Tesfanews.net: ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ዝፍታሕ ብህዝባዊ መኸተ ጥራሕ አዩ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun Nov 23 16:39:19 2014


 <http://www.tesfanews.net/popular-resistance-a-means-to-win-over-our-enemies/> ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ዝፍታሕ ብህዝባዊ መኸተ ጥራሕ አዩ


Posted on 23 November 2014.

ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ . . . . ምሕያል ህዝባዊ መኸተና ከም ቀንዲ ኣማራጺ !

ብ ዘርኦም ሃይሉ፡

ጸላአቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕሱር ስርዐት ወያነን ጎይቶቱን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ከም ነፋሒቶ ሕብሮም ወትሩ ምስቀያየሩ ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ፡ ን ኩነታት ጊዜ መጢጥካ ንሓሶት ናብ ሓቂ ንምቅያርን፡ ንጊዜ ከም ሓደ ካልአ መደናገሪ መሳርሒ ጌሮም ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ሕሱር ሜላ አዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰላም ሃንቀውታ ስለዘሎዎ፡ ገለ ግርሂ (የዉሃት) ኤርትራዉያን ምስ ጎይቶት ወያነ (ምምሕዳር ኣሜሪካን ተኽተልቶምን) ምሕዝነት አንተጌርና ሰላም ክንረክብ ንኽአል ኢና ዝብሃል ኣራኣአያ ኣሎ። አቲ ሓቂ ግና ፡ ምሕዝነት ምስ ጎይቶት ወያነ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን መንግስቲ ኤርትራ ትሓሲሙዎ ኣይፈልጥን አዩ። ኩሉ ጊዜ ክኣ ንምሕዝነትን ንሓባራዊ ጥቕሚ ምስራሕን ቁሩብነቱ ምሰራጋገጸ አዩ። ይኹን አምበር፡ ከምቲ ብሓደ ኢድካ ከተጣቕዕ ዘይካኣል፡ ጎይቶት ወያነ ድሌት ስለዘይብሎም ምሕዝነት ክግበር ኣይተኻአለን። ስለምንታይ ኢዮም ድሌት ዘይብሎም ንዝብል ሕቶ፡ ከምቲ ቕድሚ 60 ዓመታት ኣቢሉ ጆንፎስተር ዳላስ ዝበሎ፡ ናይ ኣሜሪካ ረብሓ ምስ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ኤርትራ አይከዪድን አዩ ዝብል ጉጉይ ኣታሓሳስባ ምምሕዳር ኣሜሪካ ስለዝነበረን ዘሎን እዩ።

እሞ ከምዚ አንተኾይኑ ድኣ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን መንግስቲ ኤርትራ አንታይ ክገበር ኣሎዎ? እታ ሓንቲ ኣማራጺትን መፍቲሒትን ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ጊዜ ገድሊ መኸተ ጥራሕ አያ።

ታሪኽ ጅግንነት ኤርትራዊያን ከምዝምስክሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ን 30 ዓመታት ጸላአቱ መኪቱ ተዓዊቱ አዩ። እዚ ዓወት እዚ፡ ብኣዚዩ ዝሕለፍ ዝይመስል መሰናኽልን ዕንቅፋታትን ሰጊሩ አዩ ኣመዝጊቡዎ። አዞም ሕጂ ንሉኡላዉነቱን ክብሩን ኪግህሱ ሒኽ ዝብሉ ዘሎዉ ታሪኻውያን ጸላአቱ ኽኣ ፡ ካብ ሕጂ ቀደም ዝበርትዑ አዮም ኔሮም። ነቲ ብሓይሊ ብረት ክስዕሩዎ ዘይካኣሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብምድንጋር፣ ብሓሶት፣ ብሸፈጥ፡ ኮታ ስነኣእምራዊ ኩናት ክንዕወት ንኸአል ኢና ኢሎም ብምእማን ፡ አታ ናይ መወዳእታ ኩናት ናይ አከይ ጠልዖም ተታሓሒዞማ ኣሎዉ። ካብ ጸባ ዘይተረኽብስ ካብ ምይ ጨባ ከም ዝብሃል፡ ከምቲ ናይ ቕድሚ ሕጂ ከምዝፈሽል ዘጠራጥር አይኮነን። መዓስ ድኣዮም ጸላአትና ኣላሽ ኢሎም ዝፈሽሉ? አቲ ብ ኽቱር ክንክን ምምሕዳር ኣሜሪካ ሂወት ሶኺዑ ዝኸዪድ ዘሎ ፡ ን ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ን ብሙሉኡ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሳቒ ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ወያነ ማዓስ ኪመውት አዩ? ንዝብል ሕቶታት፡ መልሱ ኣብ ዉሽጢ አቲ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ አትዮጵያን ፍትሒ ንምርካብ ዘካየድ ዘሎ ናይ መኸተ መስርሕ አዩ ዝዉሰን። አዚ ማለት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መንግስቱ ዝገብሮ ናይ መኸተ ቓልሲ ብ ዝላዓለ ተሳቲፉ እጃሙ ምስ ዘበርክትን፣ ኢትዮጵያውያን ዱማ ብዝላዓለ ነተን ኣንጻር ውያነ ንፍትሕን ስላምን ዝቃለሳ ዘለዋ ዉድባቶም ጽኑዕ ደገፎም ምስዘረጋግጹ ፡ ዓወት ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓጺር ጊዜ ክረጋገጽ ይኽአል አዩ። ድሕሪ ዉድቀት ወያነ ድማ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምትሕብባር ዝመልኦ ሰላምን ብልጽግናን ከምዝረክብ ዘጠራጥር አይኮነን።

ኣብዚ ጊዜ`ዚ እቶም ዉሑዳት ተጻዋርንትን ሓቦን ዘጎደሉም ወገናትን ከዳዓትን፡ ሕፍረቶም ሒዞም ሱቕ ከይብሉ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወጺኦም ነቲ ዕሩብን ርቡሽን ሕልነኦም ቅሳነት ንምሃብ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዘረባ ወያነን ጎይቶቱን ክደገሙ ይራኣዩ ኣሎዉ። ንሃርጋፋት ጸላአትና ክኣ ጉጉይ ዝኾነ መዐቀኒ ድኽመት ምልክት ስለዝህቡዎም፡ ኩሉ ተባዕ ተቓላሲ ኤርትራዊ፡ ነቶም ተደናጊሮምን ሓቦ ኣግዲሎምን ዘለዉ፡ ሞራል ኣስኒቑ ናይ መኸተ ዕጥቆም ሸጥ ንኸብሉ ክጽዕር ኣለዎ። ነቶም ከዳዓት (ምስ ጸላኢ ብፍላጥ ዝተሓባበሩ) ድማ ከም ወያነ ሪኢና ንመክቶም። ምስ ወያነ ከምዝጠፍኡ ኽኣ ኣብ ታሪኽና ቅድሚ ሕጂ ዝተራአየ ሓቂ አዩ።

ኩሎም ተባዓት ተቓለስቲ ሃገራዉያን ኤርትራዊያን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝህቡዎ ሪእቶ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘታባብዕን ንልኡላውነትን ረብሓን ሃገረ ኤርትራ ቀዳምነት ዝህብን ክኸዉን ኣሎዎ። ዉሽጣዊ ድኽመታትካ ኣብ መርበብ መራኸቢ ብዙሃን ውጺአካ ምዝራብ ንመኸተ ሓጋዚ አይኮነን። ዉሽጣዊ ድኽመታትና ኩሉ ጊዜ ኣብ ነንሕድሕድና ብ ቑሩብ ይኹን ብብዝሒ ኣብ ንራኸበሉ አዋን ክንግምግሞ ከለና፡ ን መኸተ ሓጋዚ ይኸዉን። ምኽንያቱ ጸላአትና ብዝዓድሙዎ ኣብ ኪናት ተጸሚድና ኣብ ዘለናሉ፡ ኩሉ ጊዜናን ዓቕምናን ኣንጻር ጸላአትና ክቐንዕ ኣሎዎ። ዉሽጣዊ ናይ ኣራኣኢያ ፍልልያትናን ብዝየገድስ፡ ተኸባቢርና፡ ሓድነትና ኣትሪርና እነካይዶ ሓያል መኸተ፡ ንጎይቶት ወያነ ቅኑዕ ክሓስቡን ኣብ መውዳአታ ድማ ቅኑዕ ፖሊሲ ንኽህሉዎምን ዘተባብዕን ዘቃላጥፍን አዩ።

ብኸምዚ ጥራሕ ክኣ ዩ ምሕዝነት ኤርትራ ምስ ጎይቶት ውያነ ክመጽአ ዝኸአል።
???? ?? ??? ???? ??? ??? ???? ?????? ???? ??? ??? ???




image001.jpg
(image/jpeg attachment: image001.jpg)

Received on Sun Nov 23 2014 - 16:39:19 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved