Basic

Tigrigna.VoaNews.com: “ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላምን ጸጥታን ክፍጠር ንሰርሕ ኣለና” ዶናልድ ያማማቶ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 14 November 2017

“ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላምን ጸጥታን ክፍጠር ንሰርሕ ኣለና” ዶናልድ ያማማቶ

ሕዳር 14, 2017
  • ቪኦኤ ዜና
  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ፋይል- ተተካኢ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቶ
 
ፋይል- ተተካኢ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቶ

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ተለርሰን፡ ን37 ሚንስተራት ወጻኢ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንዝመጽእ ዓርቢ ናብ ዋሺንግተን ዓዲምዎም ኣሎ።

እቲ ዋዕላ ብዛዕባ ንግዲን ወፍርን፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ጸረ-ግብረሽበራን፡ ሰናይ ምሕደራን ክዝትይ ትጽቢት ኣሎ ይብል ተተካኢ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቶ።

ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ዘሎ ብድሆታት ጸጥታን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምፍታሕ፡ ኣሜሪካ ትጻወቶ ተራ ዝተሓተተ ዶናልድ ያማማቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣብ ሶማል ዘለዉ ጥሩፋት ዝመጽእ ስግኣት ጸጥታ ከምዘሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ንቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገጢምዎም ዘሎ ብድሆ ሰናይ ምሕደራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊን ዘሎ ውጥረት ተጠቃሳይ ምዃኑ ይጠቅስ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላምን ጸጥታን ክመጽእ ብኸመይ ምሕጋዝ ከምዝክኣል ምርኣይ`ዩ ዝበለ ያማማቶ፡ ነቲ ውጥረት ኣብ ምፍታሕ ንሰርሕ ኣለና ኢሉ። ኣስዒቡ እዚ ኣሜሪካ ፍታሕ ክተረኽበሉ ቆሪጻ ተላዒላትሉ ዘላ ጉዳይ`ዩ፡ ምኽንያቱ ኤርትራን ኢትዮጵያን`ውን ነቲ ውጥረት ንምፍታሕ ድልውነተን ኣርእየን ኣለዋ፡ ስለዚ ንሰርሓሉ ዘለና ጉዳይ`ዩ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

https://tigrigna.voanews.com/a/4114935.html

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events