ንስደተኛታት ተጎዓዝቲ ሊብያ ስጊንጢር’ያ። ንሓደገኛን ነዊሕ ጉዕዞ ሰሃራ ናይ መጀመርያ መዕለቢት ዝኾነት ሊብያ: ነቲ ካልእ ሓደገኛ ዝኾነ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ድማ መንጠሪት’ያ። ብመሰረት ሓበሬታ ኩሎም ዘዘራረብናዮም ተጎዓዝቲ: ሊብያ እታ ዝኸፈአ ክፋል እቲ ጉዕዞ ክትክውን ከላ: ማእከልን መራኸብንቲ ጉዕዞ’ውን እያ።
እዛ ኣብ ሓደ እዋን ማእከል ስራሕ ንትሕተ ሰሃራ ስደተኛታት ዝነበረት ዘይዕውቲ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር: ሕጂ መዕቆቢ ገበነኛታትን ጉጅለታትን ግብረ-ሽበራን መግለጺ ኩሉ ራዕዲ ኮይናላ። ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት: ቤት ማእሰርትታት እታ ሃገር ብዕጡቓት ጉጅለታት፡ዘይሕጋውያን አስገርትን ስበ-ስልጣን’ታ ሃገር ማእከል ስቓይ፡ ባርነት፡ ጾታዊ ዓመጽን ጎነጽን ዝኾነዩ።
ሽሕ’ኳ ጸብጻባት ካብ ልክዕ ዝሓለፉ ዓመጽ ብተደጋጋሚ እንተወጸ: ስደተኛታት ግን ብዛዕባ’ዚ ሓደጋ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣይመስሉን’ዮም ይብል ፍረደሪኮ ሶዳ ካብ ዓለም-ለኸ ውድብ ስደተኛታት። ንሱ ብተወሳኺ: እቶም ስደተኛታት: እቶም ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ጎነጽ ከምዝጥቀሙ ኣይፈልጡንዮምን ኢሎም።
ነዚ ኣመልኪቱ: ወዲ 23 ዓመት ስደተኛ ማላዊ ’ኣብ ጥራብሎስ (ትሪፖሊ) መዓልታዊ ኣብ ህድማ ኢና ነሕልፎ ዝነበርና’ ይብል።
ሶማላዊት ኣደ ሸውዓተ ቆልዑ ንሓገዝ ኣብ ዝመጸት መርከብ ጀርመን ጓል ተገላጊላ። ክልተ ደቂ 16 ዓመት ኢትዮጵያዊያን መንእሰያት: በቶም ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ዝተሓተተ ሾሞንተ ሽሕ ዶላር ስድራቤቶም ክሳብ ዝኸፍሉ ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሖም ይገልጹ። ካልእ ሶማላዊ ስደተኛ አብቲ ናይ ምድረ-በዳ ጉዕዞ ብህይወት ንምጽናሕ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ሽንቲ ክሰትዩ ከምዝረኣየ ይገልጽ። ነፍስ-ወከፍ ስደተኛ ናቱ ዝኾነ ፍሉይ ታሪኽን ተመክሮን ኣለዎ። ኣብ መወዳእትኡ ግን ኣብቲ ናይ ዕድል ጉዳይ ዝኾነ ምስጋር ማእከላይ ባሕሪ’ዩ ዝምርኮስ።
ምስክርነት ቪድዮ: ራሕማ ኣቡካር
ራሕማ ኣቡካር ጓል 33 ሶማላዊት ኣደ’ያ። ራሕማ ኣብ ነሓሰ 22, 2015 ምስ ካልኦት ስደተኛታት ናብታ ማእከላይ ባሕሪ ክትሰግር ዝተጸዓነት ጃልባ ክትበጽሕ ከላ: እቲ ጉዕዞ አብ ሂወታ ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍት ወይ’ውን መወዳእታ ናይ ሂወታ ክኸውን ከምዝኽእል ፈሊጣ’ያ ጉዕዞኣ ጀሚራ።
ራሕማ ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥንሳ ካብ ሶማልያ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንምብጻሕ በቲ ፈታኒ ዝኾነ ምድረ-በዳ ሰሃራ ኣብ ጉዕዞ’ያ ኣሕሊፋቶ። እዚ ግዜ’ዚ እትዕርፈሉ ግዜኳ እንተነበረ ምስ ከምኣ ካብ በሰላ ኩናት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝስደዱ ስደተኛታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብዝተጸዓና መካይን ተጻዒና ትጉዓዘሉ ጊዜ’ዩ ኮይኑ።
‘የዕወልውለኒ ኔሩ። በቲ ነዊሕ ጉዕዞ ብጣዕሚ ደኺመ’የ’ ትብል ራሕማ። እንተኾነ ግን: “ንጓለይ አብ ሊብያ ከይወልዳ ወሲነ’የ” ክትብል ብተወሳኺ ትገልጽ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ምስ ኩሉ ሓደጋታት ነታ ዘይውሕስቲ ጀልባ ተሳፈረት።
“ምስታ ኣብ ማህጸነይ ዝነበረት ውላደይ ንምሟት’ውን ተዳልያ’የ ኔረ”ትብል።
ራሕማ ንጓላ ሶፍያ ንረድኤት ኣብ ዝመጸት ናይ ጀርመን መርከብ ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ ተገላጊላ። ድሕሪኡ’ያ ናብ ማእከል ስደተኛታት ዱሰልዶርፍ ጀርመን ከይዳ። መልሲ ንሕቶ ጽግዕተኛኣ ድማ ትጽበይ ኣላ።
ምስክርነት ቪድዮ: ሳማ ቶንካራ
ሳማ ቶንካራ ወዲ 23 ዓመት ጋናዊ ስደተኛ መንእሰይ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ቅድሚ ናብ ሰሜን ጉዕዝኡ ምቅጻሉ ኣብ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት ቀይሕ መስቀል ሮማ ይርከብ።ኣብ ማሊ ዘሎ ቀጻሊ ኩናትን ሽቕለት-ኣልቦነት ብምርሕራሕ ኣብ ክረምቲ 2014 ዓ.ም.ፈ ካብ ጋና ተበጊሱ ንዶብ ኣልጀርያ ብምስጋር ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጉዕዞ ምድረ በዳ ሊብያ በጺሑ። ኣብዚ’ውን እንተኾነ ኩነታት ዝኸፍአ’ምበር ዝሓሸ ኮይኑ ኣይረኸቦን።
“ኣብ ትሪፖሊ መዓልታዊ ዕጡቓት ሰባት ገንዘብና ክወስዱ ይመጹ። ኣብ ገለ እዋን’ውን ንገለ ነአሽቱ ስራሕ ኢሎም ይጽውዑናሞ ይዘርፉና’ ይብል ንሱ።
ሓደ ለይቲ ወታሃደራዊ ክዳን ዝተኸድኑ ሰባት መጺኦም ንከባቢ መዓስከር ንምጽራይ ክንሕግዝ ብረት ጌሮም ብምፍርራሕ ሓቲቶም። ብድሕሪኡ ኣነ ንዝሰራሕክዎ ስራሕ ክኽፈል ሓቲተ። እዝን ካልእ ምኽንያታትን ድማ ምስ ካልኦት 146 ስደተኛታት ብምዃን ኣብ ሓንቲ ጀልባ ብምጽዓን ንባሕሪ ሜዲተራንያን ክሰግር ከምዘገደዶ ይገልጽ። ንሱ ክመውት’የ ኢሉ ሓሲቡ ከምዝነበረ ኣይሓብኣን ግን ድሕሪ ሸውዓተ ሰዓታት ኣብ ክፉት ባሕሪ ብረድኤት ዝሕቡ መራኽብ ሓገዝ ከምዝረኸበ እሞ ከምዝተረፈ ይገልጽ።
ምስክርነት ቪድዮ: ዳልመርን ኣሕመድን
ዳልመርን ኣሕመድን ክልቲኦም ደቂ 16 ዓመት ኢትዮጵያዊያን መንእሰያት’ዮም። ኢጣልያ ካብ ዝበጽሑ ሓደ ወርሒ ኣሕሊፎም’ዮም። እንተኾነ ሓቐኛ መንነቶም ንምጥቃም ሕጂ’ውን ይሰግኡ።
ክልቲኦም እዞም መንእሰያት ተማሃሮ ከምዝነበሩን ንስደት ዝደፋፍኦም ድማ ኣብ ኣውሮጳ ሓድሽ ሂወት ካብ ዝጀመሩ ኣዕሩኽቶም ብዝሰምዕዎ ዕላል ምዃኑ ኣይሓብኡን።
“ንስደት ዝቐሰበና ብዙሕ ምክንያታት’ዩ’ ይብል ኣሕመድ። ” ሽቕለት- ኣልቦነትት ሓደ ምኽንያት’ዩ። ቅድሜና ዝተመረቑ’ውን ስራሕ የብሎምን። አብ ጎደናታት ዘወን ክብሉ’ዮም ዝውዕሉ። ስለዚ ንሕና ንክንስደድ ወሲና።’,
ድሕሪ ኣብ አዲስ ኣበባ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ምብጽሖም: እቶም አስገርቲ ንዶብ ሱዳን ንምብጻሕ ንሾሞንተ ሰዓታት ብእግሮም ከምዝተጎዓዙ ይገልጹ። ብድሕሪኡ: ምስ ካልኦት ስደተኛታት ብምዃን ንሰሃራ ንምቚራጽ ከምተበገሱ ይሕብሩ። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ዓቐን ዝጸዓና መካይን ተወጢሖም ዝገበርዎ ጉዕዞ ድማ ኣብ ከተማ ኣጂዳብያ ከምዝበጽሑ ይጠቕሱ። እዚ ቦታ ካብ በንጋዚ አስታት 150 ኪ.ሜ ርሕቀት ከምዝርከብ ድማ ይገልጹ።
“ኣብ መበል ሓሙሻይ መዓልቲ ጉዕዞ ምድረ-በዳ ዝስተይ ማይ ወዲእና” ይዝክር ኣሕመድ። ኣብ ከምዚ ኩነታት: ኣተሓሕዛ እቶም አስገርቲ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ክፉእ’ዩ። ንስደተኛታት የሳቕዩ። ብፍላይ ድማ ንስድራቤታት እቶም ነቲ ንሶም ንዝሓተትዎ ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይክእሉ ።
በሰላ ዳልመር ምስክርነት እቲ ኣብ መዓስከር አስገርቲ ዘሕለፎ ሽዱሽተ ሳምንታት’ዩ።
ምስክርነት ቪድዮ: ሞሮ ሳነሕ
ሞሮ ሳነሕ ወዲ 16 ጋምብያዊ መንእሰይ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሮማ ኮይኑ ነቲ መጀመርያ መዓልቲ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ዝሓደረሉ መዓልቲ ይዝክር። ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመተ 2015 ንፕረዝደንት ያያህ ጃመህ ንምዕላው ፈተነ ምስ ተኻየደ: ሞሮ ንስድርኡ ከይነገረ ገዝኡን ዓዱን ገዲፉ ተሰዲዱ። ሰነጋል ምስ በጽሐ ድማ ሰለስተ ሽሕ ዶላር ከፊሉ ናብ ማሊ ሰጊሩ። ኣብ ማሊ ማይ አብ ጎደናታት እንዳሸጠ ናብ ኒጀር ሰጊሩ። ኣብ ኒጀር ድማ ከም ናይ ህንጸት ሰራሕተኛ ኮይኑ ሰሪሑ። ካብኡ ናብ ጥራብሎስ ሊብያ ከይዱ። ኣብኡ ፖሊስ ንዝነበሮ ገንዘብ ኣሕዲጎም ን 33 መዓልታት ኣሲሮሞ።
ሽወደን ንምብጻሕ ዝወሰነ ሳነሕ: ንመንእሰያት ኣፍሪቃ የጠንቅቅ። ንሱ: ’ ኩነታት ክመልሶም እንተዝኽእል ኔረ ነዚ ጉዕዞ ኣይምፈጸምክዎምን ኔረ። እቲ ጉዕዞ ብጣዕሚ ሓደገኛ’ዩ’ ይብል። ‘
ካብ ካርቱም ሱዳን ክሳብ ካሊያስ ፈረንሳ: እቲ ናይ ዓመጽ ታሪኽ ተመሳሳሊ’ዩ። ኣብ ምድረ-በዳ ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝፍጸም ስቓይ፡ ካብ ምትፋእ ሽጋራ ኣብ ኣእዳውን፡ገጽን ኣፍ-ልቢ እቶም ስደተኛታት ክሳብ ከም እንሰሳ ኣብ ልዕሊ ዓቐን ዝጸዓኑ መካይን ኣብ ሑጻ ሰሃራ ምሕያር የጠቓልል።በቶም ኣስገርቲ ዝተሓተተ ገንዘብ ክሳብ ዝኽፈል ኣብ ቀይዲ ኣብ ሊብያ ምጽናሕ’ውን ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ህይወት ምስ ኣብ ሰንፈላል ዝርከብ ፖሊሲ
እቲ ተደጋጋሚ ፍርሒ ካብ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ንኒምኮ ሙሳ ኣሕመድ ካብታ ብድኽነት እትሕመስ ሶማል በቲ ካብ ዓለም ዝሰፍሓ ምድረ-በዳን ዞባ ኩናትን ሓደገኛ ምስጋር ባሕሪን ሓሊፋ ክትስደድ ከምዘገደዳ ትገልጽ እዛ አደ ክልተ ቆልዑ ዝኮነት ሶማላዊት ስደተኛ።
ኣብታ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ብልጽግና መዐቀኒ ኣብ ቀዳምነት እትስራዕ ናይ “ሕልሚ ከተማ” ተባሂላ እትፍለጥ ቬና ምስ በጽሐት: ድሕሪዚ ኩሉ ጉዕዞ ካብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምውዳቕ ነብሰ-ቕትለት ዝፈጸመት።
” ንዝተወሰነ ጊዜ ብሓገዝ መድሃኒት ኣብ ሃለፍታ’የ ኔረ። ክልተ የእጋረይን ዓንዲ ሕቖይን ድማ ተሰይረ’ ትብል ኒምኮ ኣሕመድ ድሕሪ’ቲ ኣብ መዓስከር ታዕሊም ከበድቲ ኣጽዋር መንግስቲ ኦስትርያ ዝነበረን: ኣብዚ ግዜ ድማ መዓስከር ስደተኛታት ኮይኑ ኣብ ዘሎ ቦታ ዘካየደቶ ፈተነ ርእሰ-ቅትለት።
እቲ ናይ ጽግዕተኛ ሕቶኣ ከምተነጽገ ምስፈለጠት ዝሓዛ ፍርሒ ናብ ተስፋ ምቁራጽ ተቐይሮም ኣብ ሓደ ናይ ቀውዒ ሙቐት ዝበዝሖ ምሸት። እዚ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፈቶም ዕንቅፋታት ሂወት’ዩ ኢላ ክንዲ ምቕባል ሂወታ ከተሕልፍ ዝፈተነት። ንሳ ነቲ ኩነታት ክትገልጽ ከላ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ጸገምን ምንጻግ ናይ ጽግዕተኛ ሕቶይን ናብ ቤተይ ምስ ኣተኹ ብዝጠፍአት ሞባይል ተለፎን ዝተናኸሰ ባእሲ ክልተ ጎረባብቲ ሶማላዊያን ስደተኛታትን ናብ ናይ ጉስጢ ቃልሲ ተቐይሩ ድሕሪኡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ከምዝደፋኣ ትገልጽ።
“ድሕሪ’ዚ ኩሉ ጸገም ነቲ ሕቶ ጽግዕተኛ ምንጻጉ’ዩ ተስፋ ኣቁሪጹኒ” ትብል ንሳ ነታ ነብሰ-ቅትለት ከተገብር ዝወሰነትላ ህሞት ብምዝካር። ” ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ንዝመጹ ሰባት ብፍላይ ድማ ካብ ሶማልያ ንኽመጹ ንዝሓስቡ - ኣብ ኣውሮጳ ዋላ ሓንቲ የለን። ስለዚ ብዛዕብኡ ምሕላም እንተኣቋረጽኩም ይሓይሽ ይብሎም” ኢላ።