ገጽ-መጽሓፍ: "ኣብ ዓለም፣ ቀዋሚ ጥቅሚ እምበር ቀዋሚ ምሕዝነት የለን"

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 31 Jul 2016 01:18:11 +0200
 "ኣብ ዓለም፣ ቀዋሚ ጥቅሚ እምበር ቀዋሚ ምሕዝነት የለን"
 

ድሕሪ *ተዋስኦ ናይ ጀኔቫ ብዙሓት ሰጊኦም ኔሮም። ምኽንያቱ እቲ ዕላማ ዋላ እቲ ናይ ሓሶት ቤት ፍርዲ እንተዘይሰርሐ ንኣውፈርቲ ግና ከሰንብድ እዩ ዝብል ግምት ኔሩ። ኣብዘን ዝሓለፉ ሳምንታት ቻይና ብምሉእ ዓቕማ እያ ናብ ኤርትራ ጠሚታ ዘላ። ድሮ ከማን ኣብ ሸሞንተ ዓውድታት ከተውፍር ክታማ ኣንቢራ ኣላ። ከምኡውን ኤሜረት፡ ቀጠርን ሳውዲን፡ ብሕልፊ ከኣ ናይ ኤሜረት ኣዝዩ ዓቢ ወፍሪ እዩ። ቀጠርውን ክልተ ኤርፓርት ዘጠቃለለ ወፍሪ ምግባር ትሸባሸብ ኣላ። ነዚ ዝርኣያ ድየን ወይስ እቲ ምጽላም እንተመጸ እንተመጸ ኣብ መሬት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቅየር ወይ ውን ክቅይር ዝክእል ሓይሊ ከምዘየለ ዝተዓዘባ ሃገራት ኤውሮፓ እውን ልኡኻተን ክልእካ ጀሚረን ኣለዋ። ንሕጂ ስመን ክዕቅበን ዝመረጽኩ 3 ሃገራት ልኡኻተን ልኢኸን ኣለዋ። ዋላ እተን ኣንጻርና ዝግዕራ ዝነበራ ሃገራት ወይውን ቀንዲ ደገፍቲ ወያነ ዝኾና ሃገራት ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብምጽናዕ ካብ ሕጅኡ ኣብዚ ከባቢ ሰላም ንዝዓሰላ ሃገር ዝቀዳደማ እየን ዝመስላ ዘለዋ። እታ ቀንዲ ኣባትነፍሲ ወያነ ዝኮነት ኣሜርካ ከይተረፈ ቅድሚ ሳምንታት ልኡኽ ሰዲዳ ከምዝነበረት ይዝከር እዩ። ቀዋሚ ጥቅሚ እምበር ቀዋሚ ምሕዝነት የለን ኢለን ዝኣምና ምዕራባውያን ነታ ን18 ዓመታት ከጥፍእኣ ወይ ክቅይርኦ ዝጸዓራ መንግስቲ ምኽሪ ክሓታን ከዛራርባን ክመጻ ክትርኢ ይገርም እዩ፡ እዚ ከኣ ኣብቲ ከዳሚኤን ወያነ ዝነበረን እምነት ምጥፍኡ እዩ ዘርኢ። ካናዳ ከይተረፈት ካብ ትማሊ ጀሚራ ሓድሽ ሕጊ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ኣውጺኣ ኣላ። እቲ መግለጺ ዝብል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ስለ ዘሎ ኩሎም ተነጺጎም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ጉዳዬም ከምበሓድሽ ክርኣይን ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ምጥራዝ ደው ክብልን ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ። ኩሉ ቀስ ብቀስ ይግምጠል ኣሎ።

 
Received on Sat Jul 30 2016 - 17:57:16 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved