Basic

Tigrigna.VoaNews.com: " ዓረና ትግራይ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዝሓዘ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ውድብ እዩ" ኣይተ ኣብርሃ ደስታ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 14 February 2017

" ዓረና ትግራይ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዝሓዘ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ውድብ እዩ" ኣይተ ኣብርሃ ደስታ

 
  • ግርማይ ገብሩ
ለካቲት 14, 2017
ኣይተ ኣብርሃ ደስታ

ኣይተ ኣብርሃ ደስታ

ሓዱሽ ተመራፂ ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ውድቦም ክልላዊ ድዩስ ብሄራዊ ውድብ ንዝብል ሕቶ መልሲ ሂቦም ኣለዉ፡፡

ብመሰረት እዚ ዓረና ምንቅስቓሱ ክልላዊ እዩ፤ ኣጀንድኡ ግን ሃገራዊ እዩ ኢሎም፡፡ ትግራዋይ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ከይተሓፀረ ከመይ ገይሩ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ምስ ኩሎም ህዝብታት ብፍቕሪን ሰላምን ክንብር ይኽእል ዝብል ዕላማ ዝሓዘ ውድብ እዩ እውን ኢሎም፡፡

ሎሚቕነ ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ሓደ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ዓረና ተዛሪቦምዎ ንዝተባህለ ጉዳይ እውን ኣይተ ኣብርሃ ምለሽ ሂቦምሉ፡፡ እቶም ውልቀ ሰብ ትግርኛ ስለዝተዛረብኩ ትግራዋይ እየ ማለት ኣይኰነን፤ ወልቃይት እውን ናይ ኣምሓራ እምበር ናይ ትግራይ ኣይኰነን ስለዝበሉ ንብዙሓት ሰባት ከምዘቘጥዑ ተዘሪቡ እዩ፡፡

ኣይተ ኣብርሃ ብዛዕባ እዚ መልሲ እንትህቡ እቶም ውልቀ ሰብ ዝበልዎ ንውድብ ዓረና ከምዘይውክልን ኣባል ኣመራርሓ ዓረና ኰይኖም ድማ ከምኡ ምባሎም መርገፂ ዓረና ከምስል ስለዝኽእል ጌጋ ምዃኑ ብግልፂ ከምዝተነገሮምን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ህዝቢ ንህዝቢ ብምቅርራብን ነባራዊ ርክብ ብምምስራትን ንምፍታሕ ዓረና ከምዝሰርሕ ኣቦ መንበር ዓረና ገሊፆም ኣለዉ፡፡ እዚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ብዝደልዮ መልክዕ ሓቢርና ንምስራሕ ድልዋት ኢና ኢሎም፡፡

ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምሁርን መምህርን ፖለቲካዊ ሳይንስ ኰይኖም ብኻልእ ገፅ ኸአ ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ምዃኖም ፅዕንቶን ፅልዋን ይህልዎ እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/a/3722900.html

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events