Basic

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 14 ስጋብ መበል 18 ክፋላት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 23 May 2017

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘“ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 14 ስጋብ መበል 18 ክፋላት

ግምቦት 23, 2017 ዓም ፈረንጂ

https://encrypted-tbn0.gstatic.com/images?q=tbn:ANd9GcSMTf5WrTs2-aAnHQOk_wcfcqV5ltfj5K2UZfkW4hlx6j48ipVe

ትርጉም ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ

ጸሓፋይን ተሓታታይን ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ሓለቃ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ

፠፠፠፠፠፠፠

http://www.sbs.com.au/yourlanguage/sites/sbs.com.au.yourlanguage/files/podcasts//6538_tadesse-salvano.jpghttps://scontent-fra3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-9/fr/cp0/e15/q65/13335766_1052725741501871_4370204538070871219_n.jpg?oh=cb06988f8894d754230a6219219bff0b&oe=5974F70A

****ስእሊታት ደራሲ` መጽሓፍ ወትሃደር *ሓለቓ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖን [ላዕለዋይ ስእሊ] ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን [ታሕተዋይ ስእሊ] ………………….

  • *** ሓጺር መብርሂ፡ ‘‘ኤርትራን ከኢትዮጵያ የነጠለ ጦርነት፣ ኣይ ምጽዋ‘‘ ብትግርኛ ድማ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለየ ኲናት፣ ኣየ ምጽዋዕ‘‘ ዝተባህለት መጽሓፍ ደራሲኣ ሓለቓ ሓምሳ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ይበሃል። እዚ ናይ ቀደም ኣባል ደርጋዊ ኢትዮጵያዊ ወትሃደር ነበር፣ ብጀጋኑ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ [...] ‘‘ስርሒት ፈንቕል‘‘ ዝብል ስም ኣንጻር ባዕዳዊን መግዛእታዊን ወራሪ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ፣ ክጅመር ኣትሒዙ ስጋብ ብዓወት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [...] ዝዛዘም፣ ካብቲ ውግእ ዝተረፉ ንሱ ደሚርካ ኣሽሓት ምሩኻትን ዝኾኑሉ ዝነበረ ኩነታት ብናቱ ትዕዝብቲ ኣብዛ ዝተጠቕሰት መጽሓፍ ሰኒዱዎ ኣሎ። እዛ ጽዋ [ዛንታ] መጽሓፍ እዚ‘` ኣብ ክሊ ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ውትሃደራቶምን ዝነበረ ናይ ኲናት ሃዋህውን ሕንፍሽፍሽን ብፍላይ ከምኡውን ብወገን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [...] ኣብ ብጽኑዕ ተሃዲሙ ዝነበረ ወትሃደራዊ ዕርድታት ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ ድማ ብሓፈሻ፣ ብዝርዝር ገሊጹዎ ኣሎ።

ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማ [የማናይ ስእሊ ኣብ ላዕሊ ተመልከት] እቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኣብ ሞንጉኦም ተሓቢኡ ስጋብ መጨረሽታ ዝተዋግኣን ጠንቂ ዘየድሊ መስዋእትን ህልቀት ህዝብን ወትሃደራትን ዕንወት ወደባዊት ባጽዕ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ ብኻላሽኑ ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመን ኣረሜናዊ ሰብ እዩ። በወገን ኢትዮጵያውያን ከም ባህላዊ ርድኢቶም ከም ሃጸይ ተዎድሮስ [ናይ ቀደም ስሙ ራስ ካሳ] ጀግና ኢሎም ይሰምይዎ እዮም። ብወገነይ ክምኡ`ውን ብዓለማውን ብሰብኣዊን ትዕዝብቲ ግን፣ ለባማት ኣቦታትና ከምኡ ምስ ረኣዩ ``ኣድግሲ መሬት ብድሕረይ ዳንዴር ኣትብቘላ በለት‘‘ ክብሉ ዝመሰሉዎ፣ ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘይብሉ ጨካን ሰብ ኢለ ይገልጾ። በቲ ሓደ ወገን ብወትሃደራዊ ዓይኒ፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይነበሮ ቃልዕ ይኹን በረኻ ጎበታትን ከምኡውን ጎላጉል ኣንጻር ጸላኢኡ እናተዋግኤን ከም ሓላፊ እናዋግኤን ምስ ዘይሰልጦ ማለት ኣብ ኢድ ተጻይ ናይ ምውዳቕ ወይ ምምራኽ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ከምኡ እንተዝገብር ኔሩ፣ ኣነውን ብዘይቀልዓለም ካበየናይ ወገን ብዘየገድስ ጅግና ምበልኩዎ ኔረ። ከምኡ ግን ኣይነበረን።

ሓያሎይ ክፋላት ናይ`‘ ትረኻ ካብ ገጽ-መጽሓፍ ክዓቑሮ ቀንየ እየ። ኣብ ብዙሕ ኽቡር መስዋእትን መውጋእትን ዝተኸፍለሉ ከቢድ ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ነገራውን ዕንወት ዝተኸሰተሉን ብድምር ናቱ ድማ መበል 26 ዓመታት ክቡር ነጻነትና ከነኽብሮ እንዳለወሉ ኣብ ዘሎና ሃዋህው፣ ንመዘኻኸሪ ካብ` ዓቚረዮ ዘሎኹ ጽሑፋት ንኸተምብብዎ ምእንታን ብድምር ክፋላት መዓልታዊ ክሰደሉም እየ።ሰናይ ንባብ!!!

ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና፠፠፠፠፠፠፠፠፠ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና፣ ክብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ብጾትና!!!

ሞሳን ክብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

***ሓውኹም ብርሃነ ሃብተማርያም [ጸሓፊ-ናይ ሓጺር መብርሂ]

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

  • ኣብ' ሰግለለት ስዕረት ኣብ ሰማያት ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ዘንሳፍፈሉ ዝነበረ ጸላም እዋን፡ እቶም ክልተ ላዕለዎት መኮንናት ደርጊ ክዝትዪ እንከለዉ....

ጄነራል ተሾመሻዕብያ፡ ኣብ 1988 .. ፈረንጂ ኣብ ኣፍዓበት (ናደዉ እዚ) ልዕሊ' ኣእላፍ ገዳይም ኣጋር ኣብዮታዊ ጦር-ሰራዊትና ምድምሳሱን፥ ልዕሊ እቲ ብዙሕ ከበድትን ፈኮስትን ብረታት ምምራኹን፥ ካልእ ካልእን፥ እቲ ፍልጠት ከቢድ ብረት ዝማረኸልና ኢዩ። ንዓና ዝዓበየ ኽሳራና።’’

ማለተይ በቶም ተመክሮ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዘለዎም ተኮስትን ጸገንትን ከበድቲ-ብረታት ወተሃደራትና፡ ኣብ ኣፍዓበት ዝማረኾም ሰልጢኑ፡ ፍልጠት ቀሲሙ ኢዩ ሎሚ ብመዳፍዕ ናይ ገዛእ ርእስና ከበድቲ-ብረታት ብደብዳብ ትንፋስና ዘሙልቘና ዘሎ።’’ ዝብል ርእይቶ ይደጋግሙ ነበሩ። ብግምጣል እዚ ድማ ኮማንዶር ፊሊጶስ..... “ተሾመ ኣጆካ ኣይትርዓድ ኣይትጃጁ። እቲ ጎብለል ክፍለ ጦር-ሰራዊት ‘18 ሜካናይዝድ ብርጌድ ኣጋር ተዋጋኣይ ኣብ ኣኽራናትዝተሰመየ እኮ ምስ ሻዕብያ ገጢሙ ዘሎ። እዚ ብርጌድ እዚ ካኣ ዋዛ ከይመስለካ።መዳልያብቕዓት ኣብ ኩናት ዝተሸለመ ሓያል ተዋጋኢ ክፍለ ጦር-ሰራዊት ኢዩ።’’

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ምስ ‘18ተወሃሂዱ ዝዋጋእ ዘሎሰንጣቂ 16 ሜካናይዝድ ብርጌድ ከቢድ ብረትእዉን ተኾነ፡ እቲ ዝበዝሐን ዝማዕበለን ከበድቲ ብረታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓጠቐ ብርጌድ እኮ ኢዩ።’’

እዚ ብርጌድ እዚ ኸኣ ኢዩ፣ ኣብዚ እዋን ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ንሻዕብያ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ሓመድ ድፋጭ ዘስትዮ ዘሎ።’’

