Tigrigna.Voanews.com: "ምስ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ተበጊሶም ዝነበሩ ገለ ጉጅለ ኣብ በረኻታት ሱዳን ተሓቢኦም ስለዘለዉ ክንመልሶም ንፍትን ኣለና" ም/ኣቦ-መንበር ድምሕት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 17 Sep 2015 23:56:00 +0200

ኣቶ መኮነን ተስፋይ ድምሕት 25 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ዝሓዘ`ዩ፡ ካብኦም ከኣ ወላ ሓደ ምስ ኣቶ ሞላ ዝኸደ የለን ይብል

ኣቦ-መንበር ደምሕት ዝነበረ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም ፡ምስ ዝተወሰኑ ኣባላቱ ብሱዳን ጌሩ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዉ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ዝወሃብ  ዘሎ ርኢቶታት  ዝተረሓሓቐ `ዩ።  ኣቶ ሞላ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ደምሕት ዝተወደበን ዝዓጠቐን ውድብ ከምዘየለን፡ ናይ በዓል ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ መሪሕነት ንስእልን መለምኒ ግንዘብን ጥራሕ ከምዘገልግልን ተዛሪቡ ኔሩ።

ትማሊ ካብ ኣቶ ሞላ ዝሰማዕናዮን ካልእ ሓዲሽ ምዕባለታትን ኣሎ እንተኾይኑን መሰረት ዝግበረ ቃለ-መጠይቕ ምስ ምኽትል ኣቦ-መንበር ደምሕት ኣቶ መኮነን ተስፋይ ተኻይዱ`ሎ።

ቃለ-መጠይቕ ም/ኣቦ-መንበር ድምሕት ኣቶ መኮነን ተስፋይ
http://tigrigna.voanews.com/audio/2966592.html
Received on Thu Sep 17 2015 - 17:56:01 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved