Tesfanews.net: እዛ ሓሳድ ዓይኒ! ክሳብ ትነቝር፡ ደም ቅንኢ ክትዓቝር፡ ጸጸኒሓ ክትነዝዕ፡ ካን ዶ! ኮይንዋ’ዩ? (ካልኣይ ክፋል)

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 6 Apr 2015 11:34:39 +0200

እዛ ሓሳድ ዓይኒ! ክሳብ ትነቝር፡ ደም ቅንኢ ክትዓቝር፡ ጸጸኒሓ ክትነዝዕ፡ ካን ዶ! ኮይንዋ’ዩ? (ካልኣይ ክፋል)

እቶም ቀዳማይ ክፋል ናይ'ዚ ኣርእስቲ ንኸተምብብዎ ዕድል ዘይረኸብኩም፣ ምሉእ ርድኢት ምእንቲ ክትቀስሙ ኣብ'ዚ ዝስዕብ ጥቢቆ ጠዊቕኩም ቅድም ንዕኡ ኣምብቡ። ብርሃነ ሃብተማርያም
http://www.tesfanews.net/tplf-the-green-eyed-monster-i/

እታ ብመልክዕ ሙዚቃዊ ድራማ፡ ብምኵር ኣልቃሲ ዝፈነወት “ወፍሪ ሆሊኮፕተር ኤምኣይ-35” ዝብል ስያመ ዝተዋህ ቴፕ፡ ናብ’ተን ወያነ ብጎድኒ ዘቖመን መርበባት ሓበሬታ፡ ትግራይ ኦንላይን፡ ዓዋተ፡ መስከረም፡ ኣውራምባ፡ ኣስማሪኖ፡ ኣሰናን ምስተጋማደሐ ፡ ከም’ቲ ጃንዳ ዝሓለሞ፡ ሰባት ከየሻቐለት፡ መልእኽቲ ከየመሓላለፈት በርዒና ተሪፋ። ኣዬ ውርደትን!

ተወልደ ብእምነት

ማዝያ 06፣ 2015.

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ ብሓባር ክንተናኽፎ ዝጸናሕና ነጥብታት፡ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝምዕብል ዘሎ ሓቅታት፣ ወያነ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብተላኣኣኽነት መጋበርያ ኮይኑ ክፈጥሮ ዝጸንሐ ጸገማት፡ ክንፍታት ተልእኾኡ ተሰላሊዑ፡ ሎሚ ናይ ምግባርን ምኽዳምን ኣኻእልኡ ክዳኸም እንከሎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ፡ ከም ስርዓት ንቀጻልነቱን ህላውነቱን፡ ዘየዋጽእ፡ ሓያል ዘይዕገት ተጻብኦታት ካብ ህዝብን ሰራዊትን ክገጥሞ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ፖለቲካዊ ወጥርን ቅልውላውን እናተለለወ ኢዩ።

ብፍላይ ነቲ ካብ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ዝተጓኖፎ ሓያል ጽፍዒት፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ምኵራት ላዕለዎት መኮንናት፡ ብተኻታታሊ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምህዳም፡ ካብኡ ሓሊፉ ካብ’ቶም ናተይ ዝብሎም ከይተረፉ (ኣብረርቲ ኣየር) ሄሊኮፕተር ሒዞም ምስዋር፡ ነቲ ጃንዳ ሓንቲ ካብ’ተን ንኣእምርኡ ዝሰወረት ወቕዒ ብምንባራ፡ እዛ ኣብ’ታ ዝሐለፈት ሰሙን ዝፈነዋ ቴፕ፡ ናይ ሓዘን መግለጺ፡ “ወፍሪ ሆሊኮፕተር ኤምኣይ-35” ዝብል ስያመ ዝተዋህባ መልቀስ፡ ብመልክዕ ሙዚቃዊ ድራማ፡ ብጥንቃቐ፡ ብምኵር ኣልቃሲ (ኣልቓሽ) ተቐሪጻ ናብ’ተን ብጎድኒ ዘቖመን መርበባት ሓበሬታ፡ ትግራይ ኦንላይን፡ ዓዋተ፡ መስከረም፡ ኣውራምባ፡ ኣስማሪኖ፡ ኣሰናን ከም እትጋማዳሕን ተጌሩ። እቲ ዘገርም፡ ኣብ’ተን ብወግዒ ዝፍለጣ መራኸቢ ብዙሓን’ቲ ስርዓት ኣይተዘርገሐትን። እታ ፈነወ ናይ ሽርሕን ቅጥፈትን ምዃና ድማ ኣቀዲምካን ኣጸቢቕካን ንኽትፈልጥ ጊዜ ኣይወሰደትን። ኮይኑ ግን፡ ኣብ’ዚ ዝቕጽል ዝርዝራተይ፡ እታ ቴፕ ከተማሓላልፎ እተደለየ፡ ጨመተኣ ናብ መን ከም ዘነጻጸረት ሓደ-ሓደ ነጥብታት ክጠቅስ። ..............................

ኣብ'ዚ ታሕቲ ዘሎ ስቱር ሕጥበ-ጽሑፍ (PDF) ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኹም። ሰናይ ንባብ!
ብርሃነ ሃብተማርያም
 

Received on Mon Apr 06 2015 - 05:34:40 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved