What Shall I Sing For Eritrea (A Poem-Tigrigna)

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 26 Nov 2014 13:57:13 -0500

"ንኤርትራ እንታይ ኢለ ክደርፈላ።
 
መግለጺ ቃላት ስኢነላ።
ግርም ክብላ ድንቂ
ጥዕምቲ ክብላ ኣረቂ
ክብርቲ'ዶ ክብላ፡ ወርቂ
ሃሪ'ዶ ክብላ ጨርቂ
ሽሻይ'ዶ ክብላ ስንቂ
ሽግር'ዶ ክብላ ጭንቂ
ሓያል'ዶ ክብላ በርቂ
ሓራ'ዶ ክብላ ዕጥቂ
ፍትሒ'ዶ ክብላ ጥብቂ
ንኤርትራ እንታይ ኢለ ክደርፈላ
መግለጺ ቃላት ስኢነላ።
 
ሰበረ'ዶ ክብላ ድርቅቲ
ዕርዲ'ዶ ክብላ ጽንዕቲ
ሓዊ'ዶ ክብላ ባዕባዕ
ጅግና'ዶ ክብላ ተባዕ
ውሻጠይ'ዶ ክብላ ምስጢር
ጭማራይ'ዶ ክብላ ክፍክር
ብስልቲ'ቲ ክብላ ኣንጉዐይ
ሕንቅቅቲ'ዶ ክብላ ጓለይ
ኤረና'ዶ ክብላ ከቀባጥር
ጠስመይ'ዶ ክብላ ክቁንጥር
ንኤርትራ እንታይ ኢለ ክደርፈላ
መግለጺ ቃላት ስኢነላ።
 
ናርገ'ዶ ክብላ ሰተ-ሰምሃር
ሽኮረይ'ዶ ክብላ መዓር
ዓይነይ'ዶ ክብላ ክነብዕ
ዝግነይ'ዶ ክብላ ክበልዕ
ኣሰና'ዶ ክብላ ክስዕስዕ
መርዓተይ'ዶ ክብላ ኩቱሻይ
ስልምቲ'ዶ ክብላ ሕምባሻይ
እኽሊ'ዶ ክብላ ቡቕሊ
ሰጋር'ዶ ክብላ በቅሊ
ሕኛ'ዶ ክብላ ዒላም
ብርለ'ዶ ክብላ ልምጽቲ
ሃንዛ'ዶ ክብላ ልስልስቲ
ሓቢራ'ዶ ክብላ ሰሚራ
ክንየው መረብ'ዶ ክብላ ኤርትራ
ንኤርትራ! ንኤርትራ! ንኤርትራ!
እንታይ ኢለ ክደርፈላ
መግለጺ ቃላት ስኢነላ።
 
ኣንታ'ወ እዛ ጸላኢት ዕዳ
ንመንከ ሰጊዳ! ሰጊዳ!
ደጊም ለጋስ'ዶ ክብላ ግዳ
ሓገዝ'ዶ ክብላ ኢዳ
ክብርቲ'ዶ ክብላ ብዕዮ
ጻድቃን'ዶ ክብላ ብዝጊዮ
ሰማይ'ዶ ክብላ ኣርያም
ርግቢ'ዶ ክብላ ሰላም
ብርሃን'ዶ ክብላ ሽምዓ
ሕንጢት'ዶ ክብላ ቆልዓ
ሎሚ'ዶ ክብላ ጽባሕ
ምዕጉርቲ'ዶ ክብላ ቱፋሕ
ሓፍቲ ተደሃይቲ ክብላ መተዓብይቲ
ተሓጋገዝቲ፡ መማኽርቲ፡ መዓድቲ
ደሃይ! ደሃይ! ደሃይ.......
መቃልሖም "ንዓይ።
 
በሊ ቃልቃል በሊ ዕጸ-ጳጦስ
ጽንዕቲ ከውሒ ከም ሃዋርያ ጰጥሮስ
ንኤርትራ እንታይ ኢለ ክደርፈላ
መግለጺ ቃላት ስኢነላ.........
 
-ሃይለ
 
Received on Wed Nov 26 2014 - 13:57:14 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved