Basic

ሓዳስ ኤርትራ፡ ሓፈሻዊ ድንጋገታት ሕጊ ውዕል ….

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 18 February 2017

Feb
18
2017
 

መጽሓፍ ግዴታታት ሲቪላዊ ሕጊ ክልተ ኣገደስቲ ምንጪ ግዴታታት ኣስፊሩ ንረኽቦ። ንሳቶም ድማ፡-

1. ካብውዕልዝነቕሉግዴታታትን
2. ካብውዕልወጻኢዝነቕሉግዴታታትንተባሂሎምይጽውዑ።
 

እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ውዕላዊ ግዴታታት ጥራይ ዘተኩር ኮይኑ፣ ኣብቶም ቀንዲ መሰረታውያን ኣምራት ሕጊ ውዕል ዝቐንዐ መግለጺ ጌሩ ኣሎ።

1. ትርጉምውዕልብመንጽርሕጊኤርትራ
2. ትርጉምውዕል

ውልቀ-ሰባት ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቶም ውዕል ምፍጻም ዘይተርፎም ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ሃለኽቲ ነገራት ካብ ድኳናት ክዕድጉ፣ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ንምንቅስቓስ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ከፊሎም ምስ ዝጥቀሙ፣ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ዝብላዕ ወይ ዝስተ ምስ ዝእዝዙ ወዘተ ኣስተብሂሎም ይኹን ከየስተብሃሉ ውዕላት ይፍጽሙ እዮም። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ኣብ ምዕዳግ፡ ምሻጥን ምክራይን፣ ኣብ ሰደድን ምምጻእን ኣቑሕትን ሃለኽቲ ነገራትን ወዘተ ኣብ ዝኣመሰሉ ርክባት መሰላትን ግቡኣትን ናይ ተወዓዓልቲ በቲ ዝተበጽሐ ውዕል ወይ ስምምዖም ይቕየድ። ውዕል ክሳብ ክንድ’ዚ ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ዘይተርፍ ካብ ኮነ እምበኣር፡ ብሕጊ ዝተዋህቦ ትርጉሙ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣብ ሲቪላዊ ሕጊ፣ “ውዕል” ማለት ክልተ ወይ ካብ ክልተ ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ሞንጎኦም ግዴታታት ዝፈጥሩሉ፣ ዝትክእሉ ወይ ዝቕይሩሉ፣ ወይ ከም ዘብቅዕ ዝገብሩሉ ስምምዕ ማለት እዩ – ዝብል ትርጉምን መግለጺን ተዋሂብዎ ኣሎ። ኣብዚ መሰረታዊ ሕጊ ሰፊሩ ንዘሎ ትርጉም ውዕል ንምርድኡ ክጥዕም፣ ኣብዚ ትርጉም ተጠቒሶም ንዘለዉ ቀንዲ ነጥብታት ወይ ሓረጋት በብሓደ ምርኣዮም ኣገዳሲ ይኸውን።

ክልተ ወይ ካብ ክልተ ዝበዝሑ ተወዓዓልቲ – ሓደ ሰብ ምስ ገዛእ ነብሱ ውዕል ክገብር ኣይክእልን’ዩ። ውዕል ተጌሩ ክበሃል እንተኾይኑ ብውሑዱ ክልተ ተወዓዓልቲ ክህልዉ ኣለዎም። ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ግን ሰብ ክበሃል ከሎ ንባህርያውያን ሰባት ከምኡ’ውን ብሕጊ መሰል ሰብነት ንዝተዋህቦም ኣካላት’ውን ዘጠቓለለ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን።

ውዕል ክበሃል ከሎ እቶም ተወዓዓልቲ ወገናት ሓድሽ ግዴታ ዝፈጥሩሉ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ሞንጎኦም ተፈጢሩ ንዝጸንሐ ግዴታ ዝትክእሉ ወይ ዝቕይሩሉ ወይ ከም ዘብቅዕ ዝገብርሉ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ፡ ተወዓዓልቲ ዝስከምዎ ግዴታ ወይ ክፍጽምዎ መብጽዓ ዝኣተዉሉ ጉዳይ ሓደ ነገር ንምሃብ፣ ንምፍጻም፣ ወይ ድማ ንዘይምፍጻም ዝግበር ስምምዕ ክኸውን ይኽእል። ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣቐዲሙ ተፈጺሙ ኣብ ዝነበረ ውዕል ንዝነበሩ ግዴታታት ንምቕያር ወይ’ውን ጨሪስካ ንምፍራሶም ተባሂሉ ኣብ ሞንጎ ተወዓዓልቲ ዝግበር ስምምዕ ኣካል ናይዚ ትርጉም እዮም።

ውዕል ክበሃል ከሎ ስምምዕ ማለት ኢዩ። ተወዓዓልቲ ወገናት ዕላማታቶም ንምዕዋት፣ ዝኾነ ስራሕ ንምስራሕን ወዘተ ተባሂሉ ኣብ ሓድሕዶም ዝስከምዎ ግዴታታት ብወለንታኦም ዝበጽሕዎ ምርድዳእ ስለዝዀነ ስምምዕ ይባሃል። ብካልእ ኣገላልጻ ሓሳባትን ድልየትን ናይዞም ውልቀ-ሰባት ሰሚሩ ንዝሓሰብዎ ዕማም ንምስላጥ ድሌታቶም ይገልጹ ኣለዉ ማለት እዩ። ስምምዕ ብመሰረቱ ካብ ውዕል ስፍሕ ዝበለ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣምር እዩ። በዚ ኸኣ ኣብ ሕጊ ውዕል ፍሉይ ርድኢትን ጥንቃቐን ይሓተና። ምኽንያቱ ሓደ ስምምዕ፣ ውዕል ክንብሎ እንተኾይንና ተወዓዓልቲ ወገናት ኣብ መንጎኦም ቀያዲ ኾይኑ ኽገዝኦም ምዃኑ ተረዲኦም ኣብ ሓደ ሓሳብ ከምዘለዉ ከረጋግጹ ይግባእ። እዚ ማለት ኩሎም ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባት ዝፍጸሙ ስምምዓት ቀየድቲ ኣይኮኑን። ስለዚ ኲሎም ውዕላት ስምምዓት ክኾኑ ከለዉ፣ ኩሎም ስምምዓት ግን ናይ ግድን ከም ውዕል ዝውሰዱ ከይኮኑ ከም ዝኽእሉ ምርዳእ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኣብነት፦ ኣብ መርዓ ወይ ውራይ ናይ ሓደ ፈታዊኻ ንኽትሳተፍ ወይ’ውን ገለ ነገር ከተበርክት እትኣትዎ መብጽዓ ምስምማዕ ክገልጽ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ በቲ ዝኣተኻዮ መብጽዓ ተቐዪድካ ከተኽብሮ ቅሩብነት ምስ ዝጐድለካ ብሕጊ ክትሕተት ምዃንካ ፈሊጥካ ዘይኮነ ጽቡቕ ድሌት ንምግላጽ ተባሂሉ ዝተኣትወ መብጽዓ ምስ ዝኸውን ብሕጊ ዝጸንዕ ቀያዲ ውዕል ተደምዲሙ ክበሃል ዘኽእል ኣይኮነን። ስለዝዀነ ድማ፡ ኣብዚ ኣብነት’ዚ ስምምዕ ምስ ዝጠሓስ ብሕጊ ዝቕይድ ግዴታ ኣይህሉን።

ሕጊ ውዕል ብዙሕ ዕላማን ኣገዳስነትን ኣለዎ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማኡ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝእቶ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ብሕጊ ተግባራውነቱ ዘውሕስ ስለዝኾነ ንተወዓዓልቲ ወገናት መብጽዓዖም ከኽብሩ ድርኺት ብምፍጣር ንዝካየድ ንግዳዊ ንጥፈታት ብርጉጽነት መደባቶም ስኢሎም ንከዐውቱ ኩነታት ብምጥጣሕ ንቁጠባዊ ምዕባለ ሃገር’ውን ግዴኡ ይጻወት።

2. መትከላትሕጊውዕል

2.1. ናይ ምውዕዓል ናጽነት

ሓደ ተወዓዓሊ ውዕል ንክፍጽም፣ ምስ መን ከም ዝውዓዓል ንክመርጽ፣ ትሕዝቶ ውዕሉ እንታይ ዝብል ክኸውን ከም ዝግባእ ናይ ምውሳን ምሉእ መሰልን ናጽነትን ኣለዎ። መወዓዕልትኻ መን ክኸውን ከም ዘለዎ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዝህብ ስለዝኾነ፣ ውልቀ-ሰባት ኣቑሑቶም ወይ ኣገልግሎታቶም ንመን ከም ዘቕርቡ፡ ወይ ዘድልይዎም ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት ካብ መን ክቕረበሎም ከም ዝደልዩ ናጻ ምርጫ ክወስዱ ምሉእ ናጽነት ይህቦም።

ተወዓዓልቲ ወገናት ንትሕዝቶ ውዕላቶም ክውስኑ ናጻ እንተኾይኖም ድንጋገታት ሕጊ ውዕል ስለምንታይ የድልዩ? ዝብል ሕቶ ምምላሱ ኣገዳሲ ይኸውን። ሓደ ካብ ኣገዳስነት ድንጋገታት ሕጊ ውዕል፡ ሓደ ውዕል ከማልኦም ንዝግባእ ትሕዝቶ ውዕል ዝገልጹ ምዃኖም’ዩ። እዚ ይኹን ደኣ’ምበር ተወዓዓልቲ ወገናት ካብኦም ዝተፈልየ ስምምዕ ክገብሩ ዘፍቅዱ እዮም። እንተኾነ ግን ተወዓዓልቲ ወገናት ንኩሉ ምስ ውዕል ተኣሳሲሩ ክለዓል ዝኽእል ሕቶታት ኣብ ውዕሎም ዘየስፍሩሉ ከምኡ’ውን ኣብ ውዕሎም ዘስፈርዎም ስምምዓት ብሕጊ ቅቡላት ኮይኖም ዘይርከቡሉ ኩነታት የጋጥም’ዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ድማ ድንጋገታት ሕጊ ውዕል ነቶም ብተወዓዓልቲ ስምምዕ ዝተበጽሓሎም ጉዳያት ሃጓፋት ብምምላእ ደጋፊ ተራ ስለዘለዎም ህላውነት ሕጊ ውዕል ኣዝዩ ኣገዳሲ ይገብሮ።

2.2. ኣገደድቲ ሕግታት

ዝበዝሑ ድንጋገታት ሕጊ ውዕል ንትሕዝቶ ውዕል ዝገልጹ ኣፍቀድቲ ድንጋገታት ኮይኖም፡ ደጋፊ ተራ ጥራይ ኢዩ ዘለዎም። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ድንጋገታት ኣፍቀድቲ ድንጋገታት ማለት ተወዓዓልቲ ወገናት ብናቶም ድልየት ኣብ ውዕሎም ክጥቀምሎም ዘኽእሉ፣ ቀየድቲ ዘይኮኑ ድንጋገታት ተባሂሎም እዮም ዝፍለጡ። እንተኾነ ግና ሕጊ ውዕል፣ ብተወዓዓልቲ ወገናት ተጻራሪ ስምምዕ ክብጻሓሎም ዘይክእል ብሕጊ ዝስግደዱ ብርትዕን ብረብሓ ሕብረተሰብን ዝድለዩ ገለ ድንጋገታትን መምርሒታትን ከም ቀየድቲ ድንጋገታት’ውን ኣስፊሩ ንረኽቦ። እዞም ኣገደድቲ ወይ ቀየድቲ ድንጋገታት ኣብ ሕጊ ውዕል ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ሕግታት ሃገር’ውን ክርከቡ ዝኽእሉ ኮይኖም ውልቀ-ሰባት ካብዞም ቀየድቲ ሕግታት ወጺኦም ንዓኦም ዝጻረር ውዕል ክፍጽሙ ኣይክእሉን ወይ ኣይፍቀዶምን።

ንኣብነት፦ ንሓደ ከም ገበን ዝውሰድ ተግባር ንክትፍጽም ዝብጻሕ ስምምዕ ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን። ከም ዘይሕጋዊ ውዕላት መሸጣ ናይ ዕጸ-ፋርስ፣ ወይ ንሓደ ገዛ ንኽትሰርቕ ዝግበር ውዕላት ብሕጊ ዘይቅቡላት፡ ምስ ዝፍጸሙ’ውን ቀየድቲ ከምዘይኮኑ ዝሕብር መትከል እዩ።

2.3. ቀያዲ ባህሪ ውዕላት

ሲቪላዊ ሕጊ ሓደ ብብቑዕን ሕጋውን መገዲ ዝተኣትወ ውዕል ኣብ ተወዓዓልቲ ወገናት ቀያዲ ይኸውን ክብል ደንጊግዎ ኣሎ። እዚ መትከል’ዚ ድማ ኣብ መንጎ ተወዓዓልቲ ወገናት ምትእምማን፡ ስርዓት፡ ርግኣት፡ ርትዕን ፍትሕን ንክሰፍን ውሕስነት ዝህብ እዩ።

2.4. ቅኑዕ መንፈስን ፍትሓዊ ምውሳእን

ሓደ ተወዓዓሊ ወገን ኣብ ውዕል ንኽኣቱ ክዛተ ናጻ ኮይኑ፣ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሐ ብምትራፉ ድማ ተሓታቲ ኣይከውንን። እዚ ይኹን ደኣ’ምበር ነፍስ- ወከፍ ተወዓዓሊ ወገን ኣብ ዝኣትዎ ውዕል ብቕኑዕ መንፈስን ብርትዓዊ መገድን ክሰርሕ ኣለዎ። ተወዓዓልቲ ወገናት ነዚ ግቡእ እዚ ክጐስዩዎ ወይ ክድርትዎ’ውን ኣይክእሉን። እንተኾነ ግን፡ ሓደ ወገን ምስ እቲ ካልእ ወገን ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ሓሳብ ዘይብሉ ክነሱ፡ ኣብ ዘተ ክኣቱ ይኹን ኣብቲ ዘተ ክቕጽል ዘይቅኑዕ መንፈስ እዩ። ብዘይቅኑዕ መንፈስ ዝዛተ ወይ ነቲ ዘተ ዘቋርጽ ወገን ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ወገን ንዝስዕብ ክሳራ ተሓታቲ ይኸውን።

2.5. ልሙድ ዝውተራን ኣሰራርሓን

ሲቪላዊ ሕጊ፣ ተወዓዓልቲ ወገናት ብዝተሰማምዑሉ ልሙድ ዝውተራን ኣሰራርሓን ወይ ኣብ ሞንጎኦም መስሪቶሞ ብዝጸንሑ ዝውተራን ኣሰራርሓን ቅዩዳት ይኾኑ ክብል ደንጊጉ ኣሎ። ልሙድ ዝውተራ ወይ ኣሰራርሓ ማለት ከኣ ተወዓዓልቲ ወገናት ኣብ መንጎኦም ክቕጽል ብዝጸንሐ ናይ ስራሕን ካልእ ርክባትን ብተደጋጋሚ ግዜ ዝገብርዎ ተግባራት ወይ ኣካይዳ ምርድዳእ ከም ዝተበጽሓሉ ንዝውሰድ ነገራት ዝውክል እዩ። ብዘይካ’ዚ እቶም ተወዓዓልቲ ወገናት ኣብ ሞንጎኦም ብዝተዘውተረ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ዝተዋስኡሉ ዓውዲ ሰፊሕ ተፈላጥነት ብዝረኸበን ብስሩዕ ብዝኽበርን ዝውተራን ኣሰራርሓን እውን ቅዩዳት እዮም። እንተኾነ ግና ተፈጻምነት ናይ ከምዚ ዝመስል ዝውተራ ዘይርትዓዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ክቕየዱ ኣይክእሉን።

ንኣብነት፦ ሓንቲ ፋብሪካ ጎልፎ፣ ንእተፍርዮም ዝተፈላለዩ ቅርጺ ዘለዎም ጎልፎታት ናብ ዝተፈላለየ ዓማዊላ ኣከፋፈልቲ እናዘርገሐት መሸጣ ትፍጽም ኔራ ንበል። ሓደ ዓሚል ድማ ብተደጋጋሚ ግዜ ካብቲ ንብረት (ጎልፎ) ዝተቐበለሉ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 2 ሰሙን፣ ኣብቲ ብዝሕን ብቕዓትን ናይቲ ንብረት (ጎልፎ) ዘሎ ኣበር ነታ ፋብሪካ ይገልጽን፣ ነቶም ኣበር ዘለዎም ንብረታት ድማ ይመልሶምን ኔሩ። እዚ ዓሚል ሓደ እዋን ካብቲ እቲ ጎልፎ ዝተቐበለሉ ግዜ ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓኡ ኣበር ዘለዎም ጎልፎታት ናብቲ ፋብሪካ እንተመለሶ ዋና ፋብሪካ ኣይቅበለካን እየ ክብሎ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ፋብሪካን ዓሚሉን እቲ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ብዝሕን ብቕዓትን ናይቲ ጎልፎ ዘሎ ኣበር ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ዝንገረሉን ዝምለሰሉን ዝነበረ መንገዲ፣ ከም ሓደ ልሙድ ኣሰራርሓ ዝተመስረተ ብምዃኑ ነታ ፋብሪካ ከም ውዕል ኮይኑ ቀያዲ ይገብራ እዩ።

3. ምደባወይዓይነታትውዕል
 

ውዕል ዝተፈጸመሉ ኣገባብ፣ ውዕል ዝተፈጸመሉ ቅጥዒ፣ ተፈጻምነት ውዕል፣ ብዝሒ ተወዓዓልቲ ወዘተ ንዝብሉ መምዘኒታት መሰረት ብምግባር፡ ውዕላት ፈላሊኻ ምርኣይ ይከኣል እዩ። በዚ መሰረት ዝግበር ኣመዳድባ ውዕላት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል።

ግሉጽን ዘይግሉጽን ውዕላት

እቲ ብ“ግሉጽ ውዕል”ዝፍለጥ ዓይነት ውዕል ብቃል ወይ ብጽሑፍ ክግበር ዝከኣል ኮይኑ፣ ተወዓዓልቲ ወገናት ንጹር ብዝኾነ ኣገባብ ሓሳቦምን ትሕዝቶ ውዕሎምን ድሕሪ ምግላጽ ዝድምድምዎ ዓይነት ስምምዕ እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ዘይግሉጽ (ዝእመት) ውዕል ዝበሃል እቶም ተወዓዓልቲ ወገናት ብቃል ይኹን ብጽሑፍ ዝደምደምዎ ንጹር ስምምዕ ከይሃለወ ካብ ዝፈጸምዎም ተግባራቶም፣ ሓፈሻዊ ኩነታቶምን፣ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ርክብን ተበጊስካ ውዕል ኣብ ሞንጎኦም ከም ዝተበጽሐ ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ዝኽእለሉ ኩነታት’ዩ። ግሉጽ ውዕል ከምቲ መጸዊዒኡ ዝሕብሮ ኣብ ንጹር ስምምዕ ናይ’ቶም ተወዓዓልቲ መሰረት ዝገበረ ብምዃኑ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። ዘይግሉጽ ንዝበሃል ዓይነት ውዕል ብዝያዳ ንምብራህ ግን ዝስዕብ ኣብነት ንርአ።

ንኣብነት፦ ኣብ መስመር መጓዓዝያ ታክሲ፡ ኣንፈተን ናበይ ምዃኑ ፍሉጥ ዝኾና ታክሲታት ደው ኣብ ዝበላሉ ቦታ ተጓዓዛይ ማዕጾ ታክሲ ከፊቱ ይኣቱ’ሞ መራሒ ታክሲ ድማ ማኪንኡ መሪሑ ናብቲ ፍሉጥ ኣንፈት ይጓዓዝ። ተጓዓዛይ ኣብ ዝወርደሉ ቦታ ንመራሒ መኪና ሓቢሩ ገንዘቡ ከፊሉ ይወርድ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ሓደ ተጓዓዛይ ናብዚ ቦታ ንከተብጽሓኒ ኣነ ድማ ገንዘብ ክኸፍለካ ንጹር ስምምዕ ኣይገበርናን’ሞ ኣይከፍለካን ዝብል ክርክር ከቕርብ ኣይክእልን።

ናይ ቃልን ጽሑፍን ውዕላት

ናይ ቃል ውዕል ማለት፡ ተወዓዓልቲ ብቃል ዝገብርዎ ስምምዕ እዩ። ናይ ጽሑፍ ውዕል ዝበሃል ድማ ተወዓዓልቲ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ሓድሕዳዊ መሰላትን ግቡኣትን ብጽሑፍ ምስ ዝስነድ እዩ። ሕጊ ብፍሉይ ቅጥዒ ክዳለዉ ንዝጠልቦም ዓይነታት ውዕል ገዲፍካ ዝተረፉ ውዕላት ብቃል፡ ወይ ስምምዕ ክገልጽ ብዝኽእል ዝኾኑ ምልክታት’ውን ክፍጸሙ ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት፦ ንዘይንቀሳቐስ ንብረት ዝምልከቱ ውዕላት፣ ወይ ምስ መንግስቲ ዝእተው ውዕላት ናይ ግድን ብጹሑፍ ክኾኑ ኣለዎም።

ብቑዕ (ጽኑዕ ውዕል)፣ ክፈርስ ዝኽእል (ፈራሲ ውዕል)፣ ውጽኢት-ኣልቦ (ፍሩስ ውዕል)

እዚ ዓይነት ኣመዳድባ ብደረጃ ተፈጻምነትን ብቕዓትን ውዕላት ዝግበር እዩ።

ብቑዕ ወይ ጽኑዕ ውዕል ሕጊ ዝጠልቦም ረቛሒታት ብዘይ ገለ ጉድለት ዘማልአን ንተወዓዓልቲ ድማ ዝቕይድን ምሉእ ተፈጻምነት ዘለዎን ውዕል ማለት እዩ።

ፈራሲ ወይ ክፈርስ ዝኽእል ውዕል ማለት እቲ ዝተገብረ ስምምዕ ገለ ጉድለት ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ውዕል ክፈርሰሉ ብሕጊ መሰል ዝተዋህቦ ወገን፡ ናብ ቤት ፍርዲ ብዘቕርቦ ጥርዓን ወይ መመልከቲ ጽሑፍ ክፈርስ ዝኽእል ዓይነት ውዕል’ዩ። ነቲ ውዕል ክፈርሰሉ ብሕጊ መሰል ዝተዋህቦ ወገን ግን፡ ኣብቲ ብሕጊ ዝፍቀደሉ ደረት ግዜ ሕቶ ከየቕረበ ምስ ዝተርፍ እቲ ዝተደምደመ ውዕል ከም ጽኑዕ ውዕል ተወሲዱ ዝትግበር ውዕል ይኸውን። በዚ ድማ ንኽፈርስ ተኽእሎ ዘለዎ ማለት እዩ።

ንኣብነት፦ ሓደ ወዲ 11 ዓመት ቆልዓ ንሓደ ካልእ ዕድመኡ 30 ዓመት ዝበጽሐ ሰብ ብ500 ናቕፋ ብሽግለታ ንኽሸጠሉ ውዕል ምስ ዝፍጽም፣ እቲ ውዕል ክሳብ ወለዲ ወይ ሞግዚት ናይቲ ወዲ 11 ዓመት ክሲ ብምቕራብ ውዕል ይፍረሰልና ኢሎም ዝሓቱ፡ እቲ ውዕል ከም ጽኑዕ ውዕል ይሕሰብ።

ውጽኢት ኣልቦ ወይ ፍሩስ ውዕል ማለት ካብ መሰረቱ ሕጋዊ ተፈጻምነት ክህልዎ ዘይክእል ዓይነት ስምምዕ እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምምዕ ብሕጊ ኣፍልጦ ክወሃቦ ዘይክእልን ተግባራዊ ክኸውን ዘይክእልን ስምምዕ ኢዩ።

ንኣብነት፦ ሓደ ሰብ ንሓደ ብስርቂ ዝፍለጥ ሰብ ካብ ገዛ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ንኽሰርቕን ኣምሳያኡ ድማ 5000 ናቕፋ ንክኸፍሎ ተሰማሚዑ። በዚ ድማ ስምምዖም ሕጋዊ ስለዘይኮነ እቲ ብስርቂ ዝፍለጥ ሰብ ነቲ ካልእ ሰብ 5000 ናቕፋ ንክኸፍሎ ክሲ ክምስርት መሰል ኣይህልዎን።

ይቕጽል

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events