Alenalki.com: ግድል ፍልሰትን ዘላቒ ፍታሑን

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat Nov 29 11:44:48 2014

 <http://alenalki.com/index.php/alenalki-news/510-%E1%8C%8D%E1%8B%B5%E1%88%8D-%E1%8D%8D%E1%88%8D%E1%88%B0%E1%89%B5%E1%8A%95-%E1%8B%98%E1%88%8B%E1%89%92-%E1%8D%8D%E1%89%B3%E1%88%91%E1%8A%95> ግድል ፍልሰትን ዘላቒ ፍታሑን

Published on Saturday, 29 November 2014 10:51

ንሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዓቢ ብድሆ ኮይኑወን ዘሎ ፍልሰትን ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ዝግትኣሉ መገዲ ኣመልኪቱ ዝዝቲ፡ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ፡ ሎሚ 28 ሕዳር 2014 ኣብ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ፡ ሮማ ክካየድ እዩ። ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፍ ዘሎ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ድማ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘሎ መርገጺ ኤርትራን ናይ ፍታሕ እማመን ብዝምልከት ሓሳቡ ከቕርብ እዩ።

ከምዝፍለጥ፡ ፍልሰት ኣህዛብ (Migration) ይኹን ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት (Human traffiking) ሕብረ-ብዙሕ ደራኺ ጠንቅታት ዘለዎ፡ ዝተሓላለኸ ኣህጉራዊን ዓለማዊን ተርእዮ እዩ። ብደረጃ ዓለም፡ ዓመታዊ ሚልዮናት ሰባት “ዝሓሸ ህይወት” ንምንዳይ ብዝብል ሓሳብ፡ ንሓደጋ ብዘቃልዕ ዘይውሑስ ኣገባብ ናብቲ “ምድረ-ገነት” ተባሂሉ ዝሕለሞ ከባቢታት ዓለምና ክግዕዙ ይርኣዩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ኣስታት 17 ሚልዮን ሰባት ንስደት ከምዘምርሑ ጸብጻብ ሕ.ሃ. የመልክት። ኣብዚ ዘይሕጋዊን ሓደገኛን ጉዕዞ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣዳም፡ ብዝያዳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘጋጥም መከራ፡ ጭንቅን መቕዘፍቲን ጸዊኻ ኣይውዳእን። እዚ ኩነት’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ዘውርዶ ዘሎ ሃስያ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። …………………….

ኣብ‘ዚ ታሕቲ ዘሎ ስቱር ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕካ/ኪ ኣምብቦ/ብዮ።

ብርሃነ ሃብተማርያም

 




Received on Sat Nov 29 2014 - 11:44:48 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved