Basic

ገጽ-መጽሓፍ፡ ካብቶም ናይ ኣስመራ ብሓሶት ኣቀናቢሮም ምስ ኣብ ኣውሮፓ ዘለው ሰለስተ ሰባት ብምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ሰብ ይሃልቕ ከምዘሎ ኣምሲሎም ቪድዮ ዝዘርጉሑን ዘቀናብሩን ክልተ ሰባት ሎሚ ተታሒዞም።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 16 November 2017

ካብቶም ናይ ኣስመራ ብሓሶት ኣቀናቢሮም ምስ ኣብ ኣውሮፓ ዘለው ሰለስተ ሰባት ብምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ሰብ ይሃልቅ ከምዘሎ ኣምሲሎም ቪድዮ ዝዘርጉሑን ዘቀናብሩን ክልተ ሰባት ሎሚ ተታሒዞም።
 
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡ (ኤርትራ)
ወርሒ ሕዳር ዕለት 16, 207 ዓም ፈረንጂ

ካብቶም ናይ ኣስመራ ብሓሶት ኣቀናቢሮም ምስ ኣብ ኣውሮፓ ዘለው ሰለስተ ሰባት ብምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ሰብ ይሃልቕ ከምዘሎ ኣምሲሎም ቪድዮ ዝዘርጉሑን ዘቀናብሩን ክልተ ሰባት ሎሚ ተታሒዞም። ኣብቲ ቪድዮታት ድምጺ ብምውሳኽ ከታልሉ ብምፍታንን፡ ሰብ ዝበሃል ዘይተቀትለ ከንሱ ብዙሓት ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ብምግላጽ ብሓሶት ብምትምያን ገበን ፈጺሞም። ከምኡውን እቲ መምህር ንተመሃሮ ክመርሕን ንሶም ክስእሉን ከም ዝተሰማምዑ ተፈሊጡ።


ናይቲ ሓደ ብናይ ጸጥታ ትካላት ዝተታሕዘ ካብ ስውዲንን ለንደንን ገንዘብ ከም ዝተላእከሉ ኣብቲ ናይ ኢሜልን ፌስቡክን ዝተጻሕፎ ከምዝተረኽበን፣ እቲ ሓደ ግና ብጥቆማ መማህርቱ ከም ዝተታሕዘን ዝበጽሓኒ ሓበሬታ ይገልጽ። ንግዚኡ ኣስማት ከይገልጽ ስለ ዝተሓበርኩ ኣይገልጾን እየ። ነቶም ነዚ ሓበሬታ ንፓሊስ ሂቦም ሃገራዊ ግብኦም ዝፈጸሙ ምስጋና ይግብኦም። መቅርብ ናይቶም ናይ ሓሶት ቪድዮ ብምዝርጋሕ ሰላም ህዝቢ ዝዘረጉ ብቀረባ ክጽንዑ ንጽውዕ። ብሰላምናን ሓድነትናን ጸወታ ስለ ዘየለን ሕድገታት ስለ ዘይንገብርን። ነቶም ተመሃሮ ዝመርሐ መምህር`ውን ተሓቢኡ ዝነበረ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ብምትሕብባር ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ኣትዮ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ መምህር ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝቅመጥ ዝነበረ ኮይኑ ቅድሚ ሕጂውን ኣብ መወዳእታ 2015 ብፓሊስ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዘይምዝራብ ነቶም ገበርቲ እከይ ከሻድኖም እዩ ጸኒሑ። እቲ ሓቂ ምግላጽ ግና ነቶም ክፉእ ጌርና ነጻ ክንከይድ ኢና ኢሎም ብቁርብ ቁራቦ ሃገር ክሸጡ ዝፍትኑ መጠንቀቅታን ትምህርትን እዩ ዝኸውን!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events