ተሾመ፣ ጽባሕ ንግሆ እንታይ ኢሉ ኔሩፊሊጶስክትብል ኢካ። ሻዕብያ ተዋሪዱ ኣብቲ ዝነበሮ ኣኽራናት ሳሕል ምስ ተመልሰዝብል ርእይቶ ይደጋገም ኔሩ። እቲ ‘’ዘተ’’ ብመትከልን መንፈስን ‘’ኢድ ንስዕረት ዘይምሃብ’’ ዝምራሕ ኢዩ ኔሩ። እምቢ ኣይሰዓርንዝተማእከለ ፍረ ዘይሕፈሰሉ ኣህላኺዘተእታ ዑፍ ዋላ ትንፈር እንበር ጤል ኢያ“ ዝዓይነቱ።

ጄነራል ተሾመ ‘’ኣብ እቲ ዘይሰምዓ ደብሪ ኣይትማህለል’’ ትብል ምሰላ ቐዳሞት ዝዘከሩ ክመስሉ። ካብቲ ክከይድ ዝጸንሐ መዛተዪ ኣርእስቲ ወጻኢ.....

ኮማንዶር ፊሊጶስ: ኣብቲ ቀንዲ ዘምጽኣኒ ጉዳይ ክኣቱ’’ ኢሎም ማእዝን ኩርናዕ ዕላል ቀየርዎ።

ሎሚ - መዓልቲ ከባቢ ሰዓት ሓደ ናይ ቀትሪ ይኸዉን ሓንቲ ሄሊኮፕተር ብሸነኽ ደሴት ዳህላክ ዝመጸት፡ ነቲ መዕርፎ-ነፈርቲ ምጽዋዕ ተሓሲማ ኣብ ጥቓ ኣጂፕ መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ክትዓልብ ተዓዚበ ኣለኹ።’’

መቸም እዚ ተርእዮ ልሙድን ንቡርን ኣይኮነን።ኢሎም ንሒደት ካልኢታት ኣቶኩሮም ጠመትዎም። ስምዒቶም ዘንብቡ ዝነበሩ ኢዮም ዝመስሉ።

ኣልግብ ኣቢሎም ድማብዛዕባ እዚ ትፈልጥዎ ነገር ኣሎ ! ’’ በሉ ኣዒንቶም ኣብ ኣዒንቲ እቶም ኮማንዶር ተኺሎም።

እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዕላል ኣብ ሞንጎ'ዞም ክልተ ላዕለዎት መኮንናት ኣህላኽን ኣድካምን ኢዩ ኔሩ። ብፍላይ ከኣ እቲ ርእይቶ ናይ ኮማንዶር ፊሊጶስ ብፕሮፖጋንዳ ዝተጠጅኤን ብሓሶት ዝተባዕጠን ካብ ክዉንነት ዝረሓቀ፡ ኣብ ፍልስፍናታህዲድ‘ ፍርቂ ሓይሊ ዝተመርኮሰ፡ ሓንቲ ስድሪ ንቕድሚት ዘየሰጉም ርእይቶ ስለ ዝነበረ፡ ቕጭ ኢዩ ኣምጺእለይ ኔሩ።

ደሓን ትእቶ እታ ሚስጥራዊት ሄሊኮፕተርዕላልኣብ እዋናዊ ፍጻሜታት ኣብ ባይታ ዘሎ፡ ኣብ ብዓይንና ንርእዮን ብኢድና ንዝጭበጦ ኮነ።.....................................

  • ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም።
ሰናይ ንባብ!
 
ብርሃነ ሃብተማርያም

ኣብ ዝሓለፈ ዝተሓትሙ ቀዳሞት ክፋላት

‚ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት "ኣየ ምጽዋዕ"‘ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 1 ስጋብ 4ይ ክፋላት

http://dehai.org/dehai/world-news/156814

''ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት- ''ኣየ ምጽዋዕ''!-ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ!  5 ስጋብ 8 ክፋላት

http://dehai.org/dehai/world-news/157095

‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት ‘‘ኣየ ምጽዋዕ]‘‘ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 9 ስጋብ መበል 13ስተ ክፋላት

http://dehai.org/dehai/dehai/157629

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events