Basic

**በብረድ ስሕለት ዩ**

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 19 November 2017

   **በብረድ ስሕለት ዩ**

እታ ዘይበዓልቲ ለይትና ዓለም
ኣበሳኣ ሕጂውን ይደጋገም
ጸርዲ ካብ ኮነት መለሳ ዘይብላ
ሕሰምና ትምነ ፍትሒ ዘይራኣናላ

        ፍጥር ክትብል ክትሓከና ካብ ካርታ
ኣውያትና ዘይስቆራ  እዝና ዘይዓጅባ እህ ህታ
ዓለም ሰብ ቄናን ፍርዲ  ዓለም ዝምታ ግበታ
ዘይትማዘዝ ብቻርተራ  ዝወጸት ካብ ላዕታ
       
         ንሕና ደኣ ሞ ስለ ፍትሒ መሰል  ክብሪ
ስለ መሬት ስለ ርትዒ  እንዲና ደም ነዛሪ
ኣይንመሳሰል ኣይጎናባሕ ኣይንምለኽ  ኣይንጸዓድ
ሕጂ ደኣ እሞ ንመን ንምብርካኽ ንመን ንምርዓድ
 
          ኣብ ጽንኩር ንምጉድ ኣብ ፈተነ ንበልሕ
ኣብ ቀውጢ ንጸንዕ  መመሊስና ተኣምር ንሰርሕ
መብረድ ስሕለትና እዩ መሰወዲና መትብዒ 
ስለ ሓቂ ንስየፍ ደው ልብል  ስለ ሓቂ ርትዒ

      ከምተን ተኣጊደን ዝማሰና ዝኹርመያ  ዝርዕዳ
ከምተን ዝጃጅዋ ዝስለፋ  ብዘይፍትሓዊ እገዳ
ከምተን ብዘይ ምጽወታ ትኳቦ ተወዝ ዘይብላ
መዓስ ከምኤን ኮንና ከምተን ክብረ ኣብ ዕዳጋ ዘውዕላ

        ንሕና እኮ ኤርትራውያን ኢና በዛ ጽፍርና ንነብር
ኣይንመሳሰልን እምበሺ ንመኸተን ብድሆን  ብሓደ ንሰምር
እዚ እዩ ድማ ምስጢር ትንግርቲ  ዘይተሰወጥም 
ክንረባረብ ኢና ገና ምስ ዛ ስግንጢር ዓለም

          ብዘይ ነጋሪት ትጉሃት ንውራይና  ውራይ ሃገር ንስራዕ
ብሓደ ቅኒት ንቃነ ኣብ ሓድነትና ብምጽናዕ
ሕጂ ውን ይንዋሕ ይሕጸር እቲ ምእለማ ይፈተል
ኤርትራውያን ኢና ሃገር እያ ናይ ስሕበትና ማእልከል

        ሓንካስ መንበሮም ቄናን ፍርዶም
ሕጂ ድማ ዓጊጎም ኣብታ ዘይ በዓልቲ ለይትና ባይቶኦም
ይንዋሕ ይሕጸር ዕጥቅና መዓስ እሞ ነዝልቕ
ኣብ ሓቅነትና ደኣ ንስብት እምበር መዓስ  ንልቕልቕ

         ኪነው እቲ ናይ ትማሊ ኣበሳ
መዓስ እሞ ሪኢናሎም መለሳ
እታ ዓላቒት  ብይኖም  ብይን ትማሊኦም ንሳ እያ ንሳ
መብረድ ስሕለትና እዩ ንዓና  
ደቂ ሓደ ልቢ ኣጆና ንኹን ከም ዓንቶቦና

      ዓወት ንሓፋሽ
ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events