ገጽ-መጽሓፍ፡ ባእታታት ከደምቲ ስርዓት ወያነን ቁንጣሮ ከድዓት ሃገርን ብዕጡቓት ከባቢ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ተማሪኾም።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 28 Jan 2017 22:58:23 +0100
 
 
 
 
ባእታታት ከደምቲ ስርዓት ወያነን ቁንጣሮ ከድዓት ሃገርን ብዕጡቓት ከባቢ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ተማሪኾም።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ደቡብ ጉናጉና ኣብ ሳንዳ ደብብባዊ ቀይሕ ባሕርን ዝተበሃላ ዓድታት ብወያነ ዝተላእኹ ጸየቅቲ ብዕጡቃት ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ሓይሮም ንሓይልታት ምክልኻል ምክልኻል ኣረኪቦሞም። እቲ ዝገርም ካብቶም ኣብ ካብቶም ኣብ ዞባ ደቡብ ተታሕዙ እቲ ሓደ ካብ እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰን ክልተ ናእሽቱ የሕዋቱ ኣብ ምክልኻል ዘለውዎ እዮ። (ንየሕዋቱን ስድርኡን ክብሪ ሽሙ ንሕጂ ክዕቅቦ እየ ምኽንያቱ ስድራ ሓደ ውላዳ ኣሰዊኣ ክልተ ኣብ ምክልኻል ኣሰሊፉ በዚ ምውት ሽማ ክኸፍእ ኣይባእን) ግና ካብቶም ፍሉጣት ምስ ወያነ ብምሕባር ኣብ እስራኤል ኮይኑ ዝነጥፍ ዝነበረ ከዳዕ እዮ። እቶም ዝሓዝዎም ደሓር ንሓይልታትና ክገልጹ ከለው፣ ንሱ ካብቶም ንህዝቢ ኣኪቡ ንክዛረብ ሓላፍነት ዝተወሃቦን ኮይኑ ሳንጥኡ ምስ ተፈተሸ ናቅፉ ናይ ኤርትራ ናይ ሱዳን ገንዘብን ዶላር ኣሜሪካ ብዙሕ ዶክሜንታትን ዝተረኽበሉን እዮ።

እቶም ሃሱሳት ነቲ ህዝቢ ክእከብ ምስ ጸውዑ እቶም ህዝቢ ናይ መንግስትና ዲኹም ብምባል ምስ ሓተቱ እወ ኢና ተኣከቡ ተባሂሎም ውሕዳት ተኣኪቦም ግና ክሓቱ ጀመሩ። ነዚ ሕቶታት ከተሃዳድእ ንሕና ካብ ማእከላይ ምምሕዳር ኢና እቲ ምምሕዳር ናይ ንኡስ ዞባ ከይሕብረኩም ከኣ ትፈልጡ ኡኹም። ኣብዚ ከባቢ ሞባይል ንግዚኡ ይሰርሓ ዘይምህላወን እምበር መፍለጥኹም ኔሮም፣ እኳ እንተበለ እቲ ሕቶ ካብ ጸላኢኡ ዝፈጥ ህዝቢ ቀጸለ ደኣ። ካብ ደቅና ኣይትመስሉን ኢኹም። እዞም ምሳኻ ዘለው ደቅና ኣይመስሉን፣ ነቶም ሰለስተ ዝኾኑ ዕጡቃት ናይ ወያነ ብምምልካት። ንሱ ግና ናትና እዮም ግና ዕጥቂ ናይ ኣኼባ ንምሕላው ብረትኩም ኣውሪድኩም ኮፍ በሉ በሎም። እዛ ዘረባ ዘይተዋሕጠትሎም ክልተ ኣባላት ምልሻ ብቅጽበት ብረቶም ኣብ ተጠንቀቅ ብምግባር መንግሲቲ ኣኼባ ክገብር ከሎ ብረት ኣውርዱ ኢሉና ኣይፈልጥን ብምባል ትእዛዝና ከኣ ብረት ከይነውርድ እዮ ብምባል፣ ኣጻብዕቲ ኣብ ቃታ ብምግባር ብረቶም ተኸሉሎም። ዋላ እኳ እቶም ዕጡቃት ሓሙሽተ እንተነበሩ በቶም ሰለስተ ኣባላት ምልሻ ብሃንደበት ብረት ምውጥዋጥ ተዳህሉን ዘይተጸበይዎ ሃንደበት ስለ ዝኾኖም ገና ብረቶም ኣብ ሞንከቦም ከላ ቅዝዝ በሉ። ኣብታ ክእከቡላ ዝሓሰቡ ብሳዕሪ ተሰረሐት ኣዳራሽ ተፉጠጥ ኮነ። እቲ መራሒ እየ በሃላይ ሽጉጥ ዝዓጠቀ ሃሱስ፣ ነቶም ምልሻ ብረት ኣብ ናይ መንግስቲ ሉኻት ምውጥውጥ ብሕጊ ዘእስሮም ምዃኑ ብምግላጽ ብረቶም ከውርዱ ኣጉባባዓሎም። እቶም ዕጡቃት ኣሰነይቱ ግና ናብ ማይ እዮም ተቀይሮም። ዘይተጸበይዎ ረኸቡ እንታይ እሞ ይገበር ጀጋኑ ደቂ መሬት ረኺቦም። እቲ ሓላፊ እቶም ሃሱሳት እቲ ኩነታት ብምምዛን እዮ ዝኸውን፣ ምኽንያቱ እቶም ናቱ ዕጡቃት ጌና ጠረፔዛ ገለ ከተዓርዮን ንዑ ከጣጥሕሉ ኣኼባ ክጅምር ብቅድሚት እዮም ኔሮም። እቶም ዕጡቃት ምልሻ ግና ብክልቲኡ ክፉል ናይ ገዛ ጥራሕ ዘይኮኑ ብረቶም ዓሚሮም ኣነጻጺሮም ነቲ መራሒ ጉጅልኦም ይከታተሉ ነበሩ።

እቶም ወያነ ዝለኣኾም ዕጡቃት ኣብ መፈንጥራ ዝኣተወት ደርሆ መሲሎም ቅዝዝ በሉ። ከይፍትኑ ግና ይፈልጡ እዮም ብረቶም ከየውረዱ ከምዘውድቅዎም። ነዚ ዝተረድኤ ሓላፊ ከኣ ብምፍርራሕ ጥራሕ ብረቶም ከውርዱ እንተዘይኣውሪዶም ግና ብሕጊ ክሕተቱ ምዃኖምን ሕጂ ህዝቢ ከየወድኡ ከለው ናብ ኣመሓዳሪ ብሓንሳብ ክኸዱ ሓተተ። ገለ ከዘንግዕ ዕድል እንተረኸበ ኢሉ ዝመሃዞ እዮ። እቲ ምምሕዳር ርሑቅ ምዃኑ ከይፈለጠ ኣይተረፈን። እቶም ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ከኣ ንመራሒ ጉጅልኦም መልሲ ክህብ ተጸበዩ። መራሒ ጉጅለ ለኣከ ሓራይ ንኣመሓዳሪ ከንጽውዖ ኢና፣ ግና ህዝቢ ክወጹ ኣዘዘ ብጀካ ክልተ ኣቦታት ምስ በትሮም ካልኦት ወጺዮም ኣብቲ ኣፍደገ ዕጉግ በሉ። እቲ ሃሱስ ስጋብ ሰብ ሊኢኾም ምምሕዳር ዝጽውዑ ግዜ ከምዘለዎ ፈሊጡ ፍሽኽ በለ። መራሒ ጉጅለ ለኣከ ከኣ በሉ ሕጂ ብረትኩም ኣውርዱ ንምምሕዳር ክንጽውዕ በሎም። እቲ ሃሱስ ሓላፊ ግና ናይ መንግስቲ ብረት ኣይነውርድን ምምሕዳር ከይመጹ ብምባል ሓንገደ። መራሒ ጉጅለ ሓራይ ግና ዝኾነ ሃንደበታዊ ምንቅስቃስ እንተጌርኩም ሂወትኩም ኣብ ኢድኩም እያ ዘላ በሎም፣ ናብ ሓደ ብጻዮ ቅርብ ኢሉ ከኣ ሕሹኽ በሎ። ዓው ኢሉ ከኣ ንምምሕዳር ክጽውዕ እዮ በሎም። እቲ ሃሱስ እቲ መልክተኛ ናብ ምምሕዳር በጺሑ ሰብ ሒዙ ስካብ ዝምለስ ኣርብዓ ደቂቅ ዝኸውን ግዜ ምግዝኡ ፈሊጡ ርግእ በለ። 30 ሰከንድ ከይጸንሐ ግና ቶግ ቶግ ቶጎግ ቶግ ዝብል ናይ ቶኽሲ ድምጺ ጥይት ክስማዕ ጀመረ። እቲ ቶኽሲ ቀጸለ፣ ድሕሪ ቁሩብ ደቃይቅ ከኣ ምልሻን ኣባላት ምክልኻልን ምልሻን ነቲ ከባቢ ብኹሉ ኣቅጣጫ ክፈስዎ ጀመሩ። እቶም ሃሱሳት ከኣ ኣብ ቀይዲ ኣተው። ሳላ ቅልጡፍ ሓሳብ መራሒ ጉጅለ ልኣከ፣ ንብጻዩ ኣብ ደገ ወጺኡ ንላዕሊ ሱቅ ኢሉ ክትኩስ ኣዚዝዎ። ይፈልጥ ኔሩ ምልሻ እቲ ከባቢ ይኹን ካልኦት ቶኽሲ ሰሚዖም ስቅ ከምዘይብሉ። ንኤርትራዊ ክትስዕር ዘይከኣል ኩሉ ልዕሊ ጸላኢ ስለ ዝሓስብ እዮ!

 
Received on Sat Jan 28 2017 - 16:58:26 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved