Haddas Eritrea: ቃለ-መጠይቕ – ብዛዕባ ኣብ ተሰነይ ዝተኣታቶ ዘሎ 24 ሰዓት ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun Nov 23 07:37:01 2014


ቃለ-መጠይቕ – ብዛዕባ ኣብ ተሰነይ ዝተኣታቶ ዘሎ 24 ሰዓት ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ


 <https://www.addtoany.com/share_save#url=http%3A%2F%2Fwww.raimoq.com%2Finterview-with-mr-kibreab-abraham-regarding-24-hour-electricity-service-in-tesenai%2F&title=%E1%89%83%E1%88%88-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%8B%AD%E1%89%95%20%E2%80%93%20%E1%89%A5%E1%8B%9B%E1%8B%95%E1%89%A3%20%E1%8A%A3%E1%89%A5%2> 23.11.2014

ቃለ-መጠይቕ – ብዛዕባ ኣብ ተሰነይ ዝተኣታቶ ዘሎ 24 ሰዓት ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ ሓላፊ ኮርፖሬሽን ዘራእትን ጥሪትን ኤርትራ ኣቶ ክብረኣብ ኣብርሃም ብዛዕባ’ቲ ኣብ ተሰነይን ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታትን ናይ 24 ሰዓት ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ ንምዝርጋሕ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ንጥፈት ብዝምልከት ሕጽር ዝበለ ቃለ መጠይቕ ሂቡና ኣሎ።

ሕቶ፡- ሓደ ካብ’ቶም መንግስቲ ኤርትራ ዘሰላስሎም ዘሎ ዓበይቲ ዕማማት ምዝርጋሕ ኤለክትሪክ ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይን ከባቢኣን እዩ። ኣብ’ዚ እዋን ንኡስ ዞባ ተሰነይ ናይ 24 ሰዓት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ክትረክብ ክኢላ ኣላ። ክሳብ ሕጂ በዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ኰይነን ዘለዋ መነመን እየን? ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተሓልፈ መስርሓትን ጻዕርታትን ክትገልጸልና፡-

• የቐንየለይ! መንግስቲ ኤርትራ ብቐዳማይ ደረጃ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ፡ ኣብ’ቲ ዝጸንከረ እዋን ከይተረፈ ክሰርሓሉ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ልምዓታዊ ስራሓት፡ ሓደ ካብ’ቶም ዝዓበዩ ማሕንቖታት ሕጽረት ጸዓት እዩ። ጽዓት እንድሕር ዘይሃልዩ ኩሉ ስራሕ ብዝተማልአ መንገዲ ክኸይድ ኣይክእልን። ንኣብነት ኣብ መዳይ ሕርሻታትና እንተ ድኣ ርኢና፡ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ሕጽረታትና ጸዓት እዩ። ንህዝቢ ዝተማልአ ኣገልግሎት ክትህብ እንድሕር ዄንካ እውን ጸዓት የድሊ። ስለ’ዚ ጽዓት ኩሉ ነገር እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ናይ ልምዓት መደባትና ካብ ዘጋጥሙ ዝዓበዩ ጸገማት ናይ ጸዓት ጉዳይ ስለ ዝዀነ፡ መንግስቲ ኣብ ዝሕንጽጾ ናይ ልምዓት መደባት፡ መሰረታዊ ፍታሕ ሕጽረት ጸዓት፡ ምስ ህሉው ናህሪ ዋጋታት ብምዝማድ፡ ከቢድ ወጻኢታት ብምግባር ተሰነይን ከባቢኡን ካብ’ቶም ቀንዲ ናይ ልምዓት ቦታታት ስለ ዝዀኑ ናይ 24 ሰዓታት ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ከም ዝረክብ ገይሩ ኣሎ።

በዚ ተበጊሱ ዘሎ መደብ፡ ብቐዳምነት ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ንኡስ ዞባ ጎልጅን ንኡስ ዞባ ሃይኮታን ኣገልግልት ኤለክትሪክ ዝረኽባ ሰለስተ ንኡሳን ዞባታት እየን። ከም መበገሲ ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ዝስዕብ እውን እቲ ምዝርጋሕ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክሳብ ኡምሓጀርን ዶብ ሱዳንን ክበጽሕ መደብ ኣሎ። ናይ’ዚ መወዳእታ ዕላማ፡ ምስ’ቲ ከም ከርከበት ኣብ ዝኣመሰላ ንኡሳን ዞባታት ዝዳሎ ዘሎ ናይ ልምዓት ትሕተ ቅርጺ ብምትእስሳር፡ ኣብ’ዚ ናይ ልምዓት ዞባታት መሰረታዊ ናይ ጸዓት ኣቕርቦት ከም ዝህሉ ንምግባር እዩ።

ሕቶ፡- እዚ መደብ ገዚፍ ዝዀነ ወጻኢታት እዩ ዝፈሶ ዘሎ። ብገምጋም ክሳብ ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ ወጺኡዎ ኣሎ?

• ብኣሃዝ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ኰይኑ ኣይስመዓንን። ብሓፈሻ ግን ሎሚ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ብምርኣይ ክብደት ናይ ወጻኢታት ክንርደኦ ንኽእል ኢና። ሓጺን ክሳብ ክንደይ እዩ ክቡር ዘሎ ምፍላጥ ኣመት ወጻኢታት ክነግረካ ይኽእል እዩ። እዚ ሕጂ ንተኽሎ ዘለና ‘ፓሎታት’ (ዓንዲ ኤለክትሪክ) ኣብ ሃገርና ንፈለማ እዋን እዩ ዝትከል ዘሎ። ሓንቲ ፓሎ ልዕሊ 1000 ዶላር እዩ ዋጋኣ። ጀነረይተር፡ ትራንስፎርመር፡ ገመድ ናይ ኤለክትሪክ. . . ብምሉኡ ኣተኣሳሲርካ ምስ ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣቕሑን ክትሪኦ እንተ ድኣ ዄንካ ከቢድ ወጻኢ እዩ። እንድሕር መሰረታዊ ፍታሕ ክትገብር ዄንካ ግን ከቢድ ወጻኢ ከይገበርካ ክሰልጠካ ኣይክእልን እዩ። ልክዕ እዩ መንግስቲ ኤርትራ ካበይ ኣምጺኡ እዩ ከቢድ ወጻኢታት ዝገብር ዘሎ ክበሃል ይኽእል እዩ። መንግስቲ ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ንምግባር ይጽዕር ስለ ዘሎ እተን ዝርካበን ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓለአን ከም ዝውዕላ ይገብር ኣሎ። እዚ ድማ መርኣያ ናይ ጽሩይ ኣካይዳ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ተመጽዋቲ ኰይኑ ንኸይተርፍ ካብ ቃልሲ ኣትሒዙ ብዝለዓለ ክጉስጉሰሉን ብግብሪ ክሰርሓሉን ጸኒሑ እዩ። እዚ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ድማ ናቱ መርኣያ እዩ። እዚ ከቢድ ወጻኢታት ድማ ነብስና እንኽእለሉ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ስለ ዝዀነ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እነንጽፎ ዘለና ንመሰረታዊ ፍታሕ ዝድርኽ ዕማማት እዩ።

ሕቶ፡- ንኡሳን ዞባታት ጎልጅ፡ ተሰነይ፡ ሃይኮታ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ንጥፈታት ዝካየደሉ ቦታታት እዩ። ብመንግስቲ ዝተሃንጻ ዓበይቲ ዲጋታት እውን ኣለዋ። ሓያሎ ሰፋሕትን ማእከሎትን መስኖኣዊ ልምዓት ዝካየደሎም ቦታታት እውን እዮም። ምስ’ዚ ብምትእስሳር ምዝርጋሕ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ እንታይ ተራ ክጻወት እዩ ትብል?

• ዝለዓለ ተራ እዩ ክጻወት። ብጻዕርን ወጻኢታትን ማይ እንተ ድኣ ሒዝካ፡ ነቲ ዝዓቀብካዮ ማይ ኣብ ግቡእ ጥቕሚ ንኸተውዕሎ ዳግማይ ከቢድ ወጻኢታት የድልየካ። ትሕተ ቅርጺ ሕርሻ፡
ኢሪገሽን ሲስተም. . . ንከተካይድ ጽዓት የድሊ። ስለ ዝዀነ እዚ ሕጂ ተገይሩ ዘሎ ተወሳኺ ጸዓት፡ ኣብ’ዘን ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታና መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ እዩ።

ሕቶ፡- እዚ ስራሕ ብለይትን ብመዓልትን ብዘይዕረፍቲ ክዕመም ምጽንሑ ተዓዚብና ኢና። ምስ ክሊማ ናይ’ዚ ከባቢ ኣተኣሳሲርካ እንክትመዝኖ ለይትን ቀትርን ብዘይዕረፍቲ ምስራሕ ኣመና ከቢድ እዩ። ኣብ መስርሕ ምትካል ይኹን ምዝርጋሕ ናይ’ዚ ኤለክትሪክ ትግሃት ናይ ሰራሕተኛታትን ህዝብን ከመይ ነይሩ?

• እዚ ኣብ ልምዓታዊ ንጥፈታት ዝሰርሕ ዘሎ መንእሰይ፡ ናይ ብሓቂ እቲ ተካኢ ወለዶ እዩ። ሃሩር ይኹን ካልኦት ሕጽረታት መኪቱ፡ እዚ መደብ ኣብ ግዜኡ ከም ዝዕወት ይገብር ኣሎ። ብወገነይ ነዚ ኣብ’ዚ ስራሕ ብምሉእ ዓቕምን ልብን ዝተሳተፈ መንእሰይ ብልቢ አመስግኖን አድንቖን። ምኽንያቱ፡ እዚ ከባቢ ብርቱዕ ሙቐት ኣለዎ። እዚ እናዀነ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ጸሓይ ተሰጢሕካ ክትሰርሕ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እቲ ሰብ ግን ክምህ ኣይበለን። ንጸገም ከም ጽቡቕ ቆጺርካ ክትዕወት እንተ ጽዒርካ ድማ፡ ዝዓግት ነገር ከም ዘየለ ኢኻ እትርዳእ። ብዓቢኡ እዚ ሃገር ብኡኡ ስለ ዝሓለፈ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ከምኡ ገይሩ ዝሰርሐ መንእሰይ ጽባሕ ንጉሆ እቲ ናቱ ራኢ ክትግበር፡ ጻምኡ ክረክብ ስለ ዝዀነ ዘሐጉስ እዩ። ሕድሪ ስዉኣት ንምትግባር ዝተኣትወ መብጽዓ ኣብ ባይታ ይትግበር ከም ዘሎ ብምግንዛብ ደጊመ ደጋጊመ ነቲ ሰራሕተኛ አመስግኖ። ተራ ናይ ህዝቢ እውን ኣብ ምትብባዕ ሰራሕተኛታት፡
ዓቢ ነይሩ።

ሕቶ፡- ሓላፊ ኮርፖሪሽን ዘራእትን ጥሪትን ኤርትራ ኣቶ ክብርኣብ ኣብርሃም፡ ኣብ’ዚ ዞባ ዑደት ክነካይድ ኢና ቀኒና፡ እዚ ብርሃን ምስ ተረኽበ፡ ትካላት ብዘይምቁራጽ ክሰርሓ ተዓዚብና። ህዝቢ እውን እንታይ ተሰሚዑኩም እናበልና ኣብ እንሓተሉ እዋን ኣመና ከም ዝተሓጎሱ ብምግላጽ፡ ቀጻልነት ክህልዎ እዩ ዝላቦ። ነዚ ኣመልኪትካ እንታይ ትብል?

• ንቐጻልነቱ ብዝምልከት ብርግጽ ውሑስ ዝዀነ ስራሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ። ንንዊሕ እዋን ዝኣመተ መደብ እዩ። እዚ ሕጂ ተተኺሉ ዘሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተወሳኺ ዝትከል እውን ድሮ ተፋሪቑ ኣሎ። ብተወሳኺ ምስ ሱዳን ዝተጀመረ ስራሕ ኣሎ። እቲ ናይ ሱዳን ‘ሃይድሮፓወር’ ስለ ዝዀነ ብዋጋ ሕሱር እዩ። ብቐዳምነት ኣብ’ቲ ናይ ገዛእ ርእስና ምንጪ ጽዓት ዝያዳ ኣተኩሮ እናገበርና፡ ምስ ሰዳን ብዘለና ጽቡቕ ዝምድና፡ ተወሳኺ ጸዓት ንምርካብ ስራሕ ይቕጽል ኣሎ። ስለ’ዚ ኣብ ውሕስነት ናይ ኤለክትሪክ ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይክህሉን እዩ። ንሕና ብዛዕባ ንኡስ ዞባ ተሰነይን ከባቢኣን ጥራይ ኢና ንዛረብ ዘለና። መንግስቲ ግን ብዓቢኡ ምሉእ ሃገር ውሑስ ዝዀነ ናይ ጸዓት ኣገልግሎት ንኽረክብ እዩ ዝሰርሓሉ ዘሎ።

መንግስቲ ገዚፍ ወጻኢታት ሰሊዑ ይተኽሎ ስለ ዘሎ ግን፡ ዋጋ ናይቲ ዝህቦ ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ገንዘቡ ምእንቲ ክእክብ፡ እቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ኣካላት ብግቡእ ኣታዊ መንግስቲ ክጥርንፉ ኣለዎም። ህዝቢ ድማ ነቲ ረኺቡዎ ዘሎ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ግቡእ መዓላኡ ከውዕሎ ክኽእል ኣለዎ።

ሕቶ፡- ኣብ ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዓበይቲ ጸገማት ከጋጥሙ ተኽእሎ ኣሎ። መስርሕ ምትካል ናይ’ዚ ሓድሽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ግዜኡዶ ይሰላሰል ኣሎ?

• ከም ዓበይቲ ተቖጺሮም ዝዝረበሎም ጸገማት ዳርጋ ኣየጋጠሙናን። በቲ ዝተመደቦ ግዜ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ናይ ንብረት ቀረብ፡ ብመንገዲ ኣምጻእን ለኣኽን ሰቲት ኢንተርናሽናል እዩ ዝቕረብ ዘሎ። ነዚ እዋን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሕጽረት ናይ ኣቑሑት ከጋጥም ኢኻ እትጽበ። ኰይኑ ግን ሰቲት ኢንተርናሽናል ዘድሊ ንብረት ኣብ ግዜኡ ጥራይ ዘይኰነስ ኣቐዲሙ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ከም ዝርከብ ይግበር ስለ ዘሎ ወላ ሓንቲ ምድንጓያት ኣይተራእየን። ኣብ’ቲ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ዘሎ ኣካል ከኣ ተጉላባነት ዝበሃል ነገር የለን። ለይትን መዓልትን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እቲ ስራሕ ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ።

ሕቶ፡- ህዝቢኸ ኣብ ኣጠቓቕማ እንታይክገብር ኣለዎ ትብል?

