መስከረም 28, 2016 
ጉዳይ ጅቡትን ኤርትራን ሰላማዊን ርትዓውን መዓልቦ ረኺቡ ትብል ቐጠር 
ናይ ቐጠር ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ሱልጣን ቢን ሰዓድ ኣል-ሙራኪሂ፡ ኣብ መንጎን ጅቡትን ኤርትራን ዝነበረ ዘይምቅዳው ብሽምግልና፡ ሰላማውን ርትዓውን መዓልቦ ረኺቡ`ዩ ኢሉ። 
ዋሽንግተን — ኣብ እዋን መበል 71 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ጣኒ ዝቐረበ መደረ ብምጥቃስ ዝተዛረበ ኣል-ሙራኪሒ፡ ጉዳይ ጅቡትን ኤርትራን ኣብ ሰናይ ጉርብትናን ሓባራዊ ምክብባርን ዝተመስረተ ሰላማዊን ርትዓውን መዓልቦ ረኺቡ`ዩ ኢሉ። 
ከምኡ`ውን እቲ ፍታሕ ብመሰረት ዓለም-ለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዶብን ብምኽባር ግዝኣታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ሃገራት፡ ኸምኡ`ውን ብምፍታሕ ኩሎም ምሩኻት ኩናት ጅቡቲ ኸምዝተወደአ ኣፍሊጡ። 
ክልቲኦም መራሕቲ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ብሽምግልና ቐጠር ኽዳነ ኣብ 2010 ዓ.ም ስምምዕ ከምዝፈረሙ ይፍለጥ። 
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። 
http://tigrigna.voanews.com/a/eritrea-djibouti-qatar-mediation/3527532.html
Received on Wed Sep 28 2016 - 10:23:45 EDT