Date: Tuesday, 23 May 2017
‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 14 ስጋብ መበል 18 ክፋላት
ግምቦት 23, 2017 ዓም ፈረንጂ
ትርጉም ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ፡ ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ
ጸሓፋይን ተሓታታይን ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ሓለቃ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ።
፠፠፠፠፠፠፠
****ስእሊታት ደራሲ`ዛ መጽሓፍ ወትሃደር *ሓለቓ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖን [ላዕለዋይ ስእሊ] ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን [ታሕተዋይ ስእሊ] ………………….
ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማ [የማናይ ስእሊ ኣብ ላዕሊ ተመልከት]፣ እቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኣብ ሞንጉኦም ተሓቢኡ ስጋብ መጨረሽታ ዝተዋግኣን ጠንቂ ዘየድሊ መስዋእትን ህልቀት ህዝብን ወትሃደራትን ዕንወት ወደባዊት ባጽዕ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ ብኻላሽኑ ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመን ኣረሜናዊ ሰብ እዩ። በወገን ኢትዮጵያውያን ከም ባህላዊ ርድኢቶም ከም ሃጸይ ተዎድሮስ [ናይ ቀደም ስሙ ራስ ካሳ] ጀግና ኢሎም ይሰምይዎ እዮም። ብወገነይ ክምኡ`ውን ብዓለማውን ብሰብኣዊን ትዕዝብቲ ግን፣ ለባማት ኣቦታትና ከምኡ ምስ ረኣዩ ``ኣድግሲ መሬት ብድሕረይ ዳንዴር ኣትብቘላ በለት‘‘ ክብሉ ዝመሰሉዎ፣ ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘይብሉ ጨካን ሰብ ኢለ ይገልጾ። በቲ ሓደ ወገን ብወትሃደራዊ ዓይኒ፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይነበሮ ቃልዕ ይኹን በረኻ ጎበታትን ከምኡ‘ውን ጎላጉል ኣንጻር ጸላኢኡ እናተዋግኤን ከም ሓላፊ እናዋግኤን ምስ ዘይሰልጦ ማለት ኣብ ኢድ ተጻይ ናይ ምውዳቕ ወይ ምምራኽ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ከምኡ እንተዝገብር ኔሩ፣ ኣነ‘ውን ብዘይቀልዓለም ካበየናይ ወገን ብዘየገድስ ጅግና ምበልኩዎ ኔረ። ከምኡ ግን ኣይነበረን።
ሓያሎይ ክፋላት ናይ`‘ዚ ትረኻ‘ዚ ካብ ገጽ-መጽሓፍ ክዓቑሮ ቀንየ እየ። ኣብ‘ዚ ብዙሕ ኽቡር መስዋእትን መውጋእትን ዝተኸፍለሉ ከቢድ ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ነገራውን ዕንወት ዝተኸሰተሉን ብድምር ናቱ ድማ መበል 26 ዓመታት ክቡር ነጻነትና ከነኽብሮ እንዳለወሉ ኣብ ዘሎና ሃዋህው፣ ንመዘኻኸሪ ካብ`ቲ ዓቚረዮ ዘሎኹ ጽሑፋት ንኸተምብብዎ ምእንታን ብድምር ክፋላት መዓልታዊ ክሰደሉም እየ።ሰናይ ንባብ!!!
ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና፠፠፠፠፠፠፠፠፠ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና!!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና፣ ክብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ብጾትና!!!
ሞሳን ክብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!
ዓወት ንሓፋሽ!!!
***ሓውኹም ብርሃነ ሃብተማርያም [ጸሓፊ-ናይ‘ዚ ሓጺር መብርሂ]
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
ጄነራል ተሾመ፣ “ሻዕብያ፡ ኣብ 1988 ዓ.ም. ፈረንጂ ኣብ ኣፍዓበት (ናደዉ እዚ) ልዕሊ'ቲ ኣእላፍ ገዳይም ኣጋር ኣብዮታዊ ጦር-ሰራዊትና ምድምሳሱን፥ ልዕሊ እቲ ብዙሕ ከበድትን ፈኮስትን ብረታት ምምራኹን፥ ካልእ ካልእን፥ እቲ ፍልጠት ከቢድ ብረት ዝማረኸልና ኢዩ። ንዓና ዝዓበየ ኽሳራና።’’
“ማለተይ በቶም ተመክሮ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዘለዎም ተኮስትን ጸገንትን ከበድቲ-ብረታት ወተሃደራትና፡ ኣብ ኣፍዓበት ዝማረኾም ሰልጢኑ፡ ፍልጠት ቀሲሙ ኢዩ ሎሚ ብመዳፍዕ ናይ ገዛእ ርእስና ከበድቲ-ብረታት ብደብዳብ ትንፋስና ዘሙልቘና ዘሎ።’’ ዝብል ርእይቶ ይደጋግሙ ነበሩ። ብግምጣል እዚ ድማ ኮማንዶር ፊሊጶስ..... “ተሾመ ኣጆካ ኣይትርዓድ ኣይትጃጁ። እቲ ጎብለል ክፍለ ጦር-ሰራዊት ‘18ኛ ሜካናይዝድ ብርጌድ ኣጋር ተዋጋኣይ ኣብ ኣኽራናት’ ዝተሰመየ እኮ’ዩ ምስ ሻዕብያ ገጢሙ ዘሎ። እዚ ብርጌድ እዚ ካኣ ዋዛ ከይመስለካ። ‘መዳልያ ’ ብቕዓት ኣብ ኩናት ዝተሸለመ ሓያል ተዋጋኢ ክፍለ ጦር-ሰራዊት ኢዩ።’’
“ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ምስ ‘18ኛ’ ተወሃሂዱ ዝዋጋእ ዘሎ ‘ሰንጣቂ 16ኛ ሜካናይዝድ ብርጌድ ከቢድ ብረት’ እዉን ተኾነ፡ እቲ ዝበዝሐን ዝማዕበለን ከበድቲ ብረታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓጠቐ ብርጌድ እኮ ኢዩ።’’
“እዚ ብርጌድ እዚ ኸኣ ኢዩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ንሻዕብያ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ሓመድ ድፋጭ’ኡ ዘስትዮ ዘሎ።’’
“ተሾመ፣ ጽባሕ ንግሆ እንታይ ኢሉ ኔሩ ‘ፊሊጶስ’ ክትብል ኢካ። ሻዕብያ ተዋሪዱ ኣብቲ ዝነበሮ ኣኽራናት ሳሕል ምስ ተመልሰ” ዝብል ርእይቶ ይደጋገም ኔሩ። እቲ ‘’ዘተ’’ ብመትከልን መንፈስን ‘’ኢድ’ካ ንስዕረት ዘይምሃብ’’ ዝምራሕ ኢዩ ኔሩ። ብ “እምቢ ኣይሰዓርን” ዝተማእከለ ፍረ ዘይሕፈሰሉ ኣህላኺ “ዘተ”። „እታ ዑፍ ዋላ ትንፈር እንበር ጤል ኢያ“ ዝዓይነቱ።
ጄነራል ተሾመ ‘’ኣብ እቲ ዘይሰምዓ’ካ ደብሪ ኣይትማህለል’’ ትብል ምሰላ ቐዳሞት ዝዘከሩ ክመስሉ። ካብቲ ክከይድ ዝጸንሐ መዛተዪ ኣርእስቲ ወጻኢ.....
“ ኮማንዶር ፊሊጶስ: ኣብቲ ቀንዲ ዘምጽኣኒ ጉዳይ ክኣቱ’’ ኢሎም ማእዝን ኩርናዕ ዕላል ቀየርዎ።
“ሎሚ - መዓልቲ ከባቢ ሰዓት ሓደ ናይ ቀትሪ ይኸዉን ሓንቲ ሄሊኮፕተር ብሸነኽ ደሴት ዳህላክ ዝመጸት፡ ነቲ መዕርፎ-ነፈርቲ ምጽዋዕ ተሓሲማ ኣብ ጥቓ ኣጂፕ መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ክትዓልብ ተዓዚበ ኣለኹ።’’
“መቸም እዚ ተርእዮ’ዚ ልሙድን ንቡርን ኣይኮነን።” ኢሎም ንሒደት ካልኢታት ኣቶኩሮም ጠመትዎም። ስምዒቶም ዘንብቡ ዝነበሩ ኢዮም ዝመስሉ።
ኣልግብ ኣቢሎም ድማ “ብዛዕባ እዚ ትፈልጥዎ ነገር ኣሎ ዶ! ’’ በሉ ኣዒንቶም ኣብ ኣዒንቲ እቶም ኮማንዶር ተኺሎም።
እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዕላል ኣብ ሞንጎ'ዞም ክልተ ላዕለዎት መኮንናት ኣህላኽን ኣድካምን ኢዩ ኔሩ። ብፍላይ ከኣ እቲ ርእይቶ ናይ ኮማንዶር ፊሊጶስ ብፕሮፖጋንዳ ዝተጠጅኤን ብሓሶት ዝተባዕጠን ካብ ክዉንነት ዝረሓቀ፡ ኣብ ፍልስፍና ‘ታህዲድ‘ ፍርቂ ሓይሊ ዝተመርኮሰ፡ ሓንቲ ስድሪ ንቕድሚት ዘየሰጉም ርእይቶ ስለ ዝነበረ፡ ቕጭ ኢዩ ኣምጺእለይ ኔሩ።
ደሓን ትእቶ እታ ሚስጥራዊት ሄሊኮፕተር “ዕላል” ኣብ እዋናዊ ፍጻሜታት ኣብ ባይታ ዘሎ፡ ኣብ ብዓይንና ንርእዮን ብኢድና ንዝጭበጦ ኮነ።.....................................
ኣብ ዝሓለፈ ዝተሓትሙ ቀዳሞት ክፋላት፣
‚ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት "ኣየ ምጽዋዕ"‘ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 1ይ ስጋብ 4ይ ክፋላት
http://dehai.org/dehai/world-news/156814
''ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት- ''ኣየ ምጽዋዕ''!-ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 5ይ ስጋብ 8ይ ክፋላት
http://dehai.org/dehai/world-news/157095
‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 9ይ ስጋብ መበል 13ስተ ክፋላት