ህዝቢ ጥንቁቕን ክሳራ ዘየስዕብን ኣጠቓቕማ ከዘውትር ይግባእ። ሓንቲ ኣብነት እንተ ወሲድና ‘ኣየር ኮንድሽነር’ ንዘይትጥቀመላ ምሉእ መዓልቲ ወሊዕካያ ትውዕል እንተ ዄንካ፡ ብኡ መጠን ክሳራ እናዓበየ ይኸይድ። ዘይትኣደነ ኤለክትሪክ እያ ትወስድ ዘላ። ሓደ እቲ ብዘይፍረ ዝሃልኽ ዘሎ ጽዓት፡ ካልኣይ እውን ክትከፍሎ ኢኻ። ስለ’ዚ እቲ ብኸንቱ ዝባኽን ዘሎ ጸዓት ኩሉ ደማሚሩ ሃብቲ ናይ ሃገር እዩ ዝባኽን ዘሎ። ስለ ዝዀነ ኣብ’ቲ ክትጥቀመሉ ዘለካ እዋን ጥራይ ክትጥቀም ኣለካ። እዛ ኣብነት ኣብ ብዙሕ ነገር ኣዛሚድካ እንረ ርኢኻዮ ተዋህሊሉ ዓቢ ክሳራ
እዩ ዝኸውን። ብኻልኣይ ደረጃ ቁጽጽር የድሊ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ዘህልኾ መጠን ኤለክትሪክ ክኸፍል እንተ ዀይኑ፡ እዚ ንሕና ንኸዶ ዘለና ኣገባብ ዝተማልአ ቁጽጽር ኣይኰነን። ሎሚ ዓለምና ማዕቢሉ እዩ። ብቐረባ ሱዳን እንተ ድኣ ተዓዚብና፡ ብካርድ እዮም ዝጥቀሙ። ካርድኻ እንተ ድኣ ወዲኣ ኤለክትሪክ ኣይትረክብን ኢኻ። መንግስቲ እውን ከምኡ ዝበለ ምቁጽጻር ከተኣታቱ እዩ ዝጽዕር ዘሎ። ተጠቃማይ ክብሪ ናይ ዘህልኾ ጽዓት ክፈልጥ እንተ ዀይኑ፡ ብመጠን እቲ ዝኸፍሎ ክግንዘቦ ይኽእል።

ብተወሳኺ ካብ’ቲ ቀንዲ ንኣውፈርቲ ዘተባብዕ ባይታ ጸዓት እዩ። ጽርግያ እንተ ዘይሃልዩ፡ ጽዓት እንተዘይሃልዩ፡ ውሑስ ዝዀነ ማይ እንተ ዘይሃልዩ ኣውፋሪ ክተባባዕ ኣይክእልን እዩ። ስለ ዝዀነ ኢለክትሪክ ብዘይክሳራ ኣብ ግቡእ መዓላኡ እንተ ድኣ ውዒሉ ንብዙሕ ጽላታታት ከበራብርን ወፍሪ ከተባብዕን እዩ።

ሕቶ፡- ሓይሊ ኤለክትሪክ ንተሰነይን ነተን ካልኦት ንኡሳን ዞባታትን ብቐዳምነት ክውሃብ ዝተደልየ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ?

• ቅድም ቀዳድም ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ናብቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ተወጺዑ ዝነበረ ርሑቕ ገጠራት እዩ ጠመተ ዝገብር። ንሱ እዩ ድማ ክጥመት ዝግባእ። መንግስቲ ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ እንተ ዀይኑ ኣብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ቦታታት እዩ ከውፍር። መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ንዝነብር ዜጋ ወጺኡ ክሰርሓሉ ዝኽእል ማእለያ ዘይብሉ ቦታታት
ኣዳልዩ ኣሎ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ከኣ መንግስቲ፡ ቀዳምነት ኣብ ርሑቕ ገጠራት ጠመተ ብምግባር ዝያዳ ክለምዕ ዝኽእል፡ ህዝቢ ከፍርየሉ ዝኽእል ባይታ ኣዳልዩ ኣሎ። ኣብ’ዛ ሃገር መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ እንተ ዄይኑ ከኣ ወፊርካ እንተሰራሕካ እዩ ዝያዳ ቁምነገር ዝህልዎ። መንግስቲ፡ ንስራሕ ዝኸውን ባይታ ብምድላው ንዓ ውፈር ክብል ስለ ዝግባእ፡ እቲ ዝገብሮ ገይሩ ኣሎ። ጠመተና ወትሩ ካብ ልምዓት ተኣልዩ ኣይፈልጥን እዩ።

ወራራት እናተኻየደ፡ ንድሕነት ሃገር መስዋእቲ እናተኸፍለ ከሎ ከይተረፈ፡ ምስራሕ ጽርግያ ተሰነይ-ኣስመራ ኣየቋረጸን። ካልእ ንልምዓታዊ ስራሓት ዝድርዕ ንጥፈታት እውን ይካየድ ነይሩ። ኪኖ’ቲ ውግእ፡ እዚ ሕጂ ዘለናዮ ደረጃ ኣብ ጠመተ መንግስቲ ኤርትራ ነይሩ። ሕጂ ድማ እቲ ትልሚ ዳርጋ ኣብ’ቲ ናይ መጨረሽታ መዓልቦኡ በጺሑ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ
ብግደኡ ወፊሩ ክሰርሕ፡ ከፍሪን ክዕንገልን ኣለዎ። ናይ’ዚ ኩሉ ድምር ከኣ ኣብ’ዛ ሃገር ለውጢ የምጽእ። ስለ ዝዀነ ቀዳምነታት መንግስቲ ኤርትራ ካብ’ዚ ሰረተ እምነት ዝተበገሰ እዩ።

