፣ ነዚ ዝምልከት ፣
ኣኼባታት፣ ሰሚናራትን ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከምዝገብር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ፣ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ኣኼባ ክቡር
ኣምባስዳር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ፣ ምሕያል ኤርትራዊ ኮም፣ ሓደ ካብቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝስርሓሉ ሃገራዊ ንጥፍታት
ከመ ምኾኑ መጠን፣ ነዚ ንምሕያል ድማ ፣ ኩለን ማሕበር ኮማት ኤርትራወያን ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ፣ ኣብ ጎኒ ሃገራዊ
ሽማግለ ብምኾን፣ ኣበርክትኦን ክዕዝዛ ጸዊዑ።


ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ፣ ኣብ ታሕሳስ 14, 2013 ኣብ ዋዕላ ከተማ በርሚንግሃም ዝተመስረተ
ኮይኑ፣ ኣብ ምዉህሃድን ዉዳቤታትን ፣ ህዝባዊ ንጥፈታትን ፣ ዝነጠፍ ሽማግለ እዩ። http://adalvoice.org.uk
<http://adalvoice.wordpress.com/>


​ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ምስ ክቡር ኣምባስዳር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም.


jpg.png
(image/png attachment: jpg.png)

Received on Wed Nov 19 2014 - 09:47:41 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved