Basic

ገጽ-መጽሓፍ፡ Operation Fenkil – ስርሒት ፈንቅል፡ ናይ ኩሉ ግዜ ተኣምር!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 13 February 2017

 
 
 
Operation Fenkil – ስርሒት ፈንቅል፡ ናይ ኩሉ ግዜ ተኣምር!
 

ወርሒ ለካቲት ዕለት 6, 2009 ብፈረንጂ ከኣ 13, 2017


ሰራዊት ደርግ፣ ኣብ ናይ ሓለዋ ቦታኡ፡ ኣብ ጽኑዕ ዕርድታቱ፡ ከም ወትሩ ጥንቁቕ ሓለዋ ኣብ ምክያድ እዩ ዝነበረ። ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ተጋዳላይ ካብ መበገሲኡ ነቒሉ፡ ኣብ ዕርድታቶም ዝበጽሓሉ ግዜ ቀሚሮም፡ ምቹእነትን ትርነዐን ዕርድታቶም ነቲ ብጎላጉል ናይ ምጥቃዕ ኣማራጺ ጥራይ ዝነበሮ ተጋዳላይ ናይ ምምካት ዓቕሚ ከም ዘለዎም፡ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ዳርጋ ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ’ቲ ግንባር ከጥቅዕ ከም ዘይመርጽ ገይሮም ወሲዶምዎ ነበሩ።


እንተ ፈተነ ድማ፡ ከቢድ ጉድኣት ተሰኪሙ ዝፈግድ ይመስሎም ነይሩ። ካብ ጽንዓቱ ስፍሓቱ፡ ካብ ስፍሓቱ ጽንዓቱ፡ ካብ ጎላጉሉ እምባታቱ፡ ካብ እምባታቱ ጎላጉሉ፡ ዝኸፍእ ግንባር ዓዲ ዒለ፡ ኣብ ሓደ ረፍዲ “ዓነው” ክብል ዝግምት ይትረፍ ዝሓልም እውን ክህሉ ኣይክእልን።


ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ከብዲ ጸላኢ፡ ጥርዚ ትብዓት ዝሓትት ናይ ጭርጭር ዓበደ ረቂቕ ስልቲ ሓንጺጹ፡ ፍሑኽ እናበለ ናብ ደጀን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዞሪቑ።ኣብ’ቲ እዋን፡ ስርሒት ፈንቅል ብጥበብ ከም ዝፈለመ፡ ብዘይካ ሰራሕቱ ዋላ ሓደ’ኳ ኣመት ኣይነበሮን። ጽኑዕ ዕርድታት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብዘይተኹሲ ከም ዝተሰግረ፡ ተኣምራት ይፍጸም ከም ዝነበረ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ’ኳ ክኣምኖ ዝኽእል ኣይነበረን።


Eritrean History - Operation Fenkil - 2


ተጋዳላይ፡ ድሮ ብማእከል ዕርድታት ኣቢሉ፡ ከም ትኪ ሰሊኹ፡ ገለ ክፋሉ የማነ ጻጋም ዕርድታት ተዘርጊሑ፡ ናብ ቅድሚት እናቋመቱ ከለዉ ብዝባኖም ኣፈሙዙ ኣቕኒዑሎም እዩ። ቀንዲ ሓንጎል ናይ’ቲ ግንባርን ሰራዊትን ናይ ምምካን ተልእኾ ዝጸረ ሓይሊ እውን፡ ነቲ ነዊሕ ርሕቐት፡ ብጥንቁቕን ትኩርን ኣካይዳ ከም ማይ ይሰትዮ ነበረ።
ኣብ ማእከል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትርኢት ከይኣተወ፡ ናብ ዓዲዕለ ይቐርብ። ገና፡ ውግእ ብብረት ከይተጀመረ፡ ተጋዳላይ – ኣብ ውግእ ብስልቲ ተዓወተ። ድልዱል ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብዘይተኹሲን ተሓናነቕን፡ ፍልሖ ከም ዝኣተዎ ዓንዲ፡ ኣብ ምቑንቋን እዩ ዝነበረ። ደጀናቱ ተወሪሩ! ትሕዝቶታቱ ተጎርጒሩ! እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ፡ ኣብ ኣፍንጫ ታንክታቶም በጺሑ፡ከበድቲ ኣጽዋር ደርግ፡ ዋንነቶም ኣብ ስግኣት ኣትዩ።


ኣዘዝቲ ግንባር፡ ካብ መአዘዚ ነቑጣኦም ኣብ መንገዲ ሽዱሽተ ሰዓት ንዘሎ ተሪር ዕርዲ በሲዑ “እምባሕ” ክብሎም ዝኽእል ሓይሊ ከም ዘይህሉ ምሉእ ምትእምማን ነይሩዎም። ኣብ ኩርኹሮኦም ዘድበየ ሓይሊ ምህላዉ ክግምቱስ ይትረፍ፡ ኣብ ሓሳቦም እውን ኣይመጽአን። ኣብ’ቲ ለይቲ፡ ኣብ’ቲ ወርሒ ዝዓጀበቶ ጸላም፡ ምድረ ሰማይ ጸጥ ኢሉ እንከሎ፡ ጎላጉልን እምባታትን፡ ሩባታትን ሰናጭሮን፡ ቆጣቑጢን ኣግራብን፡ ተጋዳላይን ጦር ሰራዊትን. . . ብዘይቅዱው ጸጥታ ተጎቢኦም ከለዉ፡ መንደል ተጋዳላይ፡ መመሊሱ ናብ ዕምቈት ገጹ ይስርስር ነበረ።


ድምጺ እናተቘጻጸረ፡ ኣብ ትርኢት ኣዒንቲ ጸላኢ ንኸይኣቱ ከቢድ ጥንቃቐ እናገበረ፡ ዜሮ ሰዓት ከርክብ ዘብዘብ ይብል። ረቂቕ ወታሃደራዊ ስልቲ ስርሒት ፈንቅል፡ ብዘይድምጺ እዩ ክፍጸም ጀሚሩ። ንከናለታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብጥበብ ሰጊሩ፡ ናብ ከብዶም ክዘሩቕ ከሎ፡ ዋርድያታት ሰራዊት ደርግ፡ ናብ ስግሮም ኣብ ምቁማት ነበሩ። ርእሲ ጸላኢ ብምዝባጥ፡ ዝተረፈ ኣካላቱ ኣብ ምልማስ ዘተኮረ ስልቲ፡ ብዘይረጽሚ ስርሑ ኣፋሪቑ። ኩሉ ነገር፡ ወዲ ሰብ ክኣምኖ ብዘይክእል ቅልጣፈ ይቕጽል። እቲ ብዓይኒ ክጥመት’ኳ ዘረብርብ ጎላጉል፡ ብፍጥነት ስጉምቲ ተጋዳላይ ተፈጺሙ።


እቲ ህዋሁው ኲናት ዝተጻዕነ ጸጥታ ዘይምዝራጉ፡ ኩሉ ነገር እናሰለጠ ምኻዱ ሓበረ። መሰረት ዓወት ክኸውን ዝኽእል ስልኳ፡ ብዘይ ዕንቅፋት ተሰላሲሉ። ደጀን ሰራዊት ደርግ፡ ናብ ደጀን ተጋደልቲ ተቐይሩ። ተጋዳላይ፡ ታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ሰራዊት ኢትዮጵያ ከልምሰሉ ኣብ ዝኽእል ርሕቐት በጺሑ። ሓይልታት፡ ጸቢብ መዝረቚታት ከም ዝረኸበ ማይ፡ ስሉኽሉኽ እናበላ፡ ኣብ መትንታት ኣንጻር ሓይሊ ምስ ተዘርኣ፡ ናይ ዜሮ ሰዓት ከርክባ ይጓየያ።


ዓቢን ድልዱልን ግንባር፡ ሓደጋ ጠኒሱ ጥርቅም! እንትርፎ ብትብዓትን ስልትን፡ ብዓቕሚ ሰብ ይኹን ኣጽዋር ምስ ሓይሊ ኢትዮጵያ ዘይዳረግ ተጋዳላይ፡ መንገዲ መዓልቲን መዓልታትን ተጓዒዙ፡ ምስ ዕርድታት ኳዕናን እምባ ከንቴባይ፡ ፍግረት፡ ሰንሰለት ታባታት ዒላገመድ፡ ምስ ህዱም ካናለታት ጎላጉል፡ ምስ ጎመዳ ሰራዊትን ርቡብ ኣጽዋርን ዘራጽም ዕሽነት ኣይነበሮን። ብዓቕሊን ከቢድ ጥንቃቐን፡ ሱር ናይ’ቲ ደርማስ ሓይሊ ክብንቁር እዩ ተልእኾኡ።


ኣብ ቀዳማይ ግንባር ረጽሚ ምስተፈጥረ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ናብ’ቲ ዝተኣማመኑሉ እምባ ከንቴባይን ኣብ ጎላጉል ዝተሃደሙ ከናለታትን ኣማዕደዉ። ኣብ ከባቢኦም፡ ዋላ ሓንቲ ስግኣት ስለዘይነበሮም፡ ነቲ ንመሐለውታ ኣብ ጥቓኦም ዘዐስከሩዎ ሓደ ብርጌድ፡ዕርድታት ንኸውሕስ ናብ ግንባር ኣንቀሳቒሶምዎ። ብርጌድ ምሉእ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘድበየ ሓይሊ ሕቘኡ ሂቡ፡ ናብ ቅድመ ግንባር ሃተምተም በለ።


ኣዛዚ ሰራዊት ግንባር ዓዲዕለ፡ሰራዊት ከወሃህድ ንየው ነጀው እናበለ እንከሎ፡ ሓይልታት፡ ንዓዲዕለ ኣኽቢበን ምንቅስቓስ ሰራዊት ይዕዘባ። ሽዑ እውን፡ ከበድቲ ኣጽዋር ደርግ፡ ናብ ቅድመ ግንባር ገጾም ምግዓሮም፡ ኣመት ናይ ከባቢኦም ፈጺሙ ተሰዊሩዎም ከም ዝነበረ ዝሕብር ነበረ።


ሃልሃልታ ኣፈሙዝ ቢኤም፡ ታንክታት፡ 120 ሚ.ሜ. 130 ሚ.ሜ. . . . ንመሬት ብብርሃን ቀዲዱ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ዝረኣኣዩሉ ዕድል እንክፈጥርን ዜሮ ሰዓት ድምብር እንክትብልን፡ ዓዲዕለ፡ ካብ ከርሳ ዝነቅል ብዝመስል ነትጒን ጠራዕራዕን ተናወጸት። ስንባደ፡ ራዕዲ፡ ምግራም፡ ምጥርጣር፡ ምዕንዛዝ. . .ኣዘዝቲን ሰራዊቶምን፡ ናብ ዘይርጉእ ኩነተ ህላወ ወሲዱዎም። ሰብ መዓርግ፡ ግንባር ምምራሕ ገዲፎም፡ ነብሶም ዘውጽእሉ ናይ ዓቕሊ ጽበት ሓሳብ ኣብ ምስልሳል ተጸሚዶም።


ሽዑ – ብርግኣት ክሓስቡሉ ዝኽእሉ ዕድል የለን። ከበድቲ ኣጽዋሮም ብተጋደልቲ ተወሪሩ፡ ድሮ ኣፈሙዙ ናብ ዋናታቱ ቀኒዑ። ታንክታቶም ታንከኛታት ቀይረን ኣጓየያኦም። ተጋዳላይ፡ ዕርድታቶም ኣሕዲጉ ናብ ቃልዕ ኣውጽኦም። ኣብ ከንቴባይን ከባቢኡን ዝዓረደ ሰራዊቶም፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምዃኑ ኣብ ዝኣምነሉ ርሑቕ ደጀን፡ዕሙር ውግእ ምስ ተዓዘበ፡ ኣንፈቱ ተኸፋፊሉ። ፈታዊን ጸላኢን ተዋጃቢሩዎ።


ናይ ኣዘዝቱ ሓበሬታ ሽታ ማይ ኰይኑ። ሽዑ እዩ እምበኣር፡ ስልኳ ክሳብ ዝዕወት፡ ኣብ በቦታኡ ኣስቂጡ ዝጸንሐ ሓይሊ ህዝባዊ ግንባር፡ ብምብራቕዊ ጎላጉል ኣቢሉ ብምምራሽ፡ ባጽዕ ናቱ ከም ዝገብራ ዝነገሮም። ጎላጉል ሽዕብ ምስ ወቒሮ. . . ብታንክታት ሜካናይዝድ ኣሃዱን ሓይልታትን ተጣሒሱ። ደርማስ ግንባር፡ እዋን ኣብ ምርፋዱ፡ ኣሰሩ ጠፊኡ። ተፈራሂ እምባ ከንቴባይ ከኣ፡ ከም ዝዀነ ካልእ እምባ፡ ብዝባን ተጋደልቲ ተረፈ።


ትብዓት፡ ቅልጣፈ፡ ጥንቃቐ. . . ዘሰነዮ ረቂቕ ስልቲ፡ ክእመን ዘይክእል ተኣምራት ፈጺሙ፡ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ፡ ኣብ ኢድ ዋናኣ ኣተወት። እነሆ፡ እቲ ተኣምራታዊ ስርሒት ኣብ 26 ዓመቱ፡ ተኣምራታዊ ኣፈጻጽማኡ ኣደናቒ ኰይኑ ይዝከር። ስርሒት ፈንቅል፡ ስርሒት ኣብ ከብዲ ሓርማዝ!

 
 
 
 
 
 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events