(Haddas Ertra) ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣካዪዶም

From: Yemane Abselom <yemane.abselom_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 20 Jan 2017 13:29:23 -0500

*ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣካዪዶም*



*​*








*ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ኣብ ከተማ ፊላደልፊያ
ንዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብ15 ጥሪ 2017 ህዝባዊ ሰሚናር ኣካዪዱ።ኣቶ ብርሃነ፡ ኣብ 2016 ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን
ንዝተሳላሰሉ ዓበይቲ ንጥፈታት መኸተን ልምዓትን ብኣብነታት ኣሰንዩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ 2017 ንዝጽበዩና ሃገራዊ
መደባት ብዝርዝር ኣብሪሁ።ተሳተፍቲ፡ እገዳ ንምስዓርን ቊጠባዊ ልምዓት ንምርግጋጽን ዝካየድ መደባት ንምዕዋት ቅሩብነቶም
ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ንመዐደጊ ኤሌክትሮኒካዊ መንበቢ ዝውዕል ሽውዓተ ሽሕ ዶላር ኣዋጺኦም።እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡
3ይ ዓመታዊ ዋዕላ ውዳቤታት ንኡስ ጨንፈር ሰሜናዊ ምብራቕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብ13ን 14ን ጥሪ ኣብ
ላንካስተር - ፐንሲልቫንያ ተቓኒዑ።ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ውዳበታት ህግደፍ፡ ሃማደኤን መንእሰያት ህግደፍን ዓመታዊ ጸብጻባተን
ብምቕራብ፡ ንመጻኢ መደባተን ዘሐይል ውሳነታት ኣሕሊፈን።ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት ኣብ ምብራቓዊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡
ኣቶ ዳዊት ሃይለ፡ ምሕያል ውዳቤ፡ ምስሳን ኣባልነት፡ ውድባዊ መምርሒን ዲስፕሊንን ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት መብርሂ
ሂቡ። ኣብ መወዳእታ ዋዕለኛታት፡ መኸተኦም ንምሕያል ዘለዎም ቅሩብነት ብምርግጋጽ፡ ናብ ምዕዛዝ ህዝባዊ ተሳትፎ ኣብ
ሃገራዊ ጉዳያትን ምሕያል ሃገራዊ ሽማግለን ዝቐንዑ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፎም።ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ
ኤርትራ ኣብ ኮፐንሃገን - ዴንማርክ ድማ፡ ብ7 ጥሪ ካልኣይ ጉባኤኡ ኣካይዱ።ኣብ’ቲ ወከልቲ ካልኦት
ሃገራውያን ውዳቤታት’ውን ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፡ ኣበርክቶ ጨንፈር ኣብ ሃገራዊ መደባት ንምድንፋዕ ብኣባላት ክግበር ዘለዎ
ኣበርክቶ፡ ውህደት ስራሕ ምስ ሃገራውያን ማሕበራትን ውዳቤታትን ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ዛዕባታት ዘተ ተኻዪዱ።*


images-004.jpg
(image/jpeg attachment: images-004.jpg)

Received on Fri Jan 20 2017 - 13:29:25 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved