“ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱስ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ በለ” ወይ ድማ “ንዘይፈልጦስ ሜስ የጥርጦ”
ወርሒ ነሓሰ ዕለት 15, 2016
ንዓይ ኾነ ንሚልዮናት ኤርትራውያን ዘገርምን ዘስደምምን እዞም ገለ “ፍጮ ተወላዶ ኤርትራን ምሁራትን” ኢና በሃልቲ በቲ ዓሌታዊን ከዳሚን ገዛኢ ደርቢ ወያነ ትግራይ ብኸብዶም ተገዚኦምን ተዓሲቦምን ደቅሱን ተስኡን እንተበሎም ዝድቅሱን ዝትስኡን ተኣከቡ እንተበሎም ከምዛ ንኸልቢ ስጋ እናርኣኻ ደድሕሬካ ዞኽዞኽ ተብሎ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሳንጥኦም ተሓንጊጦም ስለምንታይ ንምንታይ ዓላማ ዝብል ሕቶ ከይሓተቱ ቱስ ቱስ ዝብሉን ናብ መቐለ-ሃዋሳ-ኣዲስ ኣበባ ዝሕምበቡን እዮም!!! እዞም “ምሁራት ኢና ንሕና ጥራሕ ንፈልጥ” በሃልቲ ግን ብተግባር በሃማትን በሶሮታትን እታ ኣብ ቅድሚኦም ዘላ ቛንጣ ስጋ ደኣ እያ ተወናውኖምን ተገድሶም እምበር እታ ዘይረኣዩዋ ወይ ድማ ክርእዩዋ ዘይደልዩ ብድሕሪት ኣብ ዝባኖም ዘላ ሻፎ ጐመድ`ሲ (በትሪ) ብግዝያዊ ጥቕሚ ዓይኖም ስለ ዝዓወሩ ፍጹም ኣይስተብህሉላን እዮም።
ገለ ስሱዓትን ጨለታትን ከኣ እሞ ሕሉፍ ሓሊፎም በቶም ከስዓት ጎይቶቶም ኣብ ምዕራብ ክፍለ-ዓለም ብዶላርን ኤውሮን ተዓሲቦም ንኣሽቱን ማእከሎትን ናይ ጥቕምን ምንጪን ንዋይ [ገንዘብ] ትካላት ኣጣይሾም እቲ ሰረት መበቆሎምን ታሪኾምን ረሲዖም ኣብ ምድንጋርን ሓሶትን ጸለመን ሕንፍሽፍሽን ጥልመትን ተዋፊሮም ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንምብትታንን ንሃገር ንምዕናውን ለይትን መዓልትን ይሰርሑ ኣሎዉ። ካብኣቶም ንቑሩብ ቑራቦ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ድማ፣ ኣማኑኤል እያሱ ወናኒ ራድዮ ሓሰና-ዮኑስን ሳልሕ ቃዲን-ዓዋተ፣ ኤልሳ ጭሩምን ሰዓብታን፣ ደላሊት ሜሮን እስጢፋኖስን ኣባ ሙሴን፣ ዓንደብርሃን ዶር. ኣሰፋው ንነዊሕ ጊዜ ከም ቁርዲድ ደቂሱ ዝነበረ እሞ ሕጂ ዝተበራበረ ሸንገብ-ወነንቲ ራድዮ መድረኽ ......ወዘተረፈ………ገለውን ምስ ግዜ ከም ደቂ ሕድርትና ውልዕ ጥፍእ ዝብሉ ባእታታትን እዮም። ዝገረም እዩ፣ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱስ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ በለ” ወይ ድማ “ንዘይፈልጦስ ሜስ የጥርጦ” ከም ዝበሃል፣ ናይዚኣቶም እኩይ ተግባራት ድማ ተመሳሳሊ እዩ። እዚ ናይ ዘመንና ናይ ጥልመትን ጥፍኣትን ሸርሒን ክድዓትን ደቀ መዛሙር ልቑምጽናን በለጽን ግን ንግዚኡ ምናልባት ከም መብልዒ እንጀራ ይጥቀምሉ ይኾኑ እምበር ካብ ሰረቱ ቦኽባኽን ሓሰርንፋይን ስለ ዝኾነ ብግስ ክብል ዝጠፈሸን ዝፈሸለን ናይ ስሱዓት ዶዃክን እዩ። እዩ።
……………..ንሎምስ ኣብዚ ይኣኽለኒ መስለኒ። ንዓኹም`ዶ ጠፊእኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን። እሞ ከምቲ ለባማት ኣቦታትና ዝብልዎ “ንለባም ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ፣ ንዓዋን ከኣ ደርጒሓሉ ክንደይ ከይፈልጦ” እንድዩ በሉ ረዚን ልብን ንሕሉፍን መጻእን ንላዕልን ታሕትን ንቐረባን ርሑቕን ዘመዛዝን በሊሕ ስነ-ኣእምሮ ይዓድልኩም!!! እዚ ወደሓንኩም።