​​ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ንሶማልያን ኤርትራን ዝምልከት ውሳኔ 2244 ኣሕሊፉ፣ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ዘንበሮ እገዳ’ውን ኣናዊሕዎ

From: Ibrahim Idris Suliman <eboeri30_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 24 Oct 2015 01:08:46 -0600

http://m.tigrigna.voanews.com/a/un-security-council-resolution-on-eritrea-and-somalia/3020534.html

አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕ/ሃ አቶ ግርማ አስመሮም

​እቲ ቤት ምኽሪ፣ ተቖጻጻራይ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ከምዝሓገዘ ዘረጋግጽ መርተዖ
ኣይረኸበን፣ እንተኾነ ኤርትራ ንናይ’ቲ ዞባ ዕጡቃት ጉጅለታት ትሕግዝ ኣላ ብዝብል ሪፖርት ጉጅለ ተቖጻጻራይ ከምዝተሻቀለ
ሓቢሩ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ካብ ዝተጋጨወትሉ ቅድሚ 7 ዓመታት ንዳሓር፣ብዛዕባ ሃለዋት ጂቡታዊያን ምሩኻት ኹናት
ሓበሬታ ንክትልግስ ሓቲቱ።

ናይ’ዚ እዋን ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ እንግሊዛዊ ኣምባሳደር፣እቲ ንሶማልያን ኤርትራን ዝምልከት ውሳነ፣ናብ ድምጺ
ድሕሪ ምቅራቦም፣ ብ14 ደገፍ፣ ዜሮ ተኣቅቦን፣ 1 ተቃውሞን ሓሊፉ’ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ዘሕለፎ ውሳነ፣ንናይ ገዛእ ርእሱ ሕጋዊ ስልጣን
ዘናኣኣሰ’ዩ’ ክብል ነጺግዎ። "ንዝሓጸረ እዋን ንኤርትራን ነቲ ዞባን ክሃሰዮ’ዩ፣ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ግና እቲ ግዳይ
ዝኸውን ዓለም-ለኸ ሕግን፡ ምምራት ሕጋዊ ስልጣን ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን`ዩ "

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ አምባሳደር ኤርትራ አብ ሕቡራት ሃገራት ግርማ አስመሮም አብዚ ምስማዕ ይኸአል


Ibrahim I. Suliman.
Cyber Adal press & publishing


60937ADE-C492-4CC4-A416-A171C9A55B55_w400_r1_s.jpg
(image/jpeg attachment: 60937ADE-C492-4CC4-A416-A171C9A55B55_w400_r1_s.jpg)

DE84D770-03CA-4D52-8BBE-95862BFE3738_cx0_cy9_cw100_w400_r1.jpg
(image/jpeg attachment: DE84D770-03CA-4D52-8BBE-95862BFE3738_cx0_cy9_cw100_w400_r1.jpg)

Received on Sat Oct 24 2015 - 03:08:48 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved