Basic

''ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት- ''ኣየ ምጽዋዕ''!-ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 5ይ ስጋብ 8ይ ክፋላት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 21 May 2017

''ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት- ''ኣየ ምጽዋዕ''!-ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ!  5 ስጋብ 8 ክፋላት

ግምቦት 21, 2017 ዓም ፈረንጂ

ትርጉም ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ

ጸሓፋይን ተሓታታይን ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ሓለቃ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ

፠፠፠፠፠፠፠

https://scontent-fra3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-9/fr/cp0/e15/q65/13335766_1052725741501871_4370204538070871219_n.jpg?oh=cb06988f8894d754230a6219219bff0b&oe=5974F70A

****ስእሊታት ደራሲ`ዛ  መጽሓፍ ወትሃደር ሓለቓ ሓምሳ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖን [ጸጋማይ ስእሊ] ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን [የማናይ ስእሊ] ………………….

  • *** ሓጺር መብርሂ፡ ‘‘ኤርትራን ከኢትዮጵያ የነጠለ ጦርነት፣ ኣይ ምጽዋ‘‘ ብትግርኛ ድማ “ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለየ ኲናት፣ ኣየ ምጽዋዕ‘‘ ዝተባህለት መጽሓፍ ደራሲኣ ሓለቓ ሓምሳ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ይበሃል። እዚ ናይ ቀደም ኣባል ደርጋዊ ኢትዮጵያዊ ወትሃደር ነበር፣ ብጀጋኑ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ [ህ.ግ.ሓ.ኤ]‘‘ስርሒት ፈንቕል‘‘ ዝብል ስም ኣንጻር ባዕዳዊን መግዛእታዊን ወራሪ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ  ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ፣ ክጅመር ኣትሒዙ ስጋብ ብዓወት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [ህ.ሰ.ሓ.ኤ] ዝዛዘም፣ ካብቲ ውግእ ዝተረፉ ንሱ ደሚርካ ኣሽሓት ምሩኻትን ዝኾኑሉ ዝነበረ ኩነታት ብናቱ ትዕዝብቲ ኣብዛ ዝተጠቕሰት መጽሓፍ ሰኒዱዎ ኣሎ። እዛ ጽዋ [ዛንታ] መጽሓፍ እዚ‘`ኣ ኣብ ክሊ ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ውትሃደራቶምን ዝነበረ ናይ ኲናት ሃዋህውን ሕንፍሽፍሽን ብፍላይ ከምኡውን ብወገን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [ህ.ሰ.ሓ.ኤ] ኣብ ብጽኑዕ ተሃዲሙ ዝነበረ ወትሃደራዊ ዕርድታት ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ ድማ ብሓፈሻ፣ ብዝርዝር ገሊጹዎ ኣሎ።

 ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማ [የማናይ ስእሊ ኣብ ላዕሊ ተመልከት]፣ እቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኣብ ሞንጉኦም ተሓቢኡ ስጋብ መጨረሽታ ዝተዋግኣን ጠንቂ ዘየድሊ መስዋእትን ህልቀት ህዝብን ወትሃደራትን ዕንወት ወደባዊት ባጽዕ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ ብኻላሽኑ ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመን ኣረሜናዊ ሰብ እዩ። በወገን ኢትዮጵያውያን ከም ባህላዊ ርድኢቶም ከም ሃጸይ ተዎድሮስ [ናይ ቀደም ስሙ ራስ ካሳ] ጀግና ኢሎም ይሰምይዎ እዮም። ብወገነይ ክምኡ`ውን ብዓለማውን ብሰብኣዊን ትዕዝብቲ ግን፣ ለባማት ኣቦታትና ከምኡ ምስ ረኣዩ ``ኣድግሲ መሬት ብድሕረይ ዳንዴር ኣትብቘላ በለት‘‘ ክብሉ ዝመሰሉዎ፣ ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘይብሉ ጨካን ሰብ ኢለ ይገልጾ። በቲ ሓደ ወገን ብወትሃደራዊ ዓይኒ፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይነበሮ ቃልዕ ይኹን በረኻ ጎበታትን ከምኡ‘ውን ጎላጉል ኣንጻር ጸላኢኡ እናተዋግኤን ከም ሓላፊ እናዋግኤን ምስ ዘይሰልጦ ማለት ኣብ ኢድ ተጻይ ናይ ምውዳቕ ወይ ምምራኽ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ከምኡ እንተዝገብር ኔሩ፣ ኣነ‘ውን ብዘይቀልዓለም ካበየናይ ወገን ብዘየገድስ ጅግና ምበልኩዎ ኔረ። ከምኡ ግን ኣይነበረን።

ሓያሎይ ክፋላት ናይ`‘ዚ ትረኻ‘ዚ ካብ ገጽ-መጽሓፍ ክዓቑሮ ቀንየ እየ። ኣብ‘ዚ ብዙሕ ኽቡር መስዋእትን መውጋእትን ዝተኸፍለሉ ከቢድ ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ነገራውን ዕንወት ዝተኸሰተሉን ብድምር ናቱ ድማ መበል 26 ዓመታት ክቡር ነጻነትና ከነኽብሮ እንዳለወሉ ኣብ ዘሎና ሃዋህው፣ ንመዘኻኸሪ ካብ`ቲ ዓቚረዮ ዘሎኹ ጽሑፋት ንኸተምብብዎ ምእንታን ብድምር ክፋላት መዓልታዊ ክሰደሉም እየ።ሰናይ ንባብ!!!

ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና፠፠፠፠፠፠፠፠፠ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና፣ ክብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ብጾትና!!!

ሞሳን ክብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

***ሓውኹም ብርሃነ ሃብተማርያም [ጸሓፊ-ናይ‘ዚ ሓጺር መብርሂ]

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

  • ድሕሪ እቲ ሬድዮ ርክብ ጄነራል ተሾመ ምስ ጄነራል ሑሴን ምዝዛሙ ሒደት ደቓይቅ፡ ክልተ ነፈርቲ ኩናት ሚግ 21’ ሚግ 23’ ዝባሃላ ስርሓት ራሻ፡ ካብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ነቒለን ኣብቲ ሻዕብያ ተቖጻጺርዎ ዝነበረ ቦታ ደብደባ። ኣብታ ህሞት እቲኣ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ክልተ ተዋጋእቲ ሄሊኮፕተራት ብሑጓ (ብድሕሪት) ለጠቕ ኢለን በሪረን ብከበድትን ፎኮስቲን ቦንባታት ደብዲበን ሻዕብያ ከበድቲ ክሳራታት ኣሸከምኦ።

እቲ ኣንበሳ ሰማይ ሓይሊ ኣየር ኣብዮታዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ጸዋግ ሰዓት ተስፋ ኣልቦ ዝኾነ እዋን ንብረት ሻዕብያ ኣባሪዑ ባና ዓወት ኣማዕዲና ንኽንርኢ ብርሃን ፈጢሩልና ኢዩ። እቲ ጅግና ኣንበሳ ሰማይ ሓይሊ ኣየርና ኣብታ ህሞት እቲኣ ንጄነራል ተሾመ ዘዕግብ ዓወት ኣመዝጊቡ ኢዩ።

እንደገና ድሕሪ ሒደት ደቃይቕ ናይ እዚ ፍጻሜ፡ ኣርባዕተ ነፈርቲ ኩናት ተስሪዔን ተር- ኢለን መጺአን፡ ኣብ ልዕሌና ድሕሪ ምዝንባይ ቀጥታ ናብቲ ሻዕብያ ተቆጻጺርዎ ዝነበረ ቦታ በሪረን ከም ሕሱም ደብደባ። እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ከቢድን ፎኪስን ቦምባታት ነፈርቲ ኩናት ኣብ ዝባኑ ዝዘነቦ መሬት፡ ሓድሽ እሳተ ጎመራ ዝነቶጎሉ ስፍራ መሰለ።

ኣብታ ህሞት እቲኣ ኣዛዚ እንዳ 29(29)ዘርኣይ ደረስ ሜካናይዝድ ብርጌድ ዝነበረ መኮንን ደርጊ ምስ ጄነራል ተሾመ ተሰማ ብዉሽጣዊ ናይ ምስጢር መስመር ወተሃደራዊ ሬድዮ ተራኺቡ፡ ሓደ ብስራት ኣበሰሮም፡፡ እቲ ሽዑ ዘበሰሮም ብስራት ልቦም ኣተርኪሱ መንፈሶም ኣዔጊሱ ሞራሎም አሐዲሱ ፍሽክሽክ ክብሉ ኣኽኢልዎም ኔሩ ኢዩ፡፡

ዋላ እኳ እቶም ጄነራል ከም ሓደ ዓቢ ሚዛን ዓቅሚ ቶኽሲ ጸላኢ ዝቅይር ብስራት ዝተበሰሩ፡ ነጸብራቕ ዉሽጣዊ ናይ ሓጎስ ስምዒቶም ኣብ ገጾም እንበብ እንተበረ።ግን ኣነ ሕጂ ግደ ሓቂ ክዛረብ፡ እቲ ሽዑ ዝሰምዕዎ ብስራት ተራ ብስራት ዓወት። ኣብ ዝኾነ ዓውደ ኩናት ትረክቦ ዓወት ኢዩ ኔሩ።............................

  • ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም።
ሰናይ ንባብ!
 
ብርሃነ ሃብተማርያም

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events