Basic

ECSS-Online.com: ካልኣይ መጽሓፍ – ሲቪላዊ ስርዓት ብሓፈሻ ቀዳማይ ኣርእስቲ – ክለ-ስልጣን ምዕራፍ 1. – ሃገራዊ ኽለ-ስልጣን

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 18 September 2017

ካልኣይ መጽሓፍ – ሲቪላዊ ስርዓት ብሓፈሻ
ቀዳማይ ኣርእስቲ – ክለ-ስልጣን
ምዕራፍ 1. – ሃገራዊ ኽለ-ስልጣን

ወርሒ መስከረም ዕለት 18, 2017 ዓም ፈረንጂ

Part 2

ዓንቀጽ 33. – ደረት ተፈጻምነት

ኤርትራ ኣባል ዝዀነትሉ ዝዀነ ኣህጕራዊ ስምምዕ ዝተፈልየ እንተ ዘይደንጊጉ፣ ሃገራዊ ኽለ-ስልጣን ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ኣብ ሲቪላውን ንግዳውን ጕዳያት በዚ ምዕራፍ ይውሰን።

ዓንቀጽ 34. – ኣድራሻ ተኸሳሲ

(1) ኣብ ፍሉይ ድንጋገታት ሕጊ ኤርትራ ዝተፈልየ እንተ ዘይተደንጊጉ፣ ልሙድ መንበሪ ተኸሳሲ ኣብ ኤርትራ ምስ ዚኸውን ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ነቲ ጕዳይ ንምድናይ ክለ-ስልጣን ይህልወን።


(2) ተኸሳሲ ኩባንያ ወይ ካልእ ሕጋዊ ሰብነት ዘሎዎ ኣካል ኣብ ዝዀነሉ ዅነታት፣ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ ነቲ ጕዳይ ንምድናይ ክለ-ስልጣን ዝህልዎም፣ ቀንዲ ቦታ ዋኒን ናይተን ትካላት ወይ እተን ትካላት ንጥፈታትን ዘካይዳሉ ቦታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምስ ዚኸውን እዩ። ቀንዲ ቦታ ዋኒን፣ ኣብ ካልእ ቦታ ከም ዝርከብ እንተ ዘይተገሊጹ፣ ኣብ መመሓደሪ ሕጊ ትካል ከም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኪኸውን ዝተመርጸ ቦታ ማለት እዩ።.............................

..........................ምንባብ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ቀጽልዎ።

ብርሃነመስቀል  ሃብተማርያም

ዝሓለፈ ቀዳማይ ሕታም፣


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events