ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ፈለምኡ ንነዊሕ መገሻ እዩ ተዳልዩ “ዓቅሊ ክብራ ረዚን ጻምኣ ምእኩት ምዃኑ ስለ ዝኣመነ” ኣዳል ድምጺ ኤርትራወያን..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 24 Nov 2014 14:35:38 +0000

ህይወት ጉዕዞ እያ። ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ቀጻሊ ጐእዞ እዩ ዝነብር። ምንባር`ውን ቃልሲ እዩ። ኣብ ቃልሲ ክትዕወት ሓይሊ
የድልየካ ። ሓይሊ ካብ ውሽጣዊ ዓቅሚ እዩ ዝውለድ። ኣብ ጉዕዞ ጀሚርካ ንክትውድእ ረዚን ዓቅሊ ይሓተካ። ዓቅሊ ንበዓል
ዕላማ ናብቲ ዘድልዮ ሸቶ እዩ ዘብጽሖ።
ዕጉስ ተጓዓዛይ እዩ ጀሚሩ ዝውድእ እቲ ዕጉስ ዘይውዳእ ስንቂ ኣለዎ ተስፋ። ብርሃን ኣብ ቅድሚኡ እዩ ዝቀርብ። ትዕግስቲ
ሓይሊ እዩ። ርግኣት`ውን እዩ ዝፈጥር፡ ካብ ታህዋክን ምርባጽን ዝኣልይ መንገዲ እዩ ። ዓቅሊ ኣብ ኤርትራዊ ክብርታት
ብቀዳማይ ደረጃ እያ እትጥቀስ። ክብራ ረዚን እዩ፡ ጻምኣ ምእኩት እዩ። ኣቦታትና ክምስሉ ዓቅሊ ዋጋ በቅሊ እካ
ዝብሉ። ትዕግስቲ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኮነ ካልእ ንዋት እያ እትዓዩ ነይራ። ኣብ ናይ ዓወት መገሻ ከኣ፡
ዕጉስ ጐእዞ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ምስጢር ዓወት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር`ውን ዝተከተሎ ዕጉስ ቃልሲ ምካኑ ዘጠራጥር
ምክኒያት የብሉን ።
መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ዝውለድ ጀሚሩ ኣንጻር ገዘፍቲ ማዕበላት እዩ ገጢሙ። ንቃልሱ ግን ብዕጉስ ኣካይዳ እዩ
ተጓዒዝዎ። እቲ ኣብ መጠረሽታ ክዕወት ዘኽኣሎ ሓይሊ`ውን ትዕግስቱ እዩ። ትዕግስቲ ብምኽኣል እዩ ዝፍጠር ። ብምኽኣል
ገደል ይስገር።ዕጉስ ቃልሲ፡ ናይ ምሕሳብን ምስራሕን ዓቅሚ እዩ ዘማዕብል ሃገራውነት ይሃንጽ። ጸላኢ ግን ወትሩ ነዚ
ኣተሓሳስባ ንምዝራግን ናቱ ኣተሓሳስባ ንምስራጽን እዩ ዝጽዕር። እቲ ነዊሕ መንገዲ ዓወት ነዚ ሓቂ እዩ ዘረጋግጽ።
ስለዝኮነ`ዩ
ምእንታኪ`ዩ ኤርትራ እናበሉ ይከኣሎ ዋርሳይ ቅድምን ሕጅን የዒንቶም እናረኣየ፡የእዛኖም እናሰምዐ፡ ምስ ምሉእ
ቀልቢልቦም ኣብ መጋርያ ሓዊ ዝደበሉን ዝዓለላን ሓየትን ዋዕሮን ብዘይ ኣፈላላይ ጾታ ኣብ ኩሉ ብማዕረን ብሓልዮትን
ፍቅርን ፡ ንስካ ጽናሕ ኣነ ክስዋእ እናበሉ`ዮም ንስለ ኤርትራ ተበጅዮም። ንዓይ ይጥዓመኒ ከይበሉ ምእንታናን ምእንቲ`ታ
ዘፍቅርዋ ኤርትራን፡ እታ ሓንትን ክብርትን ዘይትትካእ ህይወቶም ሓንሳብን ንሓዋሩን ምእንታኪ`ዩ ኤርትራ ዓወት ንሓፋሽ፡
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ፡ እናበሉ ብጅግንነት ዝሓለፉ።
ንምሉእ ንባብ - ኣብዚ Links ጠዉቑ https://adalvoice.wordpress.com/




7csFiU2Q8B8U.jpg
(image/jpeg attachment: 7csFiU2Q8B8U.jpg)

Received on Mon Nov 24 2014 - 09:35:42 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved