Basic

EriYouth.org: ተመኲሮ 06 ኣብ ምስጢራዊ ስርሒታት ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ተዘትዩሉ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 19 November 2017

 

ኣዳራሽ ‘ዳዕሮ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብሃማመተኤ እናተወደበ ዝካየድ ዘሎ ክልተ ሰሙናዊ መደብ ዘተን ሰሚናርን፡ ብዕለት 13 መስከረም 2017 ኣብ ግዜ ገድሊ ዝካየድ ንዝነበረ ምስጢራዊ ስርሒታት “06” ኣስመራን ከባቢኣን ዝድህስስ መደብ ኣአንጊዳ። ኣብቲ ምሸት ተመኲሮኡ ዘካፈለ፡ ካብ 1974 ኣብ ምስጢራዊ ስርሓት ኣስመራን ከባቢኣን ዝነጥፍ ዝነበረ ኣቶ ዳኒኤል ብርሃነ (ጉርጅም) እዩ። ዳኒኤል፡ ኣቐዲሙ ነዚ ዝስዕብ ሓጺር መብርሂ ሂቡ።

ሰውራ ኤርትራ ከም ኣካል ጎነጻዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ መወዳእታ 1960ታት ጀሚሩ ናይ ከተማ ስርሒታት ኣበጋጊሱ። ናብ ኣስመራ ተጋደልቲ እናኣስሎኸ ጸረ-ሰውራ ንዝነበሩ ኤርትራውያንን ሰበ-ስልጣን መግዛእትን ኣብ ምቕንጻል ዝዘንበለ ስርሒታት፡ ነቲ ቓልሲ ‘ስሩዓት’ ብዝጽውዑ ሃገራውያን ብምውዳብ ኣረሳሲንዎ። ናይ ተሓኤ ናይ ከተማ ስርሒታት ክሳብ 1977 ብንጥፈት እዩ ቀጺሉ። ብድሕሪ’ዚ ግን፡ ከምቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘጋጠመ ናይ “ፋሉል”ን ተሓኤን ምፍንጫል፡ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ኣይከኣሉን። ንጥፈታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ናይ ከተማ ስርሒታት ግን ጸላውን ዕዉቱን ክበሃል ዝኽእል ተመኲሮ እዩ።

ኣብ ተመኲሮ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ቅድሚ ምምስራት 06፡ ካብታ ኣብ ከበሳ ዝነበረት ቦጦሎኒ፡ ብደቂ ኣራዊት ዝፍለጥ ጉጅለ ተጋደልቲ – ስዉእ ብ/ጀነራል መብራህቱ ተኽላኣብ (ቫይናክ)፡ ኮሎኔል ዓንደብርሃን በርሀ፡ ስውእ ዳዊት ተስፋጽዮን፡ ዳዊት ፍሳሃየ (ወዲ ፖሊስ)፡ ስዉእ ተስፋይ ቀለታን ካልኦትን – ናብ ኣስመራ እናሰለኹ ኣብ ምምንዛዕ ኣጽዋር፡ ምእካብ ገንዘብ፡ ምቕንጻል ጸረ-ሰውራ ደቂ ሃገርን ሰበ-ስልጣን መግዛእትን ዝጠቓልል ዕዉት ስርሒታት ኣካይዶም። ይዂን እምበር፡ ሰሊዂኳ እናኣተኻ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ምስጢራዊ ስርሒት ክትፍጽም እኹል ስለ ዘይኰነ፡ ተደጋገፍቲ ሃገራውያን ብምውዳብ ኣብ ኣስመራ ካብ መዓልታት ክሳብ ሳምንታት ክጸንሑሉ ዝኽእሉ ባይታ ፈጢሮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ናይ መኪና፡ ሽጉጥ፡ ስቱር ገዛን ካልእን ጠለባት ክቃለል ጀሚሩ። እቶም ተሓባበርቲ  ተሳትፎኦም ብዋጋ ህይወቶም እና ዀነ ስለ ዝኸደ፡ ንደቂ ኣራዊት ክትክእዎም ጀሚሮም። ገለ ካብቶም ንደቂ ኣራዊት ዝተክኡ ውፉያት፡ እማሃጽዮን ዘርኣይ፡ ተስፋልደት መንግስቱ (ኣለም መኸበብ)፡ ክብሮም ገብረመድህን ወዲ ቡላን ካልኦትን እቶም ቀዳሞት ወለዶ ውፉያት እዮም ክበሃል ይከኣል።DSC_0018 - Copy

ከም ኣካል ዕብየት ህዝባዊ ሓይልታት፡ ናይ ከተማ ምስጢራዊ ስርሒታት ሓደ ፍሉይ ኣሃዱ ክቖመሉ ግዜ ዝጠልቦ ረቛሒ ምስ ኰነ ኸኣ 06 ተመስሪቱ። 06፡ ብ1975 ክፍሊ ርክብ ከተማታት ተባሂሉ’ዩ ቆይሙ። ድቂ ክፍሊ ርክብ ከተማታት (06) ካብ ዘዕኮኹ ቀዳሞት ተጋደልቲ ድማ ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ ኣቶ ሃብትኣብ ተስፋጽዮን፡ ፍስሃየ ሃይለ (ኣፍሮ) ይርከብዎም። ክፍሊ ርክብ ከተማታት (06) ኣብ ከተማታት መሳርሕቲ ዝኾንዎም ውፉያት ኣብ ምንቃሕ፡ ምውዳብ፡ ምዕጣቕ፡ ኣብ ስርሒታት ምውጻእ ገንዘብ፡ ምቕንጻል ጸረ-ሰውራ፡ . . . ኣበርቲዖም ሰሪሖም። ኣብ 1976 ክፍሊ ርክብ ከተማታት (06) ግቡእ ቅርጺ ብምሓዝ ማእከላይ ቦታኡ ኣብ ድርፎ ኰነ። ይዂን እምበር ክፍሊ ርክብ ከተማታት (06) ክበሃል ከሎ ኣብ ኣስመራ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ብወገን ደቡብ ካብ ደቀምሓረ፡ ድግሳ፡ ሰገነይቲ ክሳብ ድባርዋ፡ መንደፈራ፡ ዓዲ-ዃላ፣ ብሰሜን ክሳብ ከረን፣ ብምብራቕ ከም ድርፎ፡ ጊንዳዕ፡ ነፋሲት፡ እምባትካላ፡ ማይሓባር፡ እግሪ ቢዘን፡ . . . የጠቓልል ነይሩ። እቲ ናይ ከባቢ ኣስመራ ክፋሉ፡ ብፍላይ ድሕሪ 1977 ኣብ ሰለስተ፡ ማለት፡ ኣብ ሰሜን፡ ደቡብ፡ ምብራቕ ተባሂሉ ተኸፋፊሉ። ስለዚ፡ 06 ኣስመራን ከባቢኣን ክበሃል ከሎ ወኪድባ፡ ዓዲ ሰጒዶ፡ ዓዲ ሃብተስሉስ፡ በለዛ፡ እምባ ደርሆ፡ ዳዕሮ ቃውሎስ፡ ዓዲ ጓዕዳድ፡ ዓዲጐምበሎ፡ ቁሸት፡ ሰላዕ ዳዕሮ፡ ዓዲ ሓወሻ፡ ጸሎት፡ ኣስመራ፡ ወዘተ ብጻዕቂ ውፉያት ዝፈረይሉ፡ ዘዕረፉሉ፡ ናብ ስርሒት ዝተዋፈሩሉ፡ ሓፋሽ ዘንቀሑሉ፡ ዝወደቡሉ፡ ዘዕጠቑሉ ከባቢታት ኣስመራ’ዩ። ካብ 1975 ክሳብ 1977 ግፍዕታት ጸላኢ ምስ ዓበየ፡ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ሰውራኡ ኣበርቲዑ ምቅላስ ዝመረጸሉ እዋን’ዩ። ብፍላይ ኣስመራ ኣብ ምሉእ ከበባ ኣትያትሉ ኣብ ዝነበረት 1977፡ ብስም “ሕሩያ ገሪባ” (ናጻነት ቀረባ) ደቀንስትዮ ዘለዋኦ ብዝሒ ሓደሽቲ ዝተወደቡ ስለ ዝነበሩ፡ በብማሕበራዊ ሓይሎም – ሸቃሎ፡ ሞያውያንን ተመሃሮን – ብምውዳብ፡ ካብ ደረጃ ዋህዮ ክሳብ ደረጃ ጨንፈር ተጠርኒፎም ርክባቶም ዘጽዓቑሉን ስዉር ጎነጻዊ ስርሒታቶም ዘነሃሃሩሉን እዋን’ዩ ነይሩ። ተልእኾ ክፍሊ ርክብ ከተማታት (06) ዕዉት ንኽኸውን ግን ደረጃታት ዝነበሮ ምስጢራዊ ኣወዳድባ ምኽታል ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። በዚ መሰረት፡ ዝዀነ ዝውደብ ዜጋ ብመሰረት ኣብ ዝተዋፈረሉ ዕዮታት ተላኢኹ ዘንጸባርቖ ብቕዓት፤ ሀ) ተሓባባራይ ለ) ተኻፋሊ ሐ) ውፉይ ዝበሃል ደረጃታት ነበሮ። ስለዚ ህ.ግ. ኣብ ምስጢራዊ ስርሒታት ንዘዋፍሮ ሰብ ብግብራዊ ስራሕ እናፈተነ ደረጃ ብደረጃ የስግሮ ነይሩ።

ካብ 1978 ክሳብ 1980 ንክፍሊ ርክብ ከተማታት (06) ኣዝዩ ፈታንን በዳህን እዋን’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ምዝላቕ ዝፈጠሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይነበረን። ብፍላይ ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግስ ዝበሃል ኣመሓዳሪን ሓላፊ ኢሰፓን ኣብ ኤርትራ ዝነበረ፡ ብሓገዝ ስለያ ምብራቕ ጀርመን መደብ ነብሰ-ምቅላዕ ምስ ኣወጀ፡ ብፍላይ ገለ ካብቶም ብ“ሑሩያ ገሪባ” ዝፍለጡ – ኣብ 1977 – ኣብ ናጽነት መጸ-መጸ ዝተወደቡ ድሕሪ ምዝላቕ ነብሶም ስለ ዘቃልዑን ንወደብቶም ኣእሲሮምን ኣህዲኖምን እዮም። ስለዚ፡ ሰላሳ ዝዀኑ ካብቶም ካብ 1974 ጀሚሮም ተወዲቦም ክሰርሑ ዝጀመሩ ካልኣይ ወለዶ ውፉያት ክህደኑ ምስ ጀመሩ፡ ናብ ድርፎ ብምውራድ ብኣላይነት ዓንደብርሃን በርሀን ደሱ ተስፋጽዮንን ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ፡ መድሓኒት ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ሓጺር ስልጠና ምትኳስ ሽጉጥ፡ ምጽዋድ ነተጒቲ፡ ወዘተ. ዝኣመሰለ ስልጠናታት ወሲዶም። ማዕረ እዚ ሓደጋ ናይ 1979 ግን ህ.ግ.’ውን ዓቢ ሓሳብ ምሕሳብ ኣየቋረጸን። በዚ መሰረት ኣብ ዓራግ ኣባላት ኮማንዶ ክስልጥኑ ጀመሩ። ድሕሪ‘ዚ ዓንደብርሃን በርሀ ንገለ ካብዞም ውፉያት ሒዙ 07 (ኣሃዱ ኮማንዶ) መስሪቱ ካብ ክፍሊ ርክብ ከተማታት (06) ተፈልየ። ብዙሓት ካብዞም ውፉያት ከኣ ኣብ መጽናዕትን በዂሪ ስርሒትን ኮማንዶ ኤርፖርት ኣስመራ (1984) ተሳቲፎም። ኣብ ክፍሊ ርክብ ከተማታት (06) ዝተረፉ ውፉያት፡ ድሕሪ 1980 ኣገባብ ርክብ ቀይሮም‘ዮም። እዚ ማለት ኣብ ክንዲ ናብ በረኻ ወጺኦም ተልእኾታት ሒዞም ዝምለሱ፡ ካብ ከባቢ ሰሜናዊ ባሕሪ እናተበገሱ ናብ ከተማ ሰሊዀም ብምእታው ተልእኾታቶም ከም ዘሰላስሉ ተገይሩ። በዚ ኣገባብ ክሳብ 1987 ብስም ክፍሊ ስለያን ጸጥታን(72) ዝጥርነፉ ልሙድ ንጥፈታቶም ምክያድ ቀጺሉ።

*****

ዳኒኤል ኣብ መወዳእታ 1974፡ ዓስራይ ክፍሊ ኣብ ዝወድኣሉ’ዩ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲቡ። ኣብ ምስጢራዊ ስርሒታት ዝወደቦ ስውእ ተኽለማርያም ተኸስተ (ተኽሊት) ኣብ 1976 ናብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ተሰለፈ፡ ዳኒኤል ምስ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክፍሊ ርክብ ከተማታት (06) ዝነበረ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን ቀጥታዊ ርክብ ፈጢሩ። ኣብ 1976 ድማ ሽጉጥ ዓጢቑ ክነጥፍ ጀሚሩ። ካብ 1977-1979 ብደረጃ መራሕ ጉጅለ ኣብ ሰሜን ኣስመራን ከባቢኣን ስዉር ስርሒታት ብጻዕቂ ዝሰርሓሉ እዋን’ዩ ነይሩ። ካብ 1980 ክሳብ 1981 ብሰሜናዊ ባሕሪ ዝነበራ መሳርዕ ውፉያት እናተቐበለ ምእንጋድን ዝተጸንዑ ስርሒታት ኣብ ምፍጻምን ሰሪሑ። ኣብ 1981 ግን ብጸላኢ ስለ ዝተፈልጠን ክህደን ስለ ዝጀመረን ናብቶም ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝነበሩ ውፉያት ብምጽንባር ምስኦም እናሰሎኸ ሰሪሑ። ደርግ ከም ኣካል ምድላው ንሻድሻይ ወራር ብኣፍዓበት፡ ጊንዳዕ፡ ኣስመራ ኣኽቢቡ ንኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝነበረ ክፍልታት ውድብ ክድምስሶ ሓሳብ ኣውጸአ። እቲ መደብ ኣቐዲሙ ስለ ዝተፈልጠ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ለይቲ ናብ ዓንሰባ ከዱ። 06 ምስ ካልኦት ኣህዱታት ተሓዊሱ ኸኣ ኣብ 1987 ናብ ክፍሊ ጸጥታን ስለያን (72) ምስ ተቐየረ፡ ከም ቅሉዕ ወዳቢ ናብ ኣስመራን ከባቢኣን እናኣተወ ኣብ 1991 ናጽነት ኣርከበ።

*****

ብድሕሪ’ዚ ዳኒኤል ዘቕረቦ ሓፈሻዊ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ ናብ ሕቶ፡ ርእይቶን ተወሳኺ ሓሳብን ሰገሩ።

ሕቶ፤ ምስጢራዊ ስርሒታት ተጋደልቲ ስለምንታይ’ዩ ዘይንገር ወይ ዘይዝንቶ፧ እቲ ምስጢራዊ ኣሰራርሓና ጸገም ከይፈጥር ዲና ወይስ ተመኲሮና ጌና ከም ጸጋ ክንጥቀመሉ ስለ ዘለና ንምስጢራዊ ስርሒታት ዝምልከት ታሪኽና ዘይንገር ዘሎ፧

ውሽጣዊ ስርሒታት ብጋዜጣ፡ ፊልም፡ መጽሓፍ ተፈቲኑ’ዩ። እዚ ዕዮታት’ዚ ናይ ባዕሉ ሕጽረታት እናሃለዎ ኣብ ምስግጋር ታሪኽ ናቱ እጃም ተጻዊቱ’ዩ። ኣዕጋቢ ድዩ እንተኢልካኒ ግን ኣይኰነን። ብመሰረቱ፡ መብዛሕትኡ እቲ ስርሒታት ምስጡር (classified) እዩ። ሓፈሻዊ ክፋል ናይቲ ታሪኽ ግን 80 ሰዓታት ዝወሰደ ብኣውድዮ ቪዥዋል ተሰኒዱ ንህግደፍ ተረኪቡ እዩ። ከምቲ ኩሉ ዓለም ዝገብሮ ነዚ ሰነዳት ንፊልም፡ ንመጽሓፍ፡ ንትንታነ መዓስ ይፍንዎ ግን ንዝምልከቶ ኣካል ኢና ንሓድጎ።

ሕቶ፤ ጸላኢ ድኹም ስለ ዝነበረ ዲና ተዓዊትና? ምስጢር ዓወትና ኣብ ምንታይ ምዃኑ ከተብርሃለይ ምደለኹ። ብተወሳኺ እንድሕር ጸላኢ ሓያል ነይሩ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ፊልምታትና ግን ድኹም ጸላኢ ኢና ንፈልጥ። ንሕና ግን እቲ ናይ ብሓቂ ዝሰዓርኩሞ ጸላኢ ክንፈልጥ ምደለና፧   

ኣብ ጐነጻዊ ቃልሲ ትብዓት ወሳኒ’ዩ። እዚ ኸኣ ውሑዳት ወለቕ-ዘለቕ ዝብሉ ዝነበሩ ገዲፍካ ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ተቢዑ ስለ ዝተቓለሰ’ዩ ተዓዊትና። ብዘይካ’ዚ ግን ዝዓበየ ረቛሒ ናይ ዓወትና ኰይኑ ዝስምዓኒ ምስጢራውነትናን ምድግጋፍ ህዝብናን’ዩ። ንኣብነት፡ ገዛ እንዳዓለቦይ ዓዲ ምሉእ ዝፈልጦ መዋፈሪና‘ዩ ነይሩ። እቲ ህዝቢ ነዚ እናፈለጠ ይሰትረና ስለ ዝነበረ ግን ውሕስነት ነይሩና። ህዝቢ ክሳብ ክንዲ ምንታይ ይተሓባበረና ነይሩ ሓንቲ ኣብነት ክህብ። ሓደ መዓልቲ ካብ ከባቢ ዓንሰባ ተንቀሳቒሰ እናተመለስኩ፡ ከባቢ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት ምስ ኰነ፡ ወተሃደራዊ ጫማ ዝገበረ ምዕበየይ ዝኸውን ሓደ ወዲ-ዓዲ፡ ውትፍ ኢሉኒ። ሽጉጠይ ኣውጺአ ቁሊሕ ምስ በልክዎ ኣለልዩኒ።

“ናበይ ኢኻ፧” ኢሉኒ።

“ጀርዲን ከስቲ፡” ኢለዮ። ሰገጥ ኢሉ።

“እንታይ ደኣ እዛ ነጸላኻ ጻዕዳ ኰይና ካብ ማዕዶ ትርአ ኣላ። ኣብ ውሽጢ ኣእትዋ፡” ኢሉኒ መንገዱ ቐጺሉ። ክሳብ ክንድዚ ህዝቢ ይሓቘፈና ምንባሩ ኸኣ’ዩ ምስጢር ዓወትና። ጸላኢ ግን ሓይሊ ኣይነበሮን ማለት ኣይኰነን። ጸላኢ ብዙሕ ናይ ስለያ ንጥፈታት’ዩ ዘካይድ ነይሩ። 06 ብዛዕባ ጸላኢ መዓልታዊ ሓበሬታ ስለ ዝነበሮ ከመይ ገይሩ ኣባላቱ ካብ ሓደጋ ይኣልዮም ቀጻሊ ጻዕሪ የካይድ ነይሩ። ንጸላኢ ንምስላይ ክሳብ ጋንታ ኲዑሶ እግሪ ኣቝምና ምስ ጸላኢ ዝያዳ ንቀራረብ ነይርና። ብዘይካ’ዚ ካብ ሰነዳት ጸላኢ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብመንገዲ ሓዎም፡ ኣወቦኦም፡ ሓብቶም፡. . . ወዲብካ ኣብ ሚስጢራዊ ስርሓት ኣበርክቶ ከም ዝገብሩ ጌርና ኢና። ስለዚ፡ ልዕሊ እቲ ጸላኢ ዝፈልጠና ክንፈልጦ ሓጊዙና።

ሕቶ፤ ብዙሓት ስድራቤታት ብምሉኦም ኣባላተን ኣብ መስመር ሓፋሽ ውዱባት ዝነጥፉ ነይረን’የን። ንኣብነት ዳኒኤል ናይ ስድራኻ ኣዕልለና። ምስዚ ክልዓል ዝጸንሐ ስክፍታት ናይ ታሪኽ ኣተኣሳሲርካኸ መጽሓፍ ንምጽሓፍ መደብ ኣለካዶ?

ኣብቲ ንስድራቤትና ዝምልከት ኣቦይ ውፉይ ነይሩ። ኣብ መስመር ዓንሰባ ኸኣ ይሰርሕ ነይሩ። ኣደይ’ውን ውፍይቲ ነይራ። ቦምባ ይዂን ሽጒጥ ኣብቲ ቈልዓ ዝሓዘለትሉ ማሕዘል ገይራ’ያ መልእኽቲ ተመላልስ ነይራ። በዓልቲ ቤተይ‘ውን፡ ኣብ 1979 ምስ ተመርዓና፡ ጽልዋ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለ ዝነበራ ኣብ ህ.ግ. ተወዲባ። ስለዚ፡ ብደረጃ ስድራ ኣብ ምስጢራዊ ስርሓት ንሰርሕ ነይርና። እዚ ግን ናይ ስድራና ተመኲሮ ጥራይ ዘይኰነ ናይ ብዙሓት ስድራቤታት ተመኲሮ’ዩ። በዓልቲ ቤተይ ኣብ 1983 ተሃዲና ምስ ወጸት፡ ሓለፍቲ 06 ዝነበሩ ናብ ሱዳን ክንሰዳ ኢሎሙኒ፣ ኣብየዮም። ተጋዲላ ኣብ ዓዲ ክልተ ቈልዑ ነይሮምና ኣብ ገድሊ ክልተ ወሲኽና ብሓባር ንነብር ኣለና።

ኣብቲ ንምጽሓፍ ዝምልከት ታሪኽ ህይወተይ ተጻሒፉ ክንበብ ዝኽእል ይመስለኒ ኣይነበረን። ንደቀይ ኣዕሊለዮም ስለ ዘይፈልጥ ግን ንዕኦም ኢለ ኣብ 2012 ምጽሓፍ ጀሚረ። መፋርቕ 1980ታት በጽሔ ኣለኹ። ናይ ገለ ተጋደልቲ ተበግሶታት ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ምስ ረኣኹ ግ ውልቃዊ ተመኲሮይ ብመልክዕ መጽሓፍ ዝቐርበሉ ኣገባብ ይሓስብ ኣለኹ።

ወሳኺ ሓሳብ ካብ ኣማኒኤል ልጃም (ወዲ ልጃም)

ኣብዚ ተላዒሉ ዘሎ ታሪኽና ናይ ምጽሓፍን ሓይሊ ጸላእን ገለ ክምልእ ስለ ዝድለኹ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ጸገምና ኣይነዐልለሉን ኢና። ዳኒኤል’ውን ክዛረብ ይደሊ የለን። ኩልና ከምኡ ኢና። ንዓይ ዘይርድኣኒ እንታይ እዩ እቲ ጸገም፧ ንኣብነት፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብኮለኔል ኣስረስ ኢሳቕ ንውልቃዊ ናይ ቃልሲ ተመኲሮኡ ዝገልጽ ጽቡቕ መጽሓፍ ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ ህ.ግ. ተላዒሉ ዘይፈልጥ ናይ የሚን ምንቅስቓስ ከይተረፈ ኣልዒልዎ ኣሎ። ንኣስረስ ስለምንታይ ጽሒፍካ ዝበሎ ግን የለን። ዳኒኤል ይዂን ካልኦት ንሱ እዩ ስክፍታና። ጸላእትና ንታሪኽና ዓምጺጾም ምጽሓፍ ኣየቋረጹን። ስለዚ ዝምልከቶ ሓደ ትካል ተፈጢሩ ታሪኽና ዝድህሰሰሉ ባይታ ክፍጠር ኣዘኻኽር።

ብተወሳኺ፡ ኣብዛ ጸላኢ ድኹም ስለ ዝነበረ ዲና ስዒርናዮ ትብል ሓሳብ ንእሽተይ ክምልእ። ምስጢራዊ ስርሓት ህ.ግ. ብሞያ፡ ብመሳርሒታት ምስ ናይ ጸላኢ ዝወዳደር ኣይነበረን። ጸላኢ ክሳብ ከም RDF ዝኣመሰሉ ናይ ሬድዮ ጠለፋ መስርሒታት ነይሩዎ። ብዘይካ’ዚ ናይ መሳርሒታት ስልጠና ናይ ኢትዮጵያ ስለያን ጸጥታን ሲኣይኤ፡ ሞሳድ፡ ምብራቕ ጀርመን፡ ከይ.ጂ.ቢ.ን ካልኦት ሰብ ተመኲሮን ዝሃነጽዎ ትካል’ዩ። ናይ ህ.ግ ተመኲሮ ግን ብድልየትን ምምልላእን’ዩ ተሃኒጹ። ኣብ 1977 ከም በዓል ስውእ ብ/ጀነራል ተኸስተ ናብ ሜዳ ምስ ተሰለፉ ስለያ ሞያዊ ባህሪ እና ተላበሰ ማዕቢሉ። ቅድሚኡ ግን ሞያዊ ኣይነበረን። ከም ኣብ ኩሉ ሸነኻት ቃልሲ ኣብ ስለያ’ውን ኣብ ዕላማና ንኣምን ምንባርናን ህዝብና ዝሓቝፈና ምንባሩን እዩ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ጸብለልታ ሂቡና።

ርእይቶ ማእከለ ሃይለ ምስ ዳንኤል ውፉይ ዝነበረ

እዚ ታሪኽና፡ ናይ ተጋዳላይ ይዂን ናይ ህዝቢ፡ ይግለጽ የለን። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ጅግና እዩ። ንኣብነት፡ ኣዲኡ ንዳኒኤል ብርሃነ፡ ኣደይ ለተቓል ሓፋሽ ውድባት’ያ ነይራ። ናብ ወፍሪ ክንከይድ ከለና ቀቅድሜና ኲቦ ትኣሪ እና መሰለት መንገዲ ተጽንዓልና። ኣብ ስርሒት ኣምሲና ክንምለስ ከለና ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ቀንዴል ወሊዓ ክትጽበየና ተምስን ኩሉ ዘድልየና ትቕርበልናን ነይራ። ስለዚ፡ ታሪኽና ኣይተገልጸን እየ ዝብል ኣነ ብወገነይ።

ሕቶ፤ ኣብ ተመኲሮኻ ዘይትርስዖ ትብዓት፡ ክድዓት፡ ፍሽለት ወይ ዓወት ስርሒት ገለ ክትብለና።

ከም ፍሉይ ተዘኲሮ፡ ሓደ እዋን ፈሺላ ኢልና ዝጓሃናላ ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ዝኸሓሰትና ፈንጂ ነይራ። ኣብ እዋን ካልኣይ ወራር 1978፡ ድፋዓት ዓዲ-ያቆብ ንምፍራስ ታንክታት ካብ ኪዳነ-ምህረት ዓዲ-ጓዕዳድ በቲ ግራውቲ ሰንጢቐን፡ ቁሸት ቆሪጸን ዓዲ-ያቆብ ይኸዳ ነይረን። ድፋዓት ጸላኢ ጸዓዘጋ፡ ሃዘጋ፡ ዓዲ-ቑንጺ እዩ ነይሩ። ተስፋልደት መንግስቱ (ኣለም መኸበብ) ምስ ካልኣዩ ኣነ ምስ ኣብዚ ኣዳራሽ ዘሎ ማእከለ ሃይለ ኴንና ነቲ እተን ታንክታት ዝመላለሳሉ መገዲ ፈንጂ ንቕበረለን ይበሃል። ኣብ 1978 ተመኲሮና ድሩት’ዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ፡ ነቲ ፈንጂ ኣብ ክንዲ ኣብ ዓንቀር ጽርግያ መጋላበጢ ኣብ ዘይብሉ፡ ኣብ ገፊሕ ቦታ ቀቢርናዮ። ብተወሳኺ፡ ኣዕሚቝና ቀቢርናዮ። ከም ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ጒድኣት ኣየውረደትን። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝመላለሳ ዓረብያ ፈረስ ህዝቢ ጒድኣት ከይተውርድ ኢልና ክነውጽኣ ክንደልያ ጀሚርና። ፈጺምና ስኢንናያ። ኣብ ግንቦት 1979 ሓደ መዓልቲ እናተሓጸንኩ ከለኹ ከቢድ ድምጺ ፈንጂ ሰሚዐ። እታ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ዝቐበርናያ ፈንጂ ክምረቑ ዝዳለዉ ዝነበሩ፡ ኣብ ናይ ተዂሲ ልምምድ ዝወዓሉ፡ 40 ሕጹያት መኮንናት ደርግ ከም ዝለከመት ፈሊጥና። መጀመርያ ዘሕረቐትና ጸኒሓ ዝኽሓሰትና ፍጻሜ ድማ ነይራ።

ተወሳኺ ሓሳብ ፋኒኤል ተስፋዝጊ (ባቡር)

ካብ 1975 ክሳብ 1978 እዋን ምዝላቕ፡ ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር 06 ነይራ ክበሃል ይከኣል። ብወገን ጸላኢ ጽዑቕ ምእሳርን ምርሻንን ነይሩ። እንተዀነ፡ ዝዀነ ውፉይ ካብ ምስጢር ኣውጺኡ ህዝብን ውድብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መስዋእቲ ዝመርጸሉ ዝነበረ እዋን’ዩ። ምስጢር ከየውጽኡ ክብሉ ክሳብ ኣብ ርእሶም ብመስማር ተወጊኦም ነብሶም ዝቐትሉ ነይሮም። ኣብ 1980 ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግሽ ሰነዳት ሻዕብያ ረኺብና ኣለና ብምባል ንዉድባትና ብምስጢርን ብጋህድን ከም ዝጋለጹ ገይሩ። ብዙሕ ውፉይ ድማ ናብ ሜዳ ወጽኡ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ 06 ገለ ጸገማት ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ኣብቲ ንስድራቤታት ዝምልከት ዝቐረበ ሕቶ፡ ሸውዓተ ደቁ ተሰሊፎም ሸውዓቲኦም ዝተሰውኡዎ ኣቦይ ይሕደጎ ገብረስላሰ ዝበሃል በዓል ዓዲ ንፋስ ነይሩ። ካብዚ ናብ ዓንሰባ እናተመላለሰ ኣብ ዓዲ-ሰጒዶ ምስ በጽሐ መሳርሕትኻ ተታሒዞም ምስ ተባህለ ናብ ሜዳ ተመሊሱ ድሒኑ።

ገብረትንሳኤ (ጃንቦ) ዝበሃል ወዲ ሓዉ ንኣቦይ ይሕደጎ፡ ኣቦን ወድን ብሓባር ይሰርሑ ነይሮም። ክልቲኦም መስመር ጸላኢ በቲኾም ናብ ዓንሰባ ሰነዳትን ካልእ መልእኽትን የብጽሑን ካብ ዓንሰባ የምጽኡን ነይሮም። ኣብ ገለ’ውን ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ሰለስተ ዋህዮ እናሰርሑ ዘይፋለጡ ነይሮም። ወዲ ጃምቦ ኣብዚ ኣዳራሽ መጺኡ ስለ ዘሎ ባዕሉ እንተመልኦ ጽቡቕ’ዩ።

ወዲ ጃምቦ፤ ብዕድመ ንእሽተይ’የ ነይረ። ደብዳበታት ነውጽእ ነይርና። ደቂ 12-13 ዓመት ስለ ዝነበርና ጸላኢ ይፍትሸና ኣይነበረን። ኣቦይ ሰለስተ ግዜ ተኣሲሩ ኣብ መበል ራብዓይ ተረሺኑ። ከም መተካእታ ኣቦይ ደብዳበ ተዋሂቡኒ ንገለ ሰባት ርኸቦም ተባሂለ። ንእሽተይ ስለ ዝነበርኩ እቶም ክረኽቦም ዝኸድኩ ሰባት ንእሽተይ ኢሎም እዚ ከጠርጥረና ይኽእል’ዩ ብምባል ስክፍታኦም ገሊጾም። ደሓር ግን ኣብ ስራሕ እና ተወሃሃድና ክሳብ ናጽነት ቀጺልና።

ህዝቢ ናይ ብሓቂ’ዩ ዝሓቝፈና ነይሩ። ተፍትሽ እንተ ውዒሉ ህዝቢ ተገዲሱ ይሓተልካ። ከምዚ ንሓልፍ ኣምሲልና ብብሽግለታ ናብቲ ንብረት ንቐብረሉ እንዳ ሓሰር ቅርብ ክንብል ከለና ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሑ ሰባት እልይ ይብሉልና ነይሮም። እቲ ህዝቢ ኣብ ምስጢራዊ ስራሕ ንነጥፍ ከም ዝነበርና ይፈልጥ ግን ከኣ ኣይነግርን።


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events