Erigazette.org: ነዚ ብወርቂ ቀለም ዝተጻሕፈ ገድልና መን እሞ ክድምስሶ ይከኣሎ፧…

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 26 Oct 2015 19:00:00 +0100
Oct 26, 2015
እዞም ዓሰርተ ጊዜ በሉ እናተበሃለልኩምን ዝዝረበልኩምን ዘሎ ኣጓብዝሲ ኣበየናይ ዓለም ዲኹም ትነብሩ፧ ወይስ ብሓቂዶ ክሳብ ክንድዚ ዓያሹ ኢኹም፧ ወይስ ትቓወምዎ ነገራት ሲኢንኩም ዲኹም ኣብ ግራጭ ክትኣትዉ ደሊኹም ዘልኹም፧ ብፍላይ ኣንታ ፓይሎት ዝብሉኻ ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢእካ፡ ንዓመታት ዝኣክልል ሻዕብያ ከምዚ ገበሩ፡ ከምዚ ድማ ደገሙ እናበልካ፡ ሰብ ከተታልል ዝነበርካስ፡ ለካ ሕቡእ መልእኽቲ ነይሩካ ኢዩ። ለካ “ሰራቅ ሞባእ ባዕሉ ይለፋለፍ” ዝተባህለስ  ከምዚ ኢዩ።
 
ንስካን ብጾትካን ንምንታይ ተዛረብካ ኣይበልኩን ጌጋ ከትርድኣኒ፡ ብርግጽ ናይ ምዝራብን ምቅዋምን ምእማንን ምኽሓድን ኩሉ መሰል ናይቲ ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ፍጡር እኳ እንተዀነ፡ ንስኻን ብጾትካን፡ ካብ ደረትኩም ሰጊርኩም ንርኡይን ግሁድን ዝዀነ ሓቂ፡ ብወርቂ ቀለም ዝተጻሕፈ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፈታውን ጸላእን ዝእመኖ፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ዝደመቐ ሓቂስ፡ ካን ይከሓድ እንተ በልኩምሲ፡ ብሓደኣፊቱ ሕንኽ ከይበልኩም ጉልባቡ ዝቀልዔ ክሕደት ክትክሕዱ፡-
 
ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ሽፍትነት እዩ ነይሩ
እቶም ዝተሰውኡ፡ ኣካሎም ዝጎደሉ ንእስነቶም ዘወፈዩ ሸፋቱ እዮም ነይሮም
ኢል ጸሓይ ዘሕረረቶ ጸለመ ሒዝካ ወፍሪ ካበይ ኣምጻእኩምዎ፧
ወያነ ከምኡ ዝኣመሰለ ነውራም መልኽቲ ኣስኒቑ ይልእኸኩም ኢዩ ኢለ ኣይኣምንን።
ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ ከም ዘለኩም ግና ዘጠራጥር ኣይኰነን።
 
ወይ ድማ ብሓቂ ሰይጣን ዓሺርኩም ኣሎ እምበር፡ ከምይ ኢልኩም ጠለዓት ኣጓብዝ፡ ነቲ ብወርቂ ቀለም ዝተጻሕፈ ገድሊ ኣያታትኩም ኣቦታትኩምን ዝዀነ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ እዝንኹም እናሰምዔ፡ ዓይንኩም እናረኣየ፡ ሽፍትነት ክትብልዎ በቓዕኩም፧ እምብኣር ክመክረኩም፡ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ገድሊ ድኣምበር ሽፍትነት ኣይነበረን። ንሕና ክንጋደል መዋእል ንእስነትና ዘሕለፍናን፡ ኣካልና ዝጐደልናን፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣሽሓት ስዉኣት ጀጋኑና ንእስነቶም ከይጸገቡ ኣብ ሓመድ ቀቢርናዮም ዝመጻና ኣያታትኩምን፡ ንዓኻትኩምን ንከምዚ ኸማኻትኩምን ነጻ ከነውጽእ ድኣምበር ሸፋቱ ኣይነበሩ። ሰይጣን ዓሺርኩም ገድልኹም ኣይንፈልጦን እንተበልኩም ግና፡ ካብ ከርስኹም ዝወጹ ደቅኹም ክእመንዎ እዮም እሞ፡ ዳግማይ ካልኣይ ወጮ ክትኽደኑ ኢኹም።  
 
ምናልባሽ ደዀን ኣብ ምሉእ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ማይ ኣየስተናንን፡ እንጌራ ኣየቀበልናን፡ ሓንቲ ጥይት እኳ ኣይተዀስናን፡ ንዘመነ ገድሊ ኣብ ቀሚሽ ኣዴና ተሓቢእና ኢና ኣሕለፍናዮ፡ ስለዚ ወጮ ሕፍረት ስለ ዝተጐልበብና፡ በጃኻትኩም ወጮ ሕፍረት ኣይተጐልብቡና ድኣ ትብሉ ከይትህልዉ፧ ከምኡ እንተ ኰይኑ ጸገምኩም፡ ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍዶ ኣብ ልዕሌኹም ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ እኳ ለዋህን መሓርን ስለ ዝዀነ፡ ቀደም ኢዩ ምሒርኩም። እንተዘይኰነ ይትረፍዶ ኤሪትራውያን ደቂ ሓራስ ነብሪስ፡ እቶም ንጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ብኣፎምን ብልቦም ዘድነቅዎ ሓቀኛታት ጐረባብትናን ዓለምን፡ ንነውርኩም ጽቡቅ ገይሮም ወጮ ሕፍረት ክኸድኑኹም ጸገም የብሎምን። ስለዚ በጃኻትኩም ነውራም ዘረባ ይኣኽለኩም መስጣ ኣለዎ።
 
ካብ ይኣክል ዝብለኩምን ዝሓልየልኩምን ኣያኹም  ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ
Received on Mon Oct 26 2015 - 14:00:01 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved