(Haddas Ertra) በዓል ጥምቀት፡ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ማዕርግ ተኸቢሩ

From: Yemane Abselom <yemane.abselom_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 20 Jan 2017 13:15:21 -0500

*በዓል ጥምቀት፡ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ማዕርግ ተኸቢሩ*

በዓል ጥምቀት፡ ትማሊ 19 ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ ማዕርግ ተኸቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መእመናን ኣብ ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ብድሮ ካብ
ኩለን ኣብያተ-ክርስትያን ብመእመናን ተሰንዮም ኣብ ባሕረ-ጥምቀት ዝሓደሩ ታቦታት፡ ብወከልቲ መዘምራን በዓል ተራ ደብሪን
ሕብረት ውሉደ-ክህነትን ሰበኻ ተኻይዱ። ብመሪሕነት ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ድማ ቡራኬን ኣስተምህሮን
ተዋሂቡ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ብመሪሕነት ብጹእ ኣቡነ ሉቃስን ሊቃውንትን ኣብ ዙርያ ባሕረ-ጥምቀት ቅዳሴን ጸሎተ ወንጌልን ዓሪጉ።
ኣብ’ቲ በዓል፡ መምህር ኤልያስ ሃብታይ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ በዓል ጥምቀት ዝምልከት ስብከት ኣስሚዖም። ብመሪሕነት ብጹእ
ኣቡነ ሉቃስ፡ ብጹኣን ጳጳሳትን ሊቃውንትን ባሕረ-ጥምቀት ተባሪኹ ናብ ህዝቢ ምስ ተነጽገ ድማ፡ ካህናት ነቲ በዓል
ዝምልከት ዜማ እናስምዑ ኣስረጊጾም።

ኣብ መወዳእታ፡ ቡራኬ ምስ ተዋህበ፡ ታቦታት ብምእመናን ተሰንዮም ነናብ ኣድባራቶም ተመሊሶም። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡
 ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ብምውካል - ዋና ዳይረክተር ምምሕዳርን ፋይናንስን ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ብርሃነ ነጋሽን
ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳቲፎም ነይሮም። ኣብ ኩለን ዞባታት እውን ብተመሳሳሊ፡
ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከም ዝበዓለ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።





images-003.jpg
(image/jpeg attachment: images-003.jpg)

Received on Fri Jan 20 2017 - 13:15:23 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved