ሓሙስ, ለካቲት 18, 2016
መንግስታት እንግሊዝ፡ ኖርወይን ዩናይትድ ስቴትስን፡ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታተን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፈን
ብሰንኪ`ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኽልል ኦሮሚያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኸባቢ ከተማ ሻሸመኔ ዝተፈጥረን ህይወት ዝጥፍኤን ግጭት፡ ኖርወይን፡ እንግሊዝን ኣመሪካን ንዜጋታተን ናይ መገሻ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፈን ኣለዋ።እዘን ሃገራት በተወሳኺ ዜጋታተን ፍሉይ ጥንቃቐ ክገብሩን፡ ሓዲሽ ምዕባለታት ክከታተሉን መኺረን ኣለዋ።
ዋሽንግተን—ኣብ ምስ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያን ሶማልን ኣብ ዘዳውብ ኸባብታት`ውን ከይንቀሳቐሱ መኺረን ኣለዋ።
ነቲ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ዞባ ኣርሲ ኣብ ከተማታት ሻሸመኔን ኣጀን ዝተፈጥረ ግጭት ዝጠቐሰ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣመሪካውያን ኣብዚ ሰዓት`ዚ ናብዘን ቦታታ ገጾም ከይንቀሳቐሱ ምዒዱ`ሎ።
ሚኒስትር ኮሚንኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንተሌቪጅን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብጣዕሚ ዝተወደቡን ዝተዓጠቁን ኣጥቃዕቲ ንሰራዊት ምክልኻል ከምዘጥቅዑ ገሊጹ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
http://tigrigna.voanews.com/content/uk-norway-and-america-advised-nationals-not-to-go-to-oromia-region-in-ethiopia/3195388.html
___________
ክልል ኦሮምያ፡ ተቓውሞ ተማሃሮ ቀጺሉ'ሎ ይብሉ ነበርቲ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ግን ናይ ሎሚ ብዓይነቱ ፍሉይ'ዩ ኢሎም
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ አርሲ ካብ ቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ተማሃሮ ኣብ ሻሸመኔ ዝተኣሰሩ ኣሕዋትና ይፈትሑ ማስተር-ፕላን ኣዲስ ኣበባ ከምዝተባህለ ይወገድ ብዝብል ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱ ሓደ ነባሪ'ቲ ቦታ ገሊጾም።
18.02.2016
ዋሽንግተን—ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተአሰሩ ይፈትሑ ማስተርፕላን አዲስ አበባ ከምተባህለ ይሰረዝ ዝብል ተቓውሞ ተማሃሮ ቀጺሉ'ሎ ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም።
ብተወሳኺ እቶም ነበርቲ ሎሚ'ውን ተማሃሮ አብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ባንዴራ ኦነግ ክሰቅሉ ተረኺቦም ብምባል ሓሙሽተ ካብኣቶም ተዓፊኖም ወሲዶሞም ኢሎም።
ኣብ ምዕራብ አርሲ ንዝተፈጥረ ግጭት ብዝምልከት ንቴሌቭዥን ኢትዮጵያ ዝተዛረቡ ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን'ታ ሃገር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብስርዓት ዝተዓጥቐ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምኽልኻል መጥቓዕቲ ፈጺሙ ኢሎም።
ብካልእ ወገን ሎሚ'ውን ኣብ ምብራቅ ሃረርጌ ከተማ ጎረዋ'ውን ተቃውሞ ቀጺሉ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ክልተ ሰባት ሞይቶም ክብሉ ነበርቲ ዝገለጹ ክኾኑ ከለው ካብ ምምሕዳር'ቲ ወረዳ ምላሽ ንምርኻብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።
http://tigrigna.voanews.com/content/current-oromia-region-unrest-in-ethiopia/3195411.html
Received on Thu Feb 18 2016 - 14:38:38 EST