ሕቶ፡- ኣብ’ዚ ስራሕ ተራ ናይ መንእሰያት ልዑል ምንባሩ ኢና ተዓዚብናን ተገንዚብናን። እዚ ቅልጣፈን ክእለትን ካበይ ዝተጠርየ እዩ? መሻርኽትኸ መን እዮም ነይሮም?

• እዚ ስራሕ’ዚ ብሰለስተ ኣካላት መንግስቲ እዩ ክካየድ ጸኒሑ። ኣብ ማሽነሪ ይኹን ካልእ ቴክኒካዊ ስራሓት፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ቴክኒክ ዞባ፡ ምስ ምዕራባዊ ዞባ ልምዓት ተጠቕሊሉ ዘሎ ኮርፖሬሽን ዘራእትን ጥሪትን ኤርትራ፡ ብዓቕሚ ሰብ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ብዓቢኡ ቀረብ ናይ ንብረት ድማ ኣምጻኢን ለኣኺን ሰቲት ኢንተርናሽናል – ብምውህሃድ ናይ’ዞም ሰለስተ ኣካላት ወይ ትካላት መንግስቲ እዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ስራሕ ብሓቂ ክብደት ኣለዎ። ናተይ ኢልካ ብዕቱብ እንተ ሒዝካዮ ግን ቀሊል እዩ። ክገብር እየ ዝብል ሕልና ኣሎ እንተ ዀይኑ፡ ከጸግም ዝኽእል ነገር ከም ዘየለ ኢኻ እትርዳእ። ልዕሊ ኩሉ ዘዕግብ ከኣ፡ እቲ ኣብ’ዚ ዝፈሪ ዘሎ መንእሰይ እዩ። ጽባሕ ንጉሆ ጽግዕተኛን ተጸባይን ንዘይምዃን፡ ባዕልኻ ነብስኻ ክኢልካ ክትሰርሕ ምኽኣል፡ ነዚ ክገብር ዝኽእል መንእሰይ ከተፍሪ ምኽኣል . . . ካብ’ዚ ዝዓቢ ጸጋ ስለ ዘየለ ናይ ብሓቂ ዘኹርዕ ስራሕ እዩ። ነዚ ተኣምር እዚ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ዓቕሚ እዩ። እቲ ጎኒ ጎኑ ዝወሃብ ትምህርትን ስልጠናን ንባዕሉ ሓደ ዓቢ ስራሕ እዩ፡ ነዚ ቀዝሕን ሃሩርን ከይበለ ንመደባት ክዉን ዝገበረ ኤርትራዊ ዓቕሚ እንታይ ትብሎ?

ናትካ ኩሉ ግዜ ናትካ እዩ። እቲ መንእሰይ ዋና እዩ። ወራሲ እውን እዩ። ጽባሕ ንጉሆ ንሱ እዩ ኩሉ ክኸውን። ናይ ብሓቂ እቲ እንደልዮን ዝተቓለስናሉን፡ ኣብ ባይታ ይትገብር ንርእዮ ለና’ሞ ንኹላትና እንቋዕ ሓጎሰና እየ ዝብል። እቲ መንእሰይ ድማ ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊሩን ጸይሩን ከም’ዚ ንርእዮ ዘለና ተካኢ ብምዃኑ ብልቢ አመስግኖ።

ሕቶ፡- ኣብ ምክትታል ናይ’ዚ ፕሮጀክት ከመይ ነይርኩም?

• እቲ ዝሰርሕ ብድልየቱ፡ ናተይ ኢሉ ከም ዝሰርሖ፡ ዋንነት ከም ዝስመዖ እንተ ተገይሩ ዝዓበየ ቁጽጽር ንሱ እዩ። ኣብ ንብረት ቴክኒካዊ ጸገማት ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ካብኡ እትመሃሮን ብድሕሪኡ እትረኽቦ ተመኩሮን ግን መዳርግቲ የብሉን። ባዕልኻ ሰሪሕካ፡ ባዕልኻ ካብ ስራሕካ ተሞኲርካ ገለ ገለ ናይ ደገ ሓገዛት ዘድልዮ ድማ ካብኡ ተማሂርካ ክትትግብሮ እንተ ኽኢልካ ካብ’ዚ ዝዓቢ ነገር የለን። ድልየት ዘለዎ ሰብ ንኹሉ ክበጽሖ ዘጸግሞ ነገር የለን። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ መለለዪ ደኣ ደይ ንሱ እዩ! ኣብ ቴክኒካዊ መዳይ ናይ’ቲ ስራሕ ምስ እንርኢ እቲ ፋውንደሽን ብምሉኡ ብውሽጣዊ ዓቕምና’ዩ ተሰሪሑ። ኣብ ምትካል ጀነሬተር ድማ እቲ ሸያጢ ኣካል ብምሉኡ ተኺሉ ከረክብ ስለ ዘለዎ፡ ወጻእተኛታት ነይሮም። ኣብ ምትካል ዓንዲ ኤለክትሪክ (ፓሎ)፡ ምዝርጋሕ መስመር ኤለክትሪክ. . . ብውሽጣዊ ዓቕሚ ናይ’ዛ ሃገር ተዓሚሙ። ልዕሊ 80 ካብ ሚእቲ ብውሽጣዊ ዓቕሚ እዩ ተሰላሲሉ። ብዙሕ ዋጋ ክኽፈሎ ዝግባእ፡ ሳላ ጻዕርን ተበላሓትነትን ናይ’ቲ ዜጋ እዚ እንርእዮ ዘለና ጸጋታት ክንረክብ ክኢልና ኣለና። ናይ ብሓቂ እቲ መንእሰይ ወራሲ ሕድሪ ስዉኣት እዩ። ብግብሪ ይትክእ ስለ ዘሎ ከኣ ዘኹርዕ ስራሕ እዩ ተሰሪሑ። ክቕጽል ጥራይ እየ ዝምነ።

ሕቶ፡- ኣብ መወዳእታ ክትብሎ እትደሊ እንተሎ?

• ነቲ ኣብ’ዚ ሃገር ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለ ንምኹላፍ ዝግበር ዘሎ ተጻብኦ ቀሊል ኣይኰነን። ታርጌት ናይ ጸላእትና እቲ ሓድሽ ወለዶ ምእንቲ ከይወርስ ብሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ይኹን ብኻልእ ዝተፈላለዩ ናይ ትሕቲ ሃገራዊ ሽርሕታት ፈቲኖም ክዕወቱ ስለ ዘይከኣሉ ገና ብዝተፈላለየ መንገዲ ካብ ምጽባእ ደው ኣይበሉን። ውግእ ናይ ህላወ ጉዳይ እዩ። ኣብ ግዜ ውግእ ድማ ኩሉ ጸጋታት ናይ ሃገር ኢኻ እተውጽእ። ድሕሪ ውግእ ዝመጽእ ከኣ ዳግመ ህንጻ ናይ ሃገር እዩ። ድሕሪ ውግእ ናብ’ዚ ክትወፍር ከለኻ’ምበኣር፡ ብዙሕ ብድሆታት ወይ ሕጽረታት እዩ ዘጋጥመካ። ስለዚ ነዛ እዋን ስንኻ ነኺስካ ክትሰግራ ክትክእል ኣለካ። ተጻዋርነትን ምጽማምን ድማ ይሓትት። ስለ’ዚ፡ ክብርታትና ብምዕቃብ፡ ብናህሪ ንኽንምርሽ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና’የ ዝብል ኣነ።

Interview-with-Kibreab-Abraham-490




image001.jpg
(image/jpeg attachment: image001.jpg)

Received on Sun Nov 23 2014 - 07:37:01 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved