ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ዶክተር ኤፍሬም ተኽለ..” ፈነዉ ሬድዮ ኣዳል”….

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 23 Nov 2014 16:29:17 +0000

ዶ/ር ኤፍረም ተኽለ
(5 ጥቅምቲ 1956 – 11 ሕዳር 2013)

ዶ/ር ኤፍረም ተኽለ ብ5 ጥቅምቲ 1956፡ ካብ ኣቦኡ ነፍስሄር ኣቶ ተኽለ ዑቑባዮሃንስ ማሉን ፡ ኣዲኡ ወ/ሮ ይሕደጋ
ገብረስላሴ ወልደትንሳኤን ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ኢትዮጵያ ተወሊዱ።

ፍቓድ ፈጣሪ ዀይኑ ፡ ንስራሕ ምስ ወጸ ከይተመልሰ ፡ ብሃንደበታዊ ሕማም ብ11 ሕዳር ፡ 2013፡ ኣብ ቤት- ሳይዳ ፡
ሜሪላንድ ዓሪፉ።

ኤርትራውያን ፡ ጽምዋ ሓበሬታ ከይብሕተና፡ ንዳርጋ ዕስራ ዓመታት ደምበ ሓበሬታ ደሃይ ከየጸመወትን ከየባተኸትን
ንኽትቅጽል፡ “ከቢዱኒ፡ ረብሪበ፡
ኣብርዩኒ” ዝብላ ቓላት ከይወጽአኦ ፡ ስጋብ ዕለተ-ዕርፍቱ ከቢድ ሓላፍነት ጸይሩ ኣሐንቂቑና። ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን
ዝርከብ ኤርትራዊ ፡ ብዛዕባ
ሃገሩን ኩነታቱን እዋናዊ ሓበሬታ ክሰንቕን ፡ ምእንቲ ሃገሩ ክሕለቕን ፡ ክምክትን ዘኽእሎ መድረኽ ዝመድመደን ዘጣጥሐን
ጻዕረኛ ዜጋ’ዩ። ድሃይ
ዝኣክል ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሳተፍሉ መኣዲ ሰሪዑ ዓንጊሉና። በዚ ንማይ-ቤት ደሃይ ዝጾረ ፡ ነቕ ዘይብል ዓንዲ
ማእከልን ጸዋር ገመልን ነይሩ።
በቲ ኻልእ፡ ኤፍረም ፡ ለይቲ ይኹን ቀትሪ ተኣማሚንካ ክትድገፈሉ ትኽእል ጽኑዕ ጸግዒ’ዩ ነይሩ።

 ፈነዉ ሬድዮ ኣዳል ንምስማዕ ኣብዚ Links ጠዉቑ- https://adalvoice.wordpress.com/





kzOrkFLmtf3B2.jpg
(image/jpeg attachment: kzOrkFLmtf3B2.jpg)

Received on Sun Nov 23 2014 - 11:29:22 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved