ግቡእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ናብቲ ንቡር ናብ 18 ኣዋርሕ ክምልስ ምዃኑ ተገሊጹ..."ኣዳል ድምጺ ኤርትራወያን"...

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 23 Nov 2014 16:50:23 +0000

ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተፈልላየ ሃገራት ዓለምና ከም ናይ ዜጋታት ግቡእ ዘይትረፍ ዕዮ ገዛ ኮይኑ ዝሰራሓሉ ግቡእ
ዜጋታት ሃገራት እዃ እንተኾነ ፣ ኣብ ሃገረና ኤርትራ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተሎ ፣ መንእሰያት ኤርትራ ንስለ ሃገራዊ
ኣገልግሎት ዝወፍርሉ ዘይኮነስ፣ ሕደረ ሰማእታታ ንምትግባር ፣ መብጽዓ ዝእተዉሉ፣ ሃገር ዝውሕሰሉን ዝሃነጽሉን ግቡእ ናይ
18 ኣዋርሕ ረዚን ሕድሪ ዘስከም ዕዪ ገዛ እዩ::

ከም ምስላ ኣበዎት፣ ዘራጊ ከሎ ፣ ጸሩይ ማይ ከምዘይስተ ክምዝብሃል ፣ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ወፍሪ
ልምዓት ተሓድሶን ተጸሚዶምሉ ኣብ ዝነብርሉ እዋን፣ ኣብ ግንቦት 1998፣ ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ዓይኒ የብለይ
ስነ የብለይ ኩናት ብምእዋጃን ፣ ሰለስተ ተደጋጋሚ ወራራትን ብምግባሩን፣ ምንጻግ ብይን ወያኔን ፣ ንዝተወሰነ ዉሳኔ
ኮሚሽን ዶባት ዉዱብ ሕብሩት ሃገራት ኣብ ግብሪ ዘይምውዓል ተደሚርዎ ፣ ንሱ ብዝሰዓቦ ዘይርጉእ ኩነታት ዶባት ኤርትራን ኢ
ትዮጳያን፣ካልእ ቀጻሊ ተጸብኦታት ተወሓዊስዎ ነቲ ብእዋጅ ኣብ 1994 ዝተድንገገ ከምኡዉ'ን ኣብ ኣርባዕተ ዙርያታት ኣብ
ግብሪ ዝወዓለ ፣ ግቡእ ሃገራዊ ኣገልግሎ ናይ 18 ኣዋርሕ ፣ንዝተኣወጀ ወራር ንምፍሻለን ድሕነት ጸጥታን ሃገረን
ብምቓዳም ንዘይተወሰነ ግዜ ተናዊሑ ከምዝነበረን ኩሉ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ::

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ቀጻሊ ጻዕረታት ክግበር ድሕሪ ምጽናሑን ፣ ኣብ ናይ ቆሕ
ሰም ከሎ ካልኢት ሰለም ከይበለ ፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ዝካያዶ ሓያል ጻዕሪ ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ተጻፊፉ ብምህላዉ፣
ግቡእ ናይ 18 ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ንቡር ከምዝነበሮ ክምልስ ምዃኑ ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስትታ ኣሜርካ ኣብ
ኤምባሲ ሃገር ኤርትራ ፈጻሚ ህዝባዊ ጉዳያት ኣቶ ብርሃነ ገ/ህይወት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ
ንዘተጋብኡ ኤርትራውያን ኣብ ዝከይዶ ሰሚናር ገሊጹ.።

ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፣ ግቡእ ዜጋታት ምዃኑን ፣ ኣብ ግቡእ ምዱብ ግዜኡን ክፍጸም ከምዝግባእን ፣ ንመንግስቲ
ኤርትራ ሓባርን መኻርን ኣይድልዮን እዩ ፣ ብመትከል ይሰርሓሉን ከምዝነብረን ይፍለጥ ፣ የግዳስ ነቶም እናረእዩ ዕዉራት፣
እናሰምዑ ጸምማት ዝኾኑ ገብርቲ እከይ ጸላእቲ ኤርትራ ፣ ነዚ ብረዚን መሰዋእቲ ዝመጸ ናጽነት ንምክልኻል ዝተነዉሐ
ምኹኑይ ሃገራዊ ገልግሎት ከም ባርነት እዃ እንተተቆጽረ ፣ ነቶም ሕድረ ስምእታቶም ንምትግባር ፣ ዕደመ ንእስነቶም
ንሃገር ዝወፈዩ ጀጋኑ ኣባት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተቐበልቲ ሕድሪ ፣ መብጽዖም ብምትግባሮም ፣ ሓበንን ክብርን እዩ ፣
 ዘበርክትዎ ምያ ድማ ንወልዶታት እናተዝክረ ክንብርዩ ።

ፈነዉ ሬድዮ ኣዳል!

  መግለጺ - ኣቶ ብርሃነ ገ/ህይወት ሬድዮ ኣዳል ንምስማዕ ኣብዚ Links ጠዉቑ -
https://adalvoice.wordpress.com/





bXir3rXf1Yhl.jpg
(image/jpeg attachment: bXir3rXf1Yhl.jpg)

Received on Sun Nov 23 2014 - 11:50:26 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved