( ድምጺ ኣመሪካ) ቃለ-መጠይቕ አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕቡራት ሃገራት ግርማ አስመሮም

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 23 Oct 2015 21:45:14 +0000 (UTC)

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ንሶማልያን ኤርትራን ዝምልከት ውሳኔ ኣሕሊፉ፣ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ’ውን ኣናዊሕዎ

23.10.2015 22:40

ዋሽንግተን ዲሲ—


እቲ ቤት ምኽሪ፣ ተቖጻጻራይ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ከምዝሓገዘ ዘረጋግጽ መርተዖ ኣይረኸበን፣ እንተኾነ ኤርትራ ንናይ’ቲ ዞባ ዕጡቃት ጉጅለታት ትሐግዝ ኣላ ብዝብል ሪፖርት ጉጅለ ተቖጻጻራይ ከምዝተሻቀለ ሓቢሩ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ካብ ዝተጋጨወትሉ ቅድሚ 7 ዓመታት ንዳሓር፣ብዛዕባ ሃለዋት ጂቡታዊያን ምሩኻት ኹናት ሓበሬታ ንክትልግስ ሓቲቱ።

ናይ’ዚ እዋን ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ እንግሊዛዊ ኣምባሳደር፣እቲ ንሶማልያን ኤርትራን ዝምልከት ውሳነ፣ናብ ድምጺ ድሕሪ ምቅራቦም፣ ብ14 ደገፍ፣ ዜሮ ተኣቅቦን፣ 1 ተቃውሞን ሓሊፉ’ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ዘሕለፎ ውሳነ፣ንናይ ገዛእ ርእሱ ሕጋዊ ስልጣን ዘናኣኣሰ’ዩ’ ክብል ነጺግዎ። ‘ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኤርትራን እቲ ዞባን ክህሰዩ’ዮም፣ እቲ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ ግና ዓለም-ለኸ ሕጊ’ዩ’ ይብል መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕቡራት ሃገራት ግርማ አስመሮም አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ድሕሪ ስነ-ስርዓት ድምጺ ኣብ ልዕሊ’ቲ ረቂቅ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዝምልከተን ሃገራትን ዝሃብዎ ሪኢቶ ኣተሓሒዝና ኣቅሪብናልኩም ኣለና (ብእንግሊዝኛ’ዩ)

#ቃለ-መጠይቕ አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕቡራት ሃገራት ግርማ አስመሮም

#ድሕሪ ስነ-ስርዓት ድምጺ ኣብ ልዕሊ’ቲ ረቂቅ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዝምልከተን ሃገራትን ዝሃብዎ ሪኢቶ ኣተሓሒዝና ኣቅሪብናልኩም ኣለና (ብእንግሊዝኛ’ዩ)

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይከአል።

http://tigrigna.voanews.com/content/un-security-council-resolution-on-eritrea-and-somalia/3020534.html
Received on Fri Oct 23 2015 - 17:45:23